2011-11-09 16:08:36

አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር ጀርመን ተመዲቦም


አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር ኮይኖም ዝተመደቡ አምባሳደር ጀርመን ራይንሀርድ ሽበፐ ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሲመት መልእኽቲ አቅሪቦም።

በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደር ፌደራል ረፓብሊክ ጀርመን ነቲ ናይ ሲመት መልእኽቲ ተቀበሎም ከም ዘዘራረብዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

በነዲክቶስ አብቲ ርክብ ከም ዘመለክትዎ ፡ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሐቅነት ወዲ ሰብ ድአምበር ናይ ገዛእ ርእሳ ጠቅሚ ከም ዘይትከላኸል ከም ዝገለጹ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ።

ኩሎም ክርስትያን ድሕነት ውልቀ ሰብ ስድራ ቤት ፡ ማሕበረ ሰብን፡ ሕብረተ ሰብን ፡ ክምስክሩ ከም ዝተጸውዑ ክአ በነዲክቶስ ከም ዘገንዘቡ ተፈሊጡ አሎ።

አገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕነት ሰብ ሐለዋ ክብርን ግርማን ወዲ ሰብ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ፡ እቲ ድሕሪ ውድቀት ናዚ ጀርመን ዝጸደቀ ሕጊ መንግስቲ ጀርመን ፡ ህልውና እግዚአብሔር ህልውና ፍጥረት ሰብ ከም ዝኮነ መገንዘቡ ንኢዶም ፡ ሕጂ እዚ መሠረታዊ ጉዳይ”ዚ ሸለል ክብሀል ይርኤ ከም ዘሎ ከም ዘመልከቱ ተገሊጹ ።

መሠረታዊ ህልውና ወዲ ሰብ አብ መጐተ አብ ዝአትወሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን ግርማን ክብርን ወዲ ሰብ ክዕቀብ ከም ትጽዕር ክአ በነዲክቶስ መበል 16 ንአምባሳደር ራይንሀርድ ሽቨፐ ከም ዝገለጽሎም ይምልከት ።

ካብ ድቂ ክሳዕ ባህርያዊ ሞት ክብሪ ፍጥረት ሰብ ዘየኽብር ሕብረት ሰብ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ክኸውን ከም ዘይክእል ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ወዲ ሰብ ብአምሳል ከሃሌ ኩኡ እ/ር ዝተፈጥረ ከም ዝኾነ ክአ ዘመልከቱ ተፈሊጡ አሎ ።

ፍጥረት ሰብ ውጽኢት ፋብሪካ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከም ዘድሊ ክአ አጽኒዖም ከም ዘተሐሰቡ ተገሊጹ።

ጾታዊ አድልዎ ሰብአዊነት ዝጻረር ከም ዝኾነን ብሐፈሻ ፍጥረት ሰብ ክቡ ከም ዝኾነን ምግንዛብን ነዚ ገቢራዊ ምግባርን ከም ዘድሊ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ይምልከት።

ትሕዝቶ ፍትወተ ሥጋ ብመርበብ ሐበሬታ ምዝርጋሕ ብዓይኒ ቤተ ክርስትያን ሐጢአትን ጽያፍ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ቅድስቲ መንበር ብቤተ ክርስትያን ጀርመን አቢላ ነዚ ንምግታእ ከም ትጽዕር ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር መንግስቲ ጀርመን ኮይኖም ዝተሰየሙ ንአምባሳደር ራይንሀርድ ሽቨፐ ከም ዝገለጹሎም ነቲ ርክብ ዝተኸታተለ አገልግሎት ዜና አረዲኡ ።

አብ ሞንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ጀርመንን ጽቡቅ ርክብ ከም ዘሎን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጀርመን ብነፃ ቅዱስ ወንጌል ክተበስር ብተቅዋማት ገበርቲ ሰናይ ንስኡናትን ነዳያትን ክትረድእ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ከም ዘገንዘቡ እቲ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.