2011-11-03 14:54:11

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሮቡዓዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮ (02/11/2011)


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ትማሊ ዕለት 1 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ድሕሪ በዓለ ኩሎም ቅዱሳን ትማሊ ዕለት 2 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኩሎም ሙታን ዘኪራ ከምዝወዓለት እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ዕለት ዝክረ ኩሎም ሙታን፣ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ፣ RealAudioMP3 እቲ እንፍጽሞ ዝክረ ዝሓለፉ ፍቱዋትና ብዘለዓለማዊነት ተስፋ ዝተሓበረ ጉዕዞ ምፍጻም ማለት ኢዩ ዝብል ጥልቂ ሓሳብ ኣማእኪሎም፣ ንክርስትያን እንነብረላ መሬት ብምልኣት ከፍቅራን ብሩህ መጻኢ ንኽሓንጸላ ዘብቅዖ ትብዓትን ጽንዓትን ዝህብ ብጀካ እምነት ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ካልእ ኩሉ ኢምንት ምዃኑ ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም።
ሞት ንምኽሓድን ከምዘየለ ጌርካ ምንባር ብሉጽ ብዝሒ ፍጥረት ሰብ ገዛእ ርእሱ ዘየሰለመሉ ብዝተፈላለዩ ኣምልኾ ጣዖትነት ኣቢልካ ኅላዌኡ ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ኣልቦ ኢዩ። ብናይ እምነት ጠመተን ትኩር ተመክሮን መሠረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ምሕሳብ ምቡካር ዝመሳሰል ብዛዕባ ነፍሲ ዝርእዩ አመለኻኽታን ኮነ ብዛዕባኡ ዘይምሓሳብን ክውንነት ሞትን ክውንነት ሞት ዘስዕቦ ፍርሕን ኣብ ልቢ ሰብ ዝፍሕሮ ባዶነትን ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ምጽንናዕ ኣብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ምስቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ፍትዋቶም መቓብር ሥፍራ በጻሕቲ፣ ሓቢሮም ዘሰንዩ ተጓዓዚ ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጥና ንሞት ካብ ዘይምቕባል ድላይ ዝተደረኸ ንሞት ኣይፋል ናይ ምባል ስምዒትን ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ኣብ መላእ ጉዕዞ ኅላዌ ዝተረጋገጸ ጽቡቕን ዓቢይን ብቕጽበት ክድምሰስ ናብ ደልሃመት ባዶነት ዘውድቕ ስምዒት ዘሕድር ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ብውሳጤና ጽን እንብሎ ፍቕሪ ዝጽውዕን፣ ዘለዓለማውነት ዝሓትት ምዃኑን ኩሉ እቲ ዝተረጋገጸ ጽቡቕን ብሉጽን ዓቢይን ብሃንደበት ክበርስ ኢዩ ዝብል ስምዒት ምቕባሉ ዝከኣል ከምዘይኮነ የመልከተልና።
እቲ ነቶም ካብዚ ዓለም ንዝሓለፉ ፍቱዋቱ ብሓልዮትን ፍቕርን ዝፍጽሞ ኣድህቦን ዝገብሮ ኣቃልቦ ንቶም ዝሓለፉ ናይ ካልኣይ ሕይወት ዕድል ናይ ምሃብ ድላይ ከምዘሎ ዝገልጽን ድሕሪ ሞት ብመሠረት ናይቲ ብሕይወት ከለኻ ዝነበርካዮ ተግባር ብፍላይ ድማ እቶም ብዙሕ ጊዜ ካብ ኅሊናና ናይ ምእላይ ክእለት ብምጥቃም ዝድምሰስን ንምድማስ ዝፍተን እከይ ዝተመልኦ ተግባራት ዝወሃብ ዝብል ናይ ፍጻሜ ፍርዲ ከምዘሎ ንዘለዎ ምስትውዓል ብጥልቂ ክሓስቦ ዝድርኾ ኢዩ።
እቲ ነቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ዝኸቦም ናይ ሓልዮትን ፍቕርን መግለጺ ዝኾኑ ምልክታት፣ እቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ኣብ ፍጻሜ ፍርዲ ንበይኑ ብዘይ ፍቕሪ ከይተርፍ ዝብል ዝተረጋገጸ ናይ ምሕላው ኣግባብ ኢዩ። እዚ ዓይነት ርግጽነት ድማ ንናይ ብዙኃን ሕዝቢ ዓለም ባህልታትን ታሪኽ ዘርኢ ሰብ መፍለዪ ጠባይ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ብናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ዝለዓለ ኮይኑ ዝሕሰበሉ ወይ ድማ ኮይኑ ኢዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ቅዱስ ኣቦና ጠቒሲም እዚ ድማ ሕቶ ብዛዕባ ሞትን ድሕሪ ሞትን ብእምነት ዘይኮነስ ኩሉ ክውንነት ብናይ ሥነ ምርምር ሙከራ መምዘንታት ክርኤ ኣለዎ ካብ ናይ ሥነ ሙከራ ተግባራዊ ፍልጠት ምብጋስ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘስፈሔ ከምዝኾነን ብብቕዓት ርድኢት ዝግበረሉ እውን እንተዘይመሰለ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ’ዚ ድማ ናብቲ ኣብ መንጎ ኅያዋንን ሙታን መናፍስትኣዊ ርክብ ኣሎ ዝብል ድሕሪ ሞት ምስቲ ቅድሚ ሞት ዝነበረ ክውንነት ዝመሳሰል ዓይነት ፍጻሜ ዝግምት ናብ ናይ መናፍስትነት እምነት ዝድርኽ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ናብ መቓብር ሥፍራ ምብጻሕን ኣብቲ ናይቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ፍቱዋትና መቓብር ሥፍራ ዘሎ ጽሑፍን ዘሎ ስእልን ዝተፈላለዩ ተዘክሮታት ኣብ ኣእምሮና የውሕዝ፣ እዚ ዓይነት ኩነት ዝኾነ ይኹን ሥነ ምርምር ክምልሶ ኣይክእልን ኢዩ። መቓብር ነቲ ብጀካ ምኽንያታዊ ኣመለኻኽታ ንዝብል ዝበልጸ ደረት ሠገርኣውነት ኣብ ነፍሲ የነጽር። እዚ ስለምታይ ኢዩ ዝኸውን? ብዛዕባ ሞት ዝምልከት ኣርእስቲ ኮነ ሓሳብ ኣብ ዝነጽግ እነንብረሉ ዘሎና ማኅበርሰብን ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮ ሰብ ብዛዕባ ሞት ምሕሳብ ዝምባለ ንምድላዝ ዝፍተን እውን እንተኾነ፣ ሞት ነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ቅድሚ እዚ ምሥጢር’ዚ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ኩሉ ከንትስፈዎ ዝድርኸና ዝዕድመናን ናይ ምጽንናዕ ምልክት ዝኾነና መጻኢ ዘወፍየልና ኣድማስ ዝኾነና ገለ ነገር ንደሊ። ሞት ብሓቂ ናይ ተስፋ መገዲ ኢዩ፣ ናብ መቓብር ሥፍራ ብምጻሕን ኣብ መቓብር ሥፍራ ዝተነብሩ ጽሑፋትን ስእልታትን ናይ ዘለዓለማዊ ተስፋ ምልክት ኢዩ።
ቤተ ክርስትያን በዓል ኩሎም ቅዱሳን ብምብዓልን ሙታን ብምዝካርን ናይቲ ንወዲ ሰብ ናይ ዘለዓለማውነት ማዕጾ ዘርሃወ ሞት ስዒሩ ዝተንሥኤ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትነብርን ትምስክርን።
ኣብ ሞት ዘሎ ዓቢይ ተስፋ ዝፈልጥ ጥራሕ ኢዩ ካብቲ ተስፋ ዝተበገሰ ሕይወት ክነብር ዝኽእል። ሰብ በቲ ብናይ ግብረ ተመክሮ ጥራሕ ብዝብል ጋድም ደርት ትርኢት እንመዝኖ እንተድኣ ኮይንና እዚ ድማ ሕይወት ንገዛ እርእሱ እቲ ዓሚዩቕን ጥልቅን ትርጉሙ ኢዩ ዘጥፍእ። ሰብ ደላይ ዘለአለማውነት ኢዩ። ንኣኡ ካልእ ኩሉ ተስፋ ዘበለ ናይ ሓጺር ግዜን ኣዚዩ ድሩት ኢዩ። ሰብ ክግለጽ ዝከኣልን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥልቂ ትርጉም ክረክብ ዝኽእል እግዚኣብሔር ምስ ዝህልው ጥራሕ ኢዩ።
ናብ መቓብር ሥፍራ በጺሕና ምእንቲ እቶም ዝሓለፉ ፍቱዋትናን ፍቑራትናን ክንጽሊ ዝተዓደምና ኢና። ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሎና እምነት ብትብዓትን ብኃይልን ብዝያዳ በዚ ዓቢይ ተስፋ እናነብርና ንዓለም ክንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና።
ድሕሪ’ዚ ህልው ኩነት’ዚ ባዶ ኢዩ። እምነት ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንክርስትያን ብጥልቂ ነዛ እንነብረላ መሬት ከፍቅራን ሃቀይናን ውሑስ ተስፋ ዝህብ ብሩህ መጻኢ ኣብ ምሕናጽ ክዓዪ ይድርኾ ቢሎም ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ንመንእሰያትን ሓደስቲ መራዑትን ህሙማንን ነቲ ብላቲን ሥርዓት ጽባሕ ዕለት 4 ሕዳር ዝብዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ ዘኪሮም ነዚ ቅዱስ ኣወኪፎም ኣብነቱን ኣውን ዘኪሮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.