2011-11-10 14:45:34

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ ክንየው ሥነ ሕክምና ምጥማት


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ጉንዲ ሕይወት ንሕይወት እተሰምየ ማኅበርን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዛዕባ ዝበጽሔ “ዋህዩ፣ ሥነ ምርምርን ናይ ወዲ ሰብ መጻእን ባህልን” ዝዝቲ ክሳብ ቀዳም ዕለት 12 ሕዳር 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ዝቕጽል ትማሊ ዝተጀመረ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ይቕጽል ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲፍናል ጃንፍራንኮ ራቫዚን ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ጨንፈር ሥነ ምርምር ሓላፊ ክቡር ኣባ ቶማጽ ትራፍንይን ኔዮ ስተም ናይ መድሃኒት ኢንዳስትሪ ስዩም ኣመሓዳሪትን ናይ ሕይወት ጉንዲ ንሕይወት ማኅበር ሊቀ መንበር ናይ ሥነ ምርምር ሊቅ ሮቢን ስሚዝ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም ኣዳራሽ ተረኺቦም ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ቀንዲ መርትዖ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መሠረታዊ ተልእኾኡ ዘተ ምስ ሥነ ምርምር ዝብል ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ምርምር ሥነ ሕክምና ምስ ኅሙምን ዝተኣሳሰረን ንናይ ሰብኣዊ ሥነ ምግባር ዝምልስን ብፍላይ ካብ መዳይ ሥነ ሕክምና ተኅድሶ ዋህዮ ዝነቅል ኣንፈት ሥነ ሰብእ ግምት ዝህብን ዝግደስን ዝብል ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ነቲ ካብ ዝተፍፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ሥነ ሕክምናን ሥነ ምርምርን ሊቃውንትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታትን ወነንቲ ዓበይቲ ኢንዳስትሪታትን ናይ ሥነ ባህሊ ኣካላት ዘሳትፍን 30 ኣስትመህሮታት ዝቐርበሉ ዓውደ መጽናዕቲ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ፣ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሲዮ ካራሶ ደ ፓውላ ቤተ ክርስትያን ጸረ ሥነ ምርምር ኣይኮነትን፣ ባህርያዊ ዝንባሌ ኣይትኹንን ኢያ ስለዚ ተግባር ሰብ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ገጽ ብዘለዎ ሸቶ ሥነ ምግባር ዘይምራሕ ክኸውን የብሉን ኢያ እትብል። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለዩ ናይ ሥነ ምርምር ጨንፍር ኣትኩሮ ዘንብረሎም ሸቶን መጋበርያን ዘሳንይ መጋበርያ ንቅኑዕ ሸቶ ዝብል ናይ ገዛእ ርእሱ ሥነ ምግባር ኣብ ምቛም ከምዝረከባ ቤተ ክርስትያን እትፈልጦ ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ሙከራዊ ሥነ ምርምር ዘቕርቦ ውጽኢት ብቐረባ ብምክትታል ክተባባዕ ዘለዎ ተተባብዕ፣ በዚ መሠረት’ዚ ናይ ድቂ ሥነ ዋህዩ ጥንተ ክፍለ ኣካል ሥነ ምርምር ኣይትቕበሎን ኢያ። ስለምታይ ሕይወት ንሞት ዝዳርግ ኢዩ። ዝበጽሔ ዋህዩ መሠረት ዝግበር ናይ ሥነ ዋህዩ ጥንተ ክፍለ ኣካል ሥነ ምርርም እቲ ጸረ ሕይወት ዝኾነ መዋጥር ዘለዎ ኣይኮነን ስለዚ ቅቡል ቢላ ኢያ እትኣምነሉ እንክብሉ ከምዘነጸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ሥርወ ሕይወት ዋህዩ ወይ ኣቲ ጉንዲ ሕይወት ሕቶ ንናይ ሥነ ሕክምናን ሥነ ሕይወትን ሥነ ግብራውን ዝምልከት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ስለዚ ሥነ ኣካል ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝለዓለን ዝተሓላለኸን ሕቶ ኢዩ። እቲ ሕቶ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ብምዃኑ ሓፈሻዊ ባህላዊ ርእየትን ርእይቶን ክህልዎ ይግባእ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን’ዚ መዳይ ሥነ ምርምር ኣብ ግብራውነት ጥራሕ ደው ከይበለ፣ ንዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታ ዓቢይ ግምት ክህበሎም ይግባእ ኢሎም። ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ሥነ ምርምር ጉዳይ ዝከታተል ጨንፈር ሓላፊ ክቡር ኣባ ቶማጺ ትራፍይን ናይ ሥነ ዋህዩ ጥንተ ክፍለ ኣካል ምርምር ንናይ ሥነ ሰብኣውን ሥነ ማሕበራውን ጨንፈር ሥነ ፍልጠታት ማለት ንፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሥነ ማኅበረሰብን ሥነ ሕንጸትን ሥነ ባህልን ብድሆ ኢዩ። ስለዚህ ንዝተወሰኑ ሊቃውንቲ ጥራሕ ዝርእይ ዝተራቐ ብኣኣቶም ጥራሕ ዝውነንን ዝገለጽን ኮይኑ ክተርፍ የብሉን። ብዝተኽኣለ መጠን ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ክቐርብን ኣብ መንጎ ሊቃውንትን ተራ ሕዝብን ርክብ ክህሉ ይግባእ።
ናይ ሥነ ምርምር ሊቅ ኣመሪካዊት ሮቢን ስሚዝ ኣብዚ እነብረሉ ዘሎና ዓለም 12 ሚሊዮንን 700 ሚእትን ናይ መንሽሮ፣ 346 ሚሊዮን ናይ ሽኮርያን 583 ሚሊዮን ድማ ሕጽረት ብቕዓት ምክልኻል ሕማም ኅሙማን ከምዘለዉ ጠቒሰን ድሕሪ እዚ ዝተውሃበ ኣህዛዊ መግለጺ ሰብ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ዝበጽሔ ዋህዩ ጥንተ ክፍለ ኣካል ወይ ድማ ዋህዩ ሥርወ ሕይወት ገና ዝኾነ ዘይተኣልየን ዘይተፈጸመን ብናይ ሥነ ምፍልላይ ናይ ሥነ ምርምር ሜላ መሠረት ናይ ዝተፈላለየ ናይ ሰብነት ናይ ውሽጢ ኣካል ወይ ድማ ቁራጽ ኣካል ክኸውን ዝገብር ዑቑር ብቕዓት ኣለዎ። እዚ ናይ ሥነ ምርምር ሥነ ሕክምና ዑቑር ኃይሊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝፍትን ሥነ ምርምር ውጽኢቱ ገና’ኳ እንተኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ዝብጻሕ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ኣጠቓቕማ ክህልዎ ዝድርኾ መምርሒ ብዓንተውኡ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ ከምዝበላ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ነቶም ናይዚ ዓወደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ክልግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.