2011-11-12 14:10:03

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኤውሮጳዊ ናይ ግብረ ሠናይ ኣብነት


ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ማርቲኑስ በዓል ቱርስ ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ ቅዱስ ማርቲኑስ ኣብ ሳባሪያ ኣብ 316/317 ዓ.ም. ዝተወልደን RealAudioMP3 ኣብ ካንደስ ሳይንት ማርቲን ዕለት 8 ሕዳር 397 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ቤተ ክርስትያን ምስቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ቅድስና ካብ ዝኣወጀትሎም ቀዳሞት ቅዱሳን ናይ ደም ሰማዕትነት ካብ ዘይተቐበሉ ቀዳማይ ቅዱስ ምዃኑ ታሪኽ ማኅደረ ቅዱሳት እንከመልክት፣ ማርቲኑስ ዘ ቱርስ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ወተሃደራዊ መኮንን ቀጺሉ ክርስትና ተቐቢሉን ካብ ውትህድርና ዓለም ተሰናቢቱ ደሓር ድማ ከም ኣገልጋሊ ወንጌል ኮይኑ ክሳብ ማዕርገ ጵጵስና ዝበጽሔ ለጋስን ኣበ ነፍሳትን ኮይኑ ዘሕለፎ ሕይወት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተራድኦ ተግባራት ዘወሃህድን ዝሰርዕን ክርስትያንን ሰብኣዊ ምዕባለ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ኮር ኡኑም-ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ዘዳለዎ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ግብረ ሠናይ ሓልዮ ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ተግባር ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ክቡራት ካህናትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትያን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ማኅበር ወለንተይናታት ሓለፍትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ መሪሕ ቃል ከምዝዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 11 ሕዳር 2007 ዓ.ም. ቅዱስ ማርቲኑስ ዘ ቱርስ ናይ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣርእስቲ ገይሮም ኣብዚ ቅዱስ ኣተኩይሮም “ማርቲኑስ ዘ ቱርስ ገና መንሰይ ወትሃደር እንከሎ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጉዕዞ መገዲ ምስ ሓደ በቲ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ቁርን ኣስሓይታን ተጠቒዑ ኣብ ባይታ ደቂሱ ዝነበረ ሰብ ምስ ረኣየ ነቲ ኣብ ዝባኑ ዝነበረ መንጠሊና ንኽልተ መቒሉ ከምዝኸደኖን፣ ንምሸቱ ንቤት ተመሊሱ ኣብ ድቃሱ ብሕልሚ ለይቲ በታ ነቲ ኣብ መገዱ ዘጋጠሞ ድኻ ዝኸደነላ ምቃል መንጠሊና ዝተኸድነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተራእዮ” ዝብል ካብቲ ናይቲ ቅዱስ ናይ ታሪኽ ማኅደር ጠቒሶም፣ ማርቲኑስ እቲ ዝኸበረን ጽቡቅ ዝርሓቱ ዝኾነ መንጠሊና ንኽልተ ከፊሉ ነቲ ዝረኣዮ ድኻ ከልብስ ዝመስከሮ ለውሃትን ፍቕርን ተገዳስነትን ብሓፈሻኡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ፣ ተኻፊልካ ምንባርን መልሲ ዘይጽበ ዝሥዋእ ፍቕርን ንድኻታት ሓለፋታት ምሃብን እቲ ኣብ ሕይወትካ ክርስቶስ ምስ ተቐበልካ እትነብሮ ክርስቶሳዊ ተግባር ምምስካር ማለት ምዃኑን ኣረዲኦም። ማርቲኑስ ወዲ ዕስራ ዓመት ምስ ኮነ ቅዱሳት ምሥጢራት ተቐቢሉ ከብቕዕ ቀልጢፉ ካብ ውትህድርና ዓለም ከይተሰናበተ ኣብኡ እውን ነቲ ሓድሽ ዝተቐበሎ ሕይወት እናመስከረ ድሕሪ ምጽናሕ ንተኣዘዝቱን ኣዘዝቱን ብሕውነት መንፈስ እናርኣየ ካብ ኢግብረ ገብ ሕይወት እናርሓቐ ናይ እርኑብ ምሉእነት ሕይወት መስካሪ ኮይኑ፣ ጸረ ዓመጽን ጸረ ትዕቢትን ድርቅናን ነቒሑን ወተሃደራዊ ዕጥቁ ፈፃሚ ሕግን ኣኽባሪ ሕጊ ንዝብል ዘይኮነስ፣ መጋበርያ ፍትሒ ብዝብል ዓይኒ ኣናርአየ ነቲ ኣብ ልቡ ዝዛረቦ ዝነበረ ድምጺ ጽን ብምባል ድማ ካብ ውትህድርና ዓለም ተሰናቢቱ ኣብ ፈረንሳ ባሕትዊ ኮይኑ ከብቕዕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ 371 ዓ.ም. ጳጳስ ክኾነሉ ሓቲቱ፣ ቅዱስ ማርቲኑስ ካብ ሕያው ወንጌላዊ ሕይወ ዝነቐለ ፍትሕን ምሕረትን ብጥበብ ተሰንዩ እናመስከረን ኣናመሃረን ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 8 ሕዳር 397 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ዕለት 11 ሕዳር 397 ዓ.ም. ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰን፣ እታ ምስቲ ድኻ ዝተማቐላን ምስኡ ዝተረፈትን ክፋል መንጠሊና ከም ቅዱሳት ትሩፋት ኮይኑ ዕርቃነ ዓለም ዝሽፍን ነቲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ ቅድሜና ተዓኒዱ ንዝርከብ ብድሆ ብቑዕ መልሲ ክንህብ ይድግፈና። ኩሉ ዘርኢ ብኽብሪ ዝነብረሉ ሰላምን ፍትሕን ዝዓሰሎ ዓለም ክንሐንጽን እዚ ንምፍጻም ዘብቅዓና ድማ ንኹሉ ፍጥረት ሰብ መሠረታዊ ኣድላይነት፣ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሰል ምርካብ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ምጥቃም ሃብቲ ተፈጥሮን ምዕባለን ሥራሕ ምርካብ ኩሉ ውሑስ ኮይኑ ዝረጋገጽ እውነተይና ናይ ምትሕብባር ኣብነት ኣብ ዓለም ሓቆፍ ክሰፍሕ እንከሎ ጥራሕ ምዃኑ ቅዱስ ማርቲኑስ ብቓልን ሕይወትን ይምስክረልና” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.