2011-11-12 14:11:33

ብፁዕ ኣቡነ ፎሊኒ፦ ተልእኾ ወንጌል ንእዋናዊ ዓለም ሕቶ ብቑዕ መልሲ ዘቕርብ ክኸውን


ዓመታዊ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ኡርባኒያኑም ጳጳሳዊ መንብረ ጥበብ ምኽንያት ንናይቲ መንበረ ጥበብ መምሃራንን ተመሃሮን ኣስፍሆተ ወንጌል ንሕዛበ እግዚኣብሔር ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተን RealAudioMP3 ናይ ኡርባኒያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዓቢይ በዓል ሥልጣን ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒ ዕላማ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ “ተልእኾ ወንጌል ሎሚ፣ ተመክሮን ትጽቢት ዝነበረሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ “ናይ ጽባሕ ልኡካነ ወንጌል ብሥነ ባህሊ ዝተማልኤ ምድላውን ሕንጸትን ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ክልሰ ሓሳብ ዘይኮነስ ዝተኾልዔ ተግባርን ቃል ኣምልኽ ብጥልቂ ካብ ምርዳእን ምግንዛብን ዝነቅል” ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዕ ኣቡነ ፎሊኒ ንናይ ምጅማር ናይ ትምህርቲ ዘመን ኡርባኒያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም፣ ልኡካነ ወንጌል ኩነት ክርስትናን ቀጻሊ ብቕዓትን ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስ እዋናዊ ዓለም ብዘዛምድ መገዲ ወንጌል ዳግም ብጥልቂ ከንብቡን፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዝቀላቐል ሕጹጽ ግዳሰ ዝገብር ኮይኑ ኣብ ናይ መሰጋገሪ መዋዕእል ንቑሕ ተዋሳኢ ክኸውን ዝድርኾ ዓሚዩቕ ኣስተንትኖ ዝሓትት ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣዋናዊ ተግባር ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትዕጾ ዝድርኹ ዘጋጥሙ ፈተናታት ከምዘለዉን፣ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ቅልውላው ክቡራት ዋጋትትን ካብ ኩሉ መዳይ እግዚኣብሔር ኣወጊዱን ኣብ ኩሉ መዳይ ንእግዚኣብሔር ኣይፋል ቢሉን ኪሒዱን እነሆ ድማ ሰብኣዊ ዝውከሶ መልሕቕ ዝኾኖ ስኢኑ ብቐጻልነት ናብ ባዶነትን ኢምንትነትን እናምርሔ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ብሚሊዮናት ዝቁጸር ዘርኢ ሰብ ብሕይወት ምንባር ዓቢ ሕቶ ኮይንዎ ኣብ ናይ ኅላዌ ሕቶ ወዲቑ ኣብ ጽኑኩር ኩነት ተዋሒጡ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዓለም ኢዩ ዝርከብ። ስለዚ ኣመለኻኽታኡ ኣስፊሑን ሥነ ኣገባቡን ሓዲሱ ነቲ እዋናዊ ብድሆ ዝምክትን ዝፈትሕን ክኸውን ድማ መሠረታዊ ዕላማኡ ከይስሰሓተ ምስ ኩሉ ዝዝትይ ክፉት ክኸውን ይግባእ። ክፉት ምዃኑ ዝብል ውሳኔ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝግበር ሥነ ባህላዊ ምቅርራብ ቀሊል ክኸውይን ከምዘይብሉ ኢዩ ዘተሓሳስበና። ዕላማ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም በዚ መሠረት’ዚ ተንቲኖም፣ ናይ ዓለም ኅብረ ባህልን ኅብረ ብሔርን ኅብረ ሃይማኖትን ግምት ዝህብ ፍልስፍናውን ቲዮሎግያውን ምስንዳው ንናይ ኣስፍትሆተ ወንጌል ቲዮሎግያ ዘተኮረ ኢዩ፣ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ምሥጢር ዘሳንይ ቅንይት ክህሉ ዘብቕዕ ኣስተንትኖን ጽምዋን ጸሎትን ዝሓትት ፍልጠት ናብ ፍቕሪ ዝልውጥ ክኸውን ኣለዎ። እግዚኣብሔር ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቲዮሎግያውያን ጸጋታት ማለት ንእምነት ተስፋን ፍቕርን ቦታ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የምልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.