2011-11-08 13:36:03

ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዘተሓሳስብ ከይዲ ምብሓት መሬት


ኣብተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ሰፊሕን ዓብይን ክፍሊ መሬት ብዝተፈላለያ ዓበይቲ ኅብረ ትካትላትን ኣብ ሕጋዊ መንግሥታት ሉኣላውነት ዘለወን RealAudioMP3 ማኅበራት ገንዘባዊ ርእሰማል፣ ዝፍጸም ናይ ምዕዳግን ምክራይን ተግባር ኣመልኪቱ ኦክስፋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮሚቴ ኦክስፎርድ ስእነት መግቢ ክውገድ ዝንቀሳቐስ ዘይ መንግሥታዊ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ዝሃብዎ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ፎክሲቭ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈደራላዊ ናይ መላእ ክርስትያን ማኅበር ወለንተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ናይ ምዕባለ ፖለቲካ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽ/ፈት ሓላፊ ዳሚያኖ ሳቡዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ዝርከብ ሰፊሕን ልሙዕን ብማዕድን ሃብቲ ዝተዓደለን መሬት ምዕዳግን ምክራይን ዝግበር ዘሎ ናይ ምሻጥን ምልዋጥን ውዕል ሓድሽ ለማሚ መደብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢዩ ዝመስል፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ንድፊ ክትምና ትካል ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝፍፈለጥ ዝተሸጠ ድዩ ዝተኻርየን ዝተዓደገ መሬት ልዕሊ 227 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ዝግመት ምዃኑ እንክፍለጥ፣ እዚ ብዓበይቲ ኅብረ ትካትላት ዝፍጸም መሬት ናይ ምዕዳግን ምክራን ከይዲ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሃብቲ ነዳዲ ክህልዎ ዝኽእል ተባሂሉ ዝግመት መሬትን እዚ ማዕድን’ዚ ኣብ ዘለሉ ከባቢ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ናሕሪ ዋጋ መሬት ንምሻጥ ዝኣመተ ምዕዳግ መሬት ዝምልከት ተርእዮ ከምዝኾነን፣ ዝኾነ ኾይኑ ነዚ መሬት ናይ ምዕዳግን ምክራይን ከይዲ ዝቆጻጻር ሕጊ፣ ማለት ኣብ ብዙሓት ድኻታትን ኣብ ጎደና ምዕባለ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ናይ መንግሥታት ዕደላ መሬት ዜጋታትን ናይ መንግሥትን መሬት ብኑጹር ዝሕብር ናይ መቆጻጻሪ ሕጊ ብዘይምህላው ነዚ ዓይነት እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋ መሬት ዘተባብዕ ኰይኑን፣ ካብ ብዙሓት ድኻታት ሓረስቶት ብቱሑት ዋጋ ዝዕደግ መሬትን ናይተን ኣብ ጎደና ልምዓት ዝርከባ ሃገራት ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝሃሲ ከምዝኾነን፣ እዚ ዓይነት መሬት ናይ ምዕዳግን ምሻጥን ምክርያን ተርእዮ፣ መንግሥታት ደው ክብል ክቆጻጸርዎ ይግባእ ኢሎም።
እዚ ዓይነት ሓድሽ ተርእዮ ብምክትታል ፍሉይ መጽናዕቲ ብምክያድ ሳዕቤኑ ብምትንታን ዝተፈላለያ ዘይ መንግሥታውያን ናይ ሰብኣዊ ማኅበራት ምስ በርገሳዊ ክፍሊ ኅብረተሰብ ብምትሕብባር ደው ንምባል ብዙሕ ይጽዕራ ከምዘለዋ እውን ገሊጾም፣ ኣብ ድኽታታ ሃገራት እውን ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዳርጋ ብሥድራ ቤት ዝምራሕን ብቐጥታ ነታ ሥድራ ቤት ዝዕንግል ብምዃኑ እቲ መሬት ናይ ምዕዳግን ምሻጥን ምክራይን ተግባር ብዙሓት ሥዳራ ቤት ንስእነት መግቢ ሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ ሓቢሮም። እዚ ንዝተፈላለዩ ሽግራት ዘቓልዕ ጉዳይ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ፍሉዩ ክትትል ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.