2011-11-03 15:01:07

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሰነድ ብዛዕባ ሰብኣዊ ምዕባለ 2011 ዓ.ም.


ከባብን ድኽነት ዘማእከለ ዛዕባ ምዕባለ ዘርኢ ሰብ ዝምልከት ናይ 2011 ዓ.ም. ሰነድ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ትማሊ ኣብ ዴንማርክ ርእሰ ከተማ ኮፐንሃገን ብወግዒ ንንባብ ክመዝበቕዔ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ዓለም ከይዲ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ማዕርነት ሰብኣዊ ፍጥረትን ኩነት ዘነጽር፣ ተቐባልነት ዘለዎን ምዕሩይን ንኹሉ ብርህ መጻኢ ዝብል ኣርእስቲ ዝተውሃቦ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ሓልዮ ምዕባለ ማኅበር ዘዳለዎ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ምዝባዕ ተፈጥሮን ብከላ ከባብን ከይዲ ንምቁጽጻርን ንምውጋድ ዝድግፍ ቆራጽ መምዘንታት ዘተሓሳብን፣ ከምኡ እውን ካብ ብመዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ኣብ መንጎ ዘርኢ ሰብ ማዕርነት ምርግጋጽ ካብ ዝብል ተበግሶ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጎ ሃገራት ዝርኤ ዘይምዕሩይ ኩነት ክውገድ ዝጽውዕ ኮይኑ፣ ሥነ ምኅዳር ዘማእከለ መደብ ምዕባለ ክህሉ ዝብልን ዓለም ለኻዊ ምዕባለ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ክፍለፈጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዓለም ምዕባለ እውን ዝርኤ እንተኾነ ጻማ ጻዕሪ ግን ገና ዘይተመዓራረየ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይፍትሓዊ እናኾነ ከምዝኸደን፣ ልዕሊ 1 ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ኃይሊ ኤሌትሪክ ተነፊግዎ ከምዝሎን፣ ንምንቅስቓስ ሃብቲ ገንዘብ ዝምልከት ክፍሊት ግብርን፣ ንናይ ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየርን ብከላ ከባብን ንምንካይን ቅቡል መደብ ምዕባለ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝድግፍን፣ ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነት ንምውጋድ ዘብቅዕ ሚዛን ገንዘብ ዝምልከት ብብሔራውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝሕንጸጽ መምርሒ ዳግም ክርኤ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቲ ሰነድ ኣብ መላእ ሃገራት ዘሎ መደብ ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ማዕርነት ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ዘሎ ህልው ኩነት ብምንጻር ኣበይ ኣበይ ሃገራት ዝበለጸ ዝተሓተን ከምዝኾነ ብዝርዝር ዘመልክት እውን ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ ብሓፈሻኡ ንኹለን ሃገራት ዝመዝን ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.