2011-11-08 13:32:37

ብፁዕ ካርዲናል ዳማሰኖ አሲዚ፦ ምስንዳው ንመበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳሎ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈላስይስ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 7 “ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና RealAudioMP3 መሊእኩም ከምቲ እተመሃርክምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ” ብዝብል ቃል ሓዲሽ ኪዳን ተመሪሑ ዝተኻየደ ኣብ ምዝዛሙ፣ ቅዱስ ኣቦና እቲ ዝመጽእ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ከተማ ካብ ኢየሱስ ዝተውሃበ ተልእኾን ዕላማኡን ዘነጽር ብማተዎስ ወንጌል ምዕራፍ 28 ፍቕዲ 19 “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ … ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም…” ብዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሑ ክካይድ ውሳኔ ሂቦም ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ እዚ ካብ ዕለት 23 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ኣብ ከተም ሪዮ ደ ጃነይሮ ንዝካየድ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሮ ኣብ ብራዚል ብዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ዝተሰነየ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ብዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ኮይኖም ዝተሓርዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማሰኖ አሲዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ሓደ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ምስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ተሓባበርቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዓበይቲ ሰብ ሥልጣን ብፁዓን ጳጳሳት ክራኸቡን ምስ ሃገረ ቫቲካን ጥልቂ ርክብ ንምርግጋጽን ምስ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ቅርበትን ምትእስሳርን ንምምስካር ብፍላይ ድማ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መላእ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ጓሳ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ ናይ እምነት ሓድነትን ፍቕርን ኣገልግሎት እናኣለዩ ምስዝመርሑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘሎ ናይ እምነት ሓድነት ንምምስካርን ከም ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ምስቶም ተሓባበርቶም ናይ ዝተፈላለያ ድርገት ሊቀ መናብርቲ ብፁዓን ጳጳሳት ተሰንዮም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይዱ እዚ ናቶም ንብራዚል ናይ ፈለማ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ምብጻሕ ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ ኣብ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ምጽናዕ ኣብ እምነት ክንቕበል ብዝብል ዕላማ ዝፍጸምን ብዛዕባ ህልዉ ኩነታትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪታት ኣብ ብራዚል እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንቕዱስ ኣቦናን ንብፁዓን ጳጳሳት ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ንምሕባር እውን ዝሃቀነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ቢሎም፣ ሓድነት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስኦም ኣብ ሓዋርያዊ ምሕደራ ምስ ዝሓብሩ ብፁዓን ጳጳሳት ንምርግጋጽ ብዝብል ዕላማ እውን ዝፍጸም ዘሎ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ምዃኑ ጠቒሶም። ብራዚል ኣብ ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ከተእንግድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ውሳኔ ጸጋ ኢዩ ቢሎም፣ ብራዚል ብዝተፈላለዩ መደባት ድሮ ምስንዳዋት ተካይድ ከስምዘላ ሓቢሮም።
ናይቲ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ትእምርቲ ዓባይ ቅዱስ መስቀልን ድሕነት ኣሕዛብ ብዝብል ስም እትልለይ ቅዱስ ምስሊ ሕፃን ኢየሱስ ዝተሓቝፈት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ ብራዚል ምስ በጽሔ መብዛሕቲኦም እውን ኣብቲ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመት መንሰይ ዝተሳተፍሉ ናይ ማድሪድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ዝተሳተፉ ብጠቕላላ 100 ሺሕ ዝግመቱ መንሰያት ከምዝዓጀበዎን ጸሎትን ኣስተንትኖትን እውን ከምዘካየዱ ገሊጾም። እቲ ቅዱስ ትእምርቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ቁምስናታትን መንፈሳዊ ዑደት ከምዝገብር ጠቒሶም፣ ነቲ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስንዳው ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት እውን ይካየዱ ከምዘለዉ፣ ነታ ኣብ ብራዚልን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ንዘላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጸጋ ዘውሕዝ ከምዝኸውን ዘየጠራጥር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.