2011-11-10 14:47:36

ኢራን


ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቶሚክ ጽዓት ተቖጻጻሪ ማኅበር ብዛዕባ ናይ ኢራን ናይ ኣቶሚክ ሥነ ምርምር ዝምልከት ብዙሕ ትጽቢት ክግበረሉን RealAudioMP3 ቅድመ ግምት ክወሃቦን ከዛርብን ዝጸንሔ ሰነድ እነሆ ብወግዒ ከምዝቐረበ እንክፍለጥ፣ እዚ ናይቲ ኣያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቶሚክ ጽዓት ማኅበር፣ ኢራን ኣቶሚክ ቦምቢ ንምምራት ዘብቕዕ ንጥፈታት ከምዘካየደት ካብ ዝእመኑ ኣካላት ሓበሬታ ከምዝረኽበን፣ በቲ ዝተረኽበ ናይ ሓበሬታ ጭብጥታት መሠረት ድማ ኢራን ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ሙከራ ክትገብር ዘብቕዓ ምቅርራባት ተጽንዕ ከምዘላን ምስቲ ናይታ ሃገር መንግሥቲ ምርምር ጽዓት ንኩሊየር ኢራን ንናይ ሰላማዊ ጉዳይ ዕላማ ዝብል ዝሃቦ ሓፈሻዊ መግለጺ ዘይሰማማዕ ሕቡእ ዕላማ ከምዘለዎ ኢዩ ዘነጽር።
ናይ ኢራን መንግሥቲ ነቲ ናይ ኣያ ሰነድ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ሞያዊ ብቕዓት ኣልቦን መሠረት ዝተደርሰ ሰነድ ኢዩ እንክብል መልሲ ከምዝሃበሉን ኣብ ኣያ ናይ ኢራን ልኡከ መንግሥቲ ዓሊ ኣስሃር ሶልታኒየህ ኢራን ናይ ኑክሊያር መርሃ ግብርታታ ከምዘይተቋርጾ ሓቢሮም፣ ምስ ኣያ ጽኑዕ ምትሕብባር ክትቕጽለሉ እያ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እስራኤል ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቅብ ክግበር ከምዝሓተተት ናይ ቴል ኣቪቭ ጋዜጣታት እንከመልክቱ፣ መንግሥቲ ፈረንሳ ብወገኑ ማዕቅብ ዝብል ተመሳሳሊ ሓሳብ እንከቕርብ፣ ፐኪንግ ዝኾነ ይኹን ጸረ ኢራን ዝሃቀነ ወተሃደራዊ ተግባር ንማእከላይ ምብራቕ መዓት ዘምጽእ ኢዩ እንክብል ይገልጾ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መልሲ ክህብሉ ከምዝኾነ ክግመት እንከሎ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ውሳኔ ማዕቅብ ምስ ኣባላት ሃገራትን ምስ ዝተፈላለዩ መቀራርብቲ ሃገራት ወተሃድራዊ ተግባር ኣይፋል ዝብል ዘተ የካይድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ሩሲያ ወታሃድራዊ ተግባር ይኹን ሓድሽ ውሳኔ ማዕቅብ ዘይትቕበሎ እውን ምዃና ድሮ ኣፍሊጣ ኣላ።








All the contents on this site are copyrighted ©.