2011-11-15 14:43:54

ብፁዕ ካርዲናል ኮች፦ ፍርዲ እግዚኣብሔር ወትሩ ብምሕረት ኅያው


ኣብ ቢየሎሩሲያ ርእሰ ከተማ ሚንስኪ ካብ ዕለት 13 ሕዳር ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶስክን፣ ክብሪ ክርስትያናዊ ሥነ ምግባር ንናይ ኤውሮጳ ሕይወት ኣስተዋጽዖ” ብዝብል መሪሕ ቃል ናይ ቢየሎሩሲያ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ RealAudioMP3 ሃይማኖት ሓልዮ ዘተን ርክባት ዓለም ሓቆፍ ምስ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃይማኖታት ተቛምን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ሕንጸት ክርስትያን ዝሓሊ ናይ ቅዱሳት ቀርሎስን መቶዲዮስን ማእከል ምስ ናይ ሚንስክን ሞሂለቭ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሰበኻን ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለውዎ ዓወደ መጽናዕትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሥልጣኔታትን ዘተ ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ብናይ ክቢ ጠረጴዛ ርክብ ኣብ ዝተዛዝመን መደብ ዝተሳትፉ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ዝሓለፈ ሰነበት ንናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ መክፈቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ እቲ ብቲዮሎልጊያዊ መጽናዕቲ እውን ከይተረፈ ሸለል ዝበሃል ፍርዲ እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እግዚኣብሔር እንክፈርድ ብዛዕባ ሰብ ኢዩ ዝግደስ፣ ፍርዲ እግዚኣብሔ ሰብ ኢዩ ዘገድሶ፣ ፍርዲ እግዚኣብሔር ግብረ ኩነኔ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዘይኮነስ ግብረ ጸጋን ፈውስን ምሕረትን ኢዩ። ስለዚህ ወትሩ ኣብ ሕይወት ክርስትናን እምነት ክርስትናን እዚ ዓይነት ርድኢትን ኅያውነት ፍርዲ እግዚኣብሔር ዕቱብ ኮይኑ ክንበር ኣለዎ። መለኮታዊ ፍርዲ ናይ ዕለታዊ ሕይወትናን ተግባርናን መዛንን ሓጎስ ካብ ሕይወትና ፈጺሙ ከይጠፍእ ዝድግፍ ምዃኑ ከምዘነጸሩን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ንጎሆ ብፁዕነቶም ምስ ናይ ቢየሎሩሲያ ርእሰ ብሔር አለክድሳንድር ሉካሸንኮ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ቢየሎሪሲያ ካብ መላእ ብዝሒ ሕዝቢ 80 ሚእታዊ ብናይ ኦርቶዶስክ 10 ምእታዊ ድማ ብናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ዝሽፈን ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.