2011-11-15 14:45:40

ብፁዕ ኣቡነ ዚይግሙንት ዞምውስኪ፦ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕማም ሽኮርያ ክህሉ


ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዚይግሙንት ዚሞውስኪ ብምኽንያት 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕማም ሽኮሪያ ምክንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ RealAudioMP3 እንከመልክት፣ ብፁዕነቶም ኣብ ዓለም ብዛዕባ ሕማም ሽኮሪያን ሳዕቤናቱን ብቁዕ ርድኢት መታን ክሁሉ ዘይተሓለለ ጎስጓስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ቢሎም፣ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብሔራውን ዓለም ለኻዊ ጉዳይ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ብጠቕላላ ኣብዚ መዳይ ክተባብዑ ድማ ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጸሎት ሓቢሮም፣ ብሕማም ሽኮርያ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ብፍላይ ነቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ህሙማን ቆላሕታ ክግበርን ዝተማልኤ ደገፍ ክንክን ጥዕና ክቐርብ ሓደራ ቢሎም፣ ብዛዕባ ሕማም ሽኮርያን ምክልኻል ሕማም ሽኮርያ ብቑዕ ሕንጸትን ሓበሬታን ክሰፍሕ ከምዘተሓሳስሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ኣብ ዓለም 346 ሚሊዮን ሕዝቢ ብሕማም ሽኮርያ ዝተጠቕዔን ብዙሓት ብጠንቂ ሕማም ሽኮርያ ሰኣን ቀረብ ቀዳማይ ክንክን ጥዕና ሓደጋ ሞትን ዑረት ዓይንን ኣካለ ስንክልናን ከዘጓንፎም እውን ብፁዑነቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ ኣገልግሎት ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ዘርኢ ሰብ ክኽበርን ብሔራውን ዓለም ለኻውን መደብ ክንክን ጥዕና ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ሕይወትን ናይ ሕይወት ባህልን ዝኣምን ኮይኑ ክሰፍሕ ድማ ሓደራ ቢሎም፣ መድሃኒተ ህሙማን እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮሎም ሕሙማን ብቕዕ ደገፍን ሓልዮ ክንክን ጥዕናን ክረኽቡ ንኣማላድነታ ተማሕጺኖም ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.