2011-11-10 14:38:12

ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ዜግነት ክብሪ


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም ምስ ፈጸሙ፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትረንቲኖ ኣልቶ ኣዲጀ ክፍሊ ሃገር ርእሰ ምምሕዳር ኣውራጃ ቦልዛኖ ከተማ ናትዝ ሻብስ ናይ ዜግነት ክብሪ ከምእተውሃቦም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ዜግነት ክብሪ ብመዋቕራዊ ሥርዓት RealAudioMP3 ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ዓዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብኣደኣዊ ቅድመ ኣደዓባይን ኣደዓባይን ማሪያ ታውበርን ማሪያ ታውበር ፓይንትነር ዝተወለዳሉ ብምዃኑ ድማ ቤተ ሰብኣውነት መንፈስ ዘለዎ ከምዝኾነ ይንገር። ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ዜግነት ክብሪ ተቐቢሎም ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ምስጋና ዘረባ፣ ኣዴኦም ገና ሕፃን እንከለዉ ቅድመ ኣደዓባዮምን ኣደ ዓባዮምን ኣብቲ ከባቢ ከምእተወልዳ የዘንትዋሎም ከምዝነበራ ዘኪሮም፣ ብሓቂ ናብቲ ሕፃን ዝነበርሉ እዋን ብናፍቆት ምልስ ቢሎም፣ ኣብ 1940 ዓ.ም. ወዲ 13 ዓመት ዕድመ እንከለዉ ምስ ኣሕዋቶም ብብሽክሌታ ኣብታ ከተማ ከምእተዛወሩ ዘኪሮም፣ ብሓቂ እቲ ከባቢ መላእ ቲሮሎ ብቅዱሳት መላእኽቲ ዝተሠርሔ ኢዩ ዝመስል እንክብሉ፣ ናይቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ብኣድናቖት ገሊጾም፣ ኣብ ሓምሳታት ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ውህበት ዝተዓደሎ ከባቢ ኣብ ዝበጻሕዅሉ እዋን ቅርበት እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ከስተማቕሩ ከምዝኸኣሉን፣ ካብቲ ሰብኣዊ ሚዛን ጽቡቕን ኣይጽቡቕን ናይ ምባል ብቕዓት ፍርዳዊ ርእይቶ ወጻኢ፣ እግዚኣብሔር ብፍጥረት ከምዝብጻሕን ዘርኢ ሰብ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፈጣሪነት ሱታፌ ብናይ ምምሃዝ ብቕዓቱ ኣቢሉ ንእግዚኣብሔር መልሲ የቕርብ እንክብሉ ከም ኣብነት ብዝሓንጾም ኣቢያተ ክርስትያንን ብሥነ ጥበብን ብሥነ ሙዚቃን ዝረጋገጽ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፈጣርነት ናይ ቅዱሳት መላእኽትን ዘርኢ ሰብን ሱታፌ ዝፍጠር ኩሉ ሰናይ ጽቡቕ ከምዝኾነ ዝምስክር ከባቢ ምዃኑ ገሊጾም፣ ናይቲ ከባቢ ቲሮሎ ጽባቔ መሳጢ ምዃኑን፣ ክፍሊ እዚ ከባቢ ምዃነይ ደስ የብለኒ ኢሎም። ተፈጥሮን ፍጥረትን ሕይወት ሰብን ናይቲ ካብ እምነት ዝምንጭ ሓጎስ ዘቃልሕ ውሁድ ሙዚቃዊ ቅኒት ኮይኖምን ንዝኾነ ዘጋጥሞም ጸገም በዚ ካብ እምነት ብዝምንጭው ሓጎስ ኣቢሎም ከሰንፍዎ ሓደራ ቢሎም፣ ሓድሽ ወለዶ ነቲ ጽባቔ ፍጥረት ክዕቅብን ውሳጣዊ ጽባቔ እናማዕደው ከባቢ ንናይ ዘርኢ ሰብ ሕይወት ዝበቅዕ ኮይኑ ክሕነጽ ከምዘለዎ ክግንዘብን ኣብዚ መዳይ ግዴኡ ከበርክት ዓዲሞም።
ቅዱስነቶም እቲ ናይ ዜግነት ክብሪ ካብ ናይታ ከተማ ከንቲባ ፐተር ጋሰር ከምእተረከቡን፣ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብታ ከተማ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድመ ኣደ ዓባይን ኣደ ዓባይን ሥም ዝተቐርጾ ሰሌዳ እምነበረድ ተመሪቑ ተሰቑሉን ኣብቲ እቲ ሥም ዝተቐርጾ ሰሌዳ እምነ በረድ ፊት ዘሎ ኣደባባይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል ስም ብወግዒ ከምተውሃቦ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ሕትመቱ ሓቢሩ። ቅድም ክብል ቅዱስ ኣቦና ገና ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉን ድሓር ድማ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብታ ዝተወለዱላ ከተማ ማርክትል ኣም ኢንን ዝተቐበልዎ ወሲኽኻ ብጠቕላላ ካብ 13 ዝተፈላለያ ናይ ጀርመንን ኦስትሪያን ኢጣሊያን ከተማታት ናይ ዜግነት ክብሪ ከምእተውሃቦም ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.