2011-11-17 14:10:58

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ (16/11/2011)
ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ወትሩ ሰዓሪ ኢዩ
ማኅበረ ክርስትያን ብመዝሙረ ዳዊት ተመሪሑ ምጽላይ ክመሃር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ትማሊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 110 ኣደጊፎም ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ነቲ ብመዝሙረ ዳዊት ዝተመርሔ ብዛዕባ ጸሎትን ምጽላይን ትርጉምን ሸቶኡን ካብ ዕለት 22 ሰነ 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ብተኸታታሊ ዝጀመርዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 16 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ብመልክዕ ንጉሰ ካህን መልከጼዲቅ ኣቢሉ ክህነታዊ ንግሥና ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ድማ ዓወት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ዘበሥር መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 110 ኣማእኪሎም፣ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ናይ ታሕጓስ ስምዒትን ኩነት መንፈስ ጓህይን፣ መልሲ ዝረክብን ውሕስነት ዝጎናጸፍን ምጥርጣርን ፍርሃትን፣ ኮታ ሰብ ምስ ኩሉ ተበግሶታቱን ምግርጫዋቱን እግዚኣብሔር ድማ ብምልኣተ ለጋስነቱን ለውሃቱን ምሉእ ኃይሉን ይቐርብን ይግለጽን ቢሎም፣ መዝሙረ ዳዊት 110 ክቡር ጸሎት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣማንያን ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዘሰንዮም ብምዃኑ፣ ዳግም ብዕምቀት ግንዛቤ ዘድልዮ ኢዩ። እምበኣር ኵሉ ብመዝሙረ ዳዊት ክጽሊ ደጋጊመ ዝብሎ ሓደራ ሎሚ እሕድስ። ትምኒተይ ድማ ኣማኒ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ጸሎተ ሠዓታት ሊጡርጊያ፣ ጸሎተ ዘ ነግህን ጸሎተ ዘ ሠርክን ጸሎተ ዘ ንዋምን ክሓብር ኢዩ። እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ በቲ ናብ እግዚኣብሔር እንፍጽሞ ዕለታዊ ጉዕዞና ክህብትምን ብዝለዓለ ሓጎስን እማኔን ኣብ ግብሪ ክትርጐም ኣለዎ።
ብናይ እብራይስጥ ትውፊት፣ መዝሙረ ዳዊት 110 ብናይ ግረክን ላቲንን ትውፊት ድማ 109 ዝልለይ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ መዝሙረ ዳዊት’ዚ ኣብ መላእ ሓዲሽ ኪዳን ዘየማትእ ትኽክለይና ኣስተንፍሶ፣ ተልእኾ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓለም እቲ ክኸውን ዘለዎ ቅድም ቢሉ ዘነጽር ኣዚዩ ዝጥቀስ ብሉጽ መሲሓዊ ኩነት ፍጻሜ ዝገልጽ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዚ መዝሙረ ዳዊት’ዚ ብጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ብናይ ዝተፈላለየ እዋን ኣማኒ ኣዚዩ ፍትው ምዃኑን፣ ኣብ መጀመርታ እዚ መዝሙር’ዚ ምናልባት ምስ ናይ ንግሥና ንጉሥ ዳዊት ዝተኣሳሰረ እንተመሰለ እውን፣ እቲ ትርጉሙ ካብቲ ፍልይ ዝበለ ወዝባዊ ታሪኻዊ ኩነት ክንየው ናብ ዘሎ ሰፊሕ መሥፈርቲ ክፉት ብምዃኑ በዚ ምኽንያት’ዚ ናይቲ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ብኽብሪ ዝተቕመጠ ተዓዋቲ መሲሕ ዘብዕል ኮይኑ ይርከብ።
ኣብቲ ናይቲ መዝሙረ ዳዊት ፍቕድታት እቲ ንኣብርሃም ዝባረኸን፣ እቲ ኣበው ነቲ ብኢድ ጸላእቲ ተታሑዙዎ ንዝነበረ ወዲ ኃው ሎጥ ካብ ኢድ ጸላእቱ ንምድሓን ተዋጊኡ ምስ ሰዓረ ምእንታኡ ኅብስትን ወይንን መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ ናይ ሳሌም ንጉሥ ካህን መልከጼዲቅ ንረክብ። እምበአርከስ መልከጼዲቅ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና እቲ ብምጽኣት ክርስቶስ ዝተነጸረ ንጉሳዊ ካህን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ናይቲ መዝሙረ ዳዊት ትንቢትን ክህነትን መልከጼዲቅን ኣብቲ ንሞት ስዒሩ ንሰማይ ዓሪጉን ኣብ የማን ኣቡኡ ብዝተቐመጠ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይትግበርን ይፍጸምን። እቲ ኣብ ግዜ ኣብርሃም ብመልከጼዲቕ ዝቐርብ መሥዋዕቲ ኅብስትን ወይንን ኣብቲ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኅብስትን ወይንን ዘወፍይን ንሞት ስዒሩ ድማ ኵሎም ኣማንያን ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ኣብ ናይ ኢየሱስ ቅዱስ ቅርባን ምልክታ ምልኣት ይረክብ።
ኣብቲ ፍቕዲ መዝሙር ምዕራፍ 110 ቀንዲ ተዋሰኣቲ እግዚኣብሔርን እቲ ንሱ ዝሓረዮን ብፍጹም ሓለፋ ኣብ የማኑ ክቕመጥ ዝገበሮ ንጉሥን ኢዩ። በዚ መሠረት’ዚ ቅዱስ ኣቦና እቲ ሓቀይና ንግሥና ትርጉም ዝህልዎ ከም ክርስቶስ ኣብ ኣገልግሎትን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውፋይን ክንበር እንከሎ ኢዩ ምስ ዝብል ቃል ኣስተንትኖ ኣተሓሒዞም ብምቕራብ፣ እቲ ንጉሥ ነቲ ዘመሓድሮ ሥልጣን ካብ እግዚኣብሔር ኢዩ ዝቕበሎ፣ ስለዚህ ካብ እግዚኣብሔር ብምዃኑ ድማ ኣብኡ ተደጊፉን ንኣኡ ብምእዛዝ እናነበረ ኣብ ውሽጢ ሕዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ኃይልን ሓልዮትን ትእምርቲ ይኸውን።
እቲ ናይቲ ንጉሥ ዘይተሰዓርነትን ንጸላእቱ ናይ ምልዋጥ ዘለዎ ብቕዓት ካብ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝተዓደለ እዩ። እዚ ድማ እቲ ሓደ መሲሓዊ ምልክታ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብ ዓለም ብዙሕ ክፍኣት ኣሎ። ኣብ መንጎ ክፍኣትን ሠናይን ቀዋሚ ውግኣ ኣሎ። ኣብዚ ውግእ’ዚ ድማ እቲ ክፍኣት ዝዕወት ኢዩ ዝመስል፣ ሽሕ’ኳ ኵሉ ኣብ ናይ ታሪኽ እወታዊ ፍጻሜ ንኽጠራጠር ዝድርኽ እውን እንተኾነ፣ እቲ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ዝዋጋእ ኣዚዩ ዝሓየለ ጎይታ፣ እቲ እውነተይና ንጉሥናን ካህንናን ክርስቶስ እዚዩ ሓያል ኢዩ። ክርስቶስ ሰዓሪ ሠናይ ሰዓሪ ፍቕሪ እምበር ጽልእ ሰዓሪ ኣይኮነን ቢሎም ኣስተምህሮኦም ምስ ፈጸሙ፣ ነቶም ኣብ ኣጸደ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተምህሮኦም ንምስማዕ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ካህናትን ደናግልን ዝርከብዎም ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.