2011-11-01 17:00:11

፬ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ 2004 ዓ.ም.10/30/2011


መዝሙር፡ ሠርዓ ሰንበተ ለዕረፍት. . .
ንባባት፡ ቲቶ 3፡ 1-11፥ 1ጴጥ 3፡13-ፍ፥ ግ.ሓ.2፡ 37-42፥ ዮሓ. 3፡1-15
ምስባክ፡“እስመ ውእቱ ይቤ ወኮኑ፡ ወውእቱ አዘዘ ወተፍጥሩ ወአቀሞሙ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም”። “ንሱ ምስ በለ ኮኑ፥ ንሱ ምስ አዘዝች ተፈጥሩ። ንዘለዓለም ዓለም አቖሞም”።
መዝሙር ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር “ ሰንበት ኩሉ ዘስርሕን ሰራሕተኛን ከዕርፉ ሰርዔ፥ ግብሪ ኢድካ አዳም ዝኾነ ብአርአያኻን አምሳልካን ፈጠርካዮ፥ ንመላእኽቲ ምእንቲ ክልአኹኻ ፈጠርካዮም፥ ንሰማይ ብከዋኽብቲ ሸለምካዮ ንምድሪ ኸአ ብመልክዑ ዕምባባ አጌጽካያ፥ ግብርኻ ሰናይ እዩ ኦጎይታ ናይ ቃልካ ምልክት ጥዑም እዩ”። አብ ዕለተ ሰንበት ምስ አምላኽ ክንራኸብ ምስኡ ዘሎና ውህደት ክንሓድሶ እሞ አብ ሕይወትና ዝገበርናዮ ሓጢአት ክንሳሕ ልብና ሓጺብና ብሓዲስ መንፈስን መገድና ሕይወትና ክንመርሕ። አብ ሕጊ ተፈጥሮ ርኢና ናይ አምላኽ ሓልዮትን ዕብየትን ክንስተብህል ምእንቲ ብመዓልቲ ሰንበት ንአምላኽ ክንረኽቦ ቤተ ክርስትያን ግድን ትብለና። ሰንበት ምስ አምላኽ ክንራኸብ እሞ ብጸጋ ክንሽለም ኢላ ሰንበት አኽብሩ መዓልቲ አምላኽ እያ እናበለት ትምህረና። ናይ ሎሚ ወንጌል የውሓንስ ከምብሓድስ ክንውለድ ከም ዘሎና ይገልጽ። በዚ አጋጣሚ ሎሚ ሕፃን እትጥመቕ ስለ ዘላ ብዛዕባ ጥምቀት እንተ አስተንተና ከምኡ ብጥምቀት ዝተዓደልናዮ ጸጋን አብዚ ሕጂ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት ክነስተንትን ጽቡቅ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቀዲሞስ ምሁር ሕጊ እስራኤል “ክምሓዲስ ክትውለዱ አሎኩም” እናበለ ሓደ አብ አምላኽ ዝአምን ክኸዶ ዝግብኦ መገዲ ሓቢርዎ። ብመንፈስ ክንውለድ አድላዪ እዩ። ብሥጋ ጥራሕ ምውላድ እኹል አይኮነን። ብመንፈስ ምውላድ እንታይ ማለት እዩ። ብጸጋ አብ አምላኽ ምውላድ ወዲ/ጓል አምላኽ ምዃን ማለት እዩ። ብመንፈስ ክንውለድ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ።
• ምእማን፥ እምነት መሰረት ናይ ኩሉ ምስ አምላኽ እንገብሮ ርክብ እያ። ክንአምን ከሎና ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ ንሓድጎ። እምነት ኲኖ ዝርኤ ነገራት ስለ ዝኾነ ክንፈልጦ ክንርድኦ አብ ገለ እዋን ክንበጽሖ ስለ ዘይንኽእል ክንቅበሎ እዩ ዝግብአና። ስለ ዘይፈለጥናዮ ክንአምኖ የብልናን ማለት አይኮነን። ክንአምን ምርጫ አይኮነን ክንአምን እሞ ነቲ እንአምኖ ክንቅበሎ ክነብሮ ይግብአና።
• ባይታ ክነጠጥሕ፥ ክንአምን ንእምነት ዝሕግዘና ነገራት ክንገብር አሎና። አብ አምላኽ ክንቀርብ ናታትና ሓገዝ ናታትና ሱታፌ የድሊ። እምነት ካብ ሰማይ ጥራሕ ዝውሃብ ጉዳይ አይኮነን። ነቲ ዘሎና አእምሮ አብ እምነት ከም ዝመርሕ ክንገብሮ አብ ኢድና እዩ። እምነት ክርከብ አእምሮና ክፉት ንምቕባል እምነት ክኸውን አለዎ።
• አብ ገለ እዋን ክንሳቐ ይግብአና፡ አእምሮና ክጽዕር ዝክአሎ ክገብር ይግብኦ። ክንርድኦ ዘይንኽእል ንአምላኽ ክንሓድጎ ይግብአና። አእምሮና ዓቕሙ ውሱን ስለ ዝኾነ ኩሉ ክርዳእ አይክእልን እዩ ስለዚ አብ ገለ እዋን ክንሓልፎ ዝግብአና ናይ ጸልማት እዋን አሎ።
• ፍቓድኛታት ክንከውን አሎና። ጠባይና አተሓሳስባና ከምኡ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ፍቓደኛታት ክሳብ ዘይኮና አብ ሕይወትና ተሓድሶን ከም ሓዲስ ምውላድን ክገጥም አይክእልን እዩ። ክንውለድ ብመንፈስ ልብና ክነጽሕ ነቲ ዘሎናዮ ሕይወት ካብ አምላኽ ዝፈልየና ክንቅይሮ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና።
ምስጢረ ጥምቀት ክንቅበል ከሎና እንውሃቦ ጸጋታ፦ ናይ መላእ ክርስትያናዊ ሕይወት መሠረት ንቕበል፥ ብመንፈስ ቅዱስ አብ እትነብር ሕይወት ዜእቱ በሪ ይኸፍተልና፥ ናብ ካልኦት ምስጢራት ንምምሕልላፍ ዜገልግል አፈቤት ንረክብ። ብጥምቀት ካብ ሓጢአት ነፃ ንወጽእ፥ ብጸጋ አምላኽ ዳግማይ ንውለድ፥ አባላት ክርስቶስ ንኸውን ቀዳሲ ጸጋ ንቕበል፥ አባላት ማሕበር ክርስቶስ ንኸውን፥አብ ተልእኮ ክርስቶስ ንሳተፍ። ብነጻ አብ ዘለአለማዊ ሕይወት ንአቱ። ብጥምቀት ዘይሃስስ ማሕተም ይውሃበና፥ ሓደ ዝጥመቕ/እትጥመቕ ሰብ ብስም ስላሴ ብማይ እናተጠመቑ አብ ሓዲስ ሕይወት ይአትዉ። አጠማቒ ስም ስለሴ ክጽውዕ እንከሎ ማይ እናአፍሰሰ ክፍጽመሎም እንከሎ ተጠማቒ አብ ጸጋ ይአቱ። እቲ ኹሉ እንቕበሎ ምልክታት ኩሉ ፍሉይ ትርጉም አልኦ። ማይ ምልክት ድሕነት እዩ። እስራኤላውያን ብማይ ካብ ባርነት ናብ ነጻነት ተሳጊሮም፥ ኖኅ ብመርካብ አብ ማይ ድኂኑ፥ አብ ሕይወት ማይ ዓቢ ተራ አልኦ። ማይ እንተ ዘይረኸብና ብቐሊል ንመውት፥ ስለዚ ምንጪ ምድራዊ ሕይወት ማይ እዩ አብ መንፈሳዊ ሕይወት ከም ምልክት ድኅነት ንጥቀመሉ። አብ ብሉይ ኪዳን ማይ ብዙሕ ምልክት ይሕዝ አብ ሕዝቅኤል 36፡25~27 “ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም፥ ካብ ኩሉ ርኽሰትኩም ካብ ኩሉሎም ጣዖታትኩምን ከጽርየኩም እየ፥ ሓዲስ ልቢ ድማ ክህበኩም ሓዲስ መንፈስ ድማ ኽኅድረልኩም እየ” እናበለ ማይ ምልክት ድኅነት ከም ዝኾነ ንርኢ። አብ ዕብራውያን 10፡22 “በዲለ ካብ ዝብል ሕሊና ልብና አንጺሕና ሰብነትና ብንጹሕ ማይ ሓጺብና ብቅኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ አምላኽ ንቕረብ” እናበለ ጥምቀት ብማይ መንፈሳዊ ንጽሓት ከም ዝህበና ይነግረና።
ጥምቀት ከምብሓዲሽ ምውላድ እዩ። ቤተ ክርስትያን ካብታ ዕለተ ጴንጠ ቆስጠ ጀሚራ ምስጢረ ጥምቀት ምስ ሰርዐት እያ። ቅ. ጵጥሮስ ናይ መጀመርያ ስብከቱ ነቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢ “ተንስሑ ኃጢአትኩም ምእንቲ ክሕደገልኩም ከአ ነፍስ ወከፍኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ፥ ህያብ መንስ ቅዱስ ድማ ክትቅበሉ ኢኹም” (ግ.ሓ. 2፡38) እናበለ ንዝሃቦ ክንርኢ ከሎና ጥምቀት ካብ መጀምርያ ከም ዝነበረ ንርኢ።
ጥምቀት ድኅነት ይህበና። ስርዓት አይኮነን ጸጋ እዩ ዘውህበና። ገለ ክርስትያን ምልክት እዩ እምበር ሓንቲ አይኮነን ዝብሉ አለዉ እንተ ኾነ ክርስቶስ ዝምሃሮ እንተ ረኤና ጥምቀት አድላዪ እዩ፥ ንሓዋርያቱ ክልእኮም እንከሎ ኪዱ ንኹሉ ዓለም ስበኹ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አጠምቑ እናበለ ልእኽዎም ( ማቴ 28፡19~20)። አብ ማርቆስ 16፡16 ዝአመነን ዝተጠምቀን ክድኅን እዩ እናበለ እምነት ጥራሕ እኹል ከምዘይኮነ እንታይ ደአ ጥምቀት አድላዪ ምዃኑ ይገልጽ። አብ ግ.ሓ. 22፡16 አናንያ ንጳውሎስ ተንስእ እሞ ተጠመቕ ይብሎ ኃጢአትካ ኸአ ሕጸብ
ይብሎ አብዚ ንኢየሱስ ጥራሕ ምቕባል እኹል ከምዘይ ኮነ ንርኢ። አብ ሮሜ 6፡4 አብ ጥምቀት ምስ ኢየሱስ ንመውት ምስኡ ምእንቲ ክንትንሥእ ይብለና። አብ ገላ 3፡27 ኩልና ዝተጠመቕና ንክርስቶስ ከም እንለብስ ብአኡ ኸአ አብ ሕይወት ከም እንነብር ይነግረና። አብ ቲቶ 3፡5~7 ብጥምቀት ከም ብሓድስ ከም እንውለድ ይነገረና።
ስለምንታይ ንሕፃናት ነጠምቕ፡
ሕፃናት ብባህሪኦም ፍቱዋት እዮም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕፃናት አብኡ ከምጽእዎም እምበር ካብኡ ከየርሕቕዎም ከም ዝደሊ ዝነበረ ወንጌል ይነግረና። አብ ዘፍጥረት 17፡12፥ አብ ሌዋ 12፡13 እንተ ረኤና አብ ሕጊ አይሁድ ሕፃናት አብ ሻምናይ መዓልቶም ይግዘሩ ነሮም ናይ ብሉይ ኪዳን ምልክት ክቕበሉ ምእንቲ። ቅ. ጳውሎስ አብ ቆላ 2፡11~12 ጥምቀት ሓዲስ ግዝረት ከም ዝኾነ ይገልጽ። እግዚአብሔር አብ ሓዲስ ኪዳን ንኹሉ ክፉት ገርዎ ማለት ንኹሉ አይሁድን አረመንን ዓበይትን ንአሽቱን ዝብል ፍልልይ አይገበረን ንኹሉ አብ መንግስቱ ክካፈሉ ይደሊ።
አብ መዝ 51፡5 “እንሆ ካብታ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኃጥእ እየ፥ ካብታ አደይ ዝጠነሰትኒ መዓልቲ በደለኛ እየ” እናበለ ካብ ምጥናስ ጀሚርና በደል ከም ዘሎና ይዛረብ እዚ ኸአ ካብ ሕፃንነትና ካብ ሓጢአት ነጻ ክንከውን ከም ዝግብአና የመልክት። አብ ማቴ 18፡2~5 “ከም ሕፃናት እንተ ዘይኮንኩም አብ መንግስተ ሰማያት ክትአትዉ አይትኹእሉን ኢኹም” ይብል አብ 19፡14 አብ ሕፃናት እና አመልከት “መንግስቲ አምላኽ ንኸምዚኦም ዝአመሰሉ
እያ” ይብል።
ጸጋ አምላኽ ክንቅበል ዕድመ ወሳኒ አይ ኮነን። አብ ሉቓ 18፡15 ጎ.ኢ.ክ. እቶም ህዝቢ ኢዱ ከንብረሎም ሕፃናት የምጽኡሉ ነሮም፥”ሕፃናት አባይ ክመጽኡ ሕደግዎም” አንብሮ ኢደ ናይ ጸጋ ምቕባል ምልክት እዩ። አብ ክህነት አቡን ኢዶም የንብሩ አብ ልዕሊ ተቐባሊ ክህነት። አብ ግ.ሓ.2፡38 ጥምቀት ንሕፃናትን ዓበይትን የመልክት። አብ ግ.ሓ. 16፡15 ጳውሎስ ንኹሉ ስድራ ከም ዘጠመቐ ነንብብ እዚ ኸአ ሕጻናት ዘጠቓለለ እዩ። ከምኡ አብ ግ.ሓ. 1፡ 47~48 ጴጥሮስ ብምልእታ ንስድራ ቀርኔለዎስ ከም ዘጠመቐ ነንብብ አብዚ ቆልዕትን ሕፃናትን ዘጠቓለለ እዩ። ሕጻናት ክነጠምቕ ከሎና አብ ናይ ወለዶም እምነት ተመስሪትና ኢና። አብ ግ.ሓ. 16፡15 ጳውሎስ ንስድራ ሊድያ አብ ናታ እምነት መሰረት ገሩ ከም ዘጠመቐ ነንብብ። ናይ ወለዲ ድለት ወሳኒ እዩ። ከምቲ ቤተ ክርስትያን እትአምኖ ከዕብይዎም ቃሎም ይህቡ ሓገዝቲ አብ ምኹስኳስ እምነት ክኾኑ አቦ/አደ ማልገ ይውሃብ። እምነት ኩስኮሳ የድልዮ። ወለዲ አብ መጻኢ ሕይወት ደቆም ዓቢ ተራ አልኦም አብ እምነት ከዕብይዎም ኩሉ ጊዜ ምስ አምላኽ ርክብ ክገብሩ ክሕግዝዎም መገዲ ክሕብርዎም ይግባእ። ወለዲ ክሕግዙ መጀመርያ ንርእሶም አፍልጦ እምነቶም ክህልዎም ንርእሶም ብመገዲ አምላኽ ዝኸዱ ክኾኑ ይግባእ ምኽንያቱ ንርእሶም ዘይብሎም ንኻልእ ክህቡ አይክአልን እዩ። እዚ ሓላፍነት እዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ዘሕትት እዩ። ንሕፃን ሕማቕ አብነት ዝህብ ጎ.ኢ.ክ. አብ ክሳዱ መጥሓን አድጊ አሲርካ አብ ባሕሪ ምጥላቑ ይሓይሽ ይብለና። ንደቅና መገዲ አምላኽ ክንፈልጦም ዝክአለና ክንገብር ይግብአና። ሓደ ሰብ ክጥመቕ እንከሎ ክፍጽሞ ዝግብኦም ነገራት ቀንድን አድለይቲ አለዉ፡ ስብከት ቃላ አምላኽ ምስማዕ፥ አብ ንስሓ ዘእቱ ምቕባል ወንጌል፥ እምነት ምግላጽ፥ ብማይ ምጥማቕ፥ መንፈስ ቅዱስ ምቕባል፥ ቅዱስ ቍርባን ምቕባል የጠቓልል። አብ ታሪኽ ክርስትና ስርዓት አፈጻጽማ ጥምቀት ዝተፈላለየ መልክዕ መገድታት ሒዙ እዩ። ንውሕ ዝበለ ናይ ምስንዳው ጊዜ “ናይ ንኡሰ ክርስትያን ጊዜ”። ንሕፃናት አብ ዝጥመቑሉ ጊዜ ሕጽር ዝበለ ምስንዳው ክግበር ይግባእ ንአፍልጦን ሓላፍነትን ወለዲ ክሕግዝ ምእንቲ። አብ ጥምቀት ጊዜ “ጸሎት አውጽኦተ አጋንንት” ካብ ርኹሳት መናፍስቲ ነጻ ምእንቲ ክንከው ከምኡ ቅብአት ብዘይቲ ንኡሰ ክርስትያንን ሜሮንን። እዚ ናይ ምጽናዕን ምንጻሕን ምልክት እዩ። አብ ልዕሊ ተጠማቒ እነፍስሶ ማይ አምሳል ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ ምልክት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ንውለድ። አገባብ ጥምቀት ሰለስተ ጊዜ አብ ልዕሊ ተጠማቒ ማይ ብምፍሳስ ወይ ብምጥላቕ ይፍጸም። እዚ ኸአ ተጠማቒ ብሓቂ ንኃጢአት ብምማት፥ ብናይ ክርስቶስ ፋሲካዊ ምስጢር ተቐሪጹ ናብ ሕይወት ቅድስት ስላሴ ዘምልክትን ጸጋ ዝህብን ኮይኑ ይፍጸም። አብ ስርዓትና ከም ግብኡ ተጠማቒ ንምስራቕ ጠሚቱ ካህን “አገልጋሊ እግዚአብሔር . • . . . እገሌ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይትመቕ አሎ” እናበልና ነጠምቖ። ብዘይቲ ሜሮን ክንቀብኦ ከሎና ነቲ ሓዲስ ዝጥመቕ ይውሃቦ ናይ ዘሎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ምልክት እዩ። እቲ ዝጥመቕ ሕጂ ክርስትያን ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአ ምስቲ ካህን ነቢይ ንጉሥ ኮይኑ ዝተቐብአ ክርስቶስ ዝተወሃሃደ እዩ። አብ ናይ ምስራቕ አብያተ ክርስትያን ሉጡርግያ እቲ ብድሕሪ ጥምቀት ዚፍጸም ቅብአት ምስጢረ ሜሮን እዩ። አብ ናይ ላቲን ስርዓት እዚ ቅብአት ነቲ ናይ ጥምቀት ቅብአት ዜጽንዕን ምልአት ዚህብን ኮይኑ ይሕሰብ። ጻዕዳ ክዳን ምልክት “ንክርስቶስ ከምዝለበሶ” ምስ ክርስቶስ ከም ዝተንሠአ የመልክት። መብራህቲ ክርስቶስ ንሓዲሽ ተጠማቒ ብብርሃኑ ከም ዘብርሆ የርኢ። ብክርስቶስ ድማ እቶም ዝተጠምቁ “ብርሃን ዓለም ከምዝኾኑ የዘኻኽር”። ሓዲሽ ተጠማቒ በቲ ሓደ ወልደ እግዚአብሔር አቢሉ ወዲ አምላኽን ስለዝበቕዐ ሕጂ ነቲ “አቦና” ዚብል ናይ ደቂ እግዚአብሔር ጸሎት ንኺደግም በዓል መሰል ይኸውን። ሓዲስ ተጠማቒ ውሉድ አምላኽ ብምዃን ልብሰ መርዓ ተኸዲኑ ናብቲ “ናይ በጊዕ/ገንሸል ድራር መርዓ” ( ራእ 19፡9) ብምእታው ናይታ ሓዳስ ሕይወት መግቢ ናይ ክርስቶስ ሥጋኡን ደሙን ይቕበል። አብ ሥርዓትና ሓዲስ ተጠማቒ ንሕፃናት ከይተረፈ ቅዱስ ቍርባን ብምቕባል ንሰለስቲኡ ምስጢራት ንዕድል። አፍደገ ሰማይ ዝኸፈተልና ምስጢረ ጥምቀት እምብአር አብ እምነትና ዓቢ ተራ አልኦ። አብ ሕይወትና ስርዓት ጥምቀት ክንፍጽም እንከሎና ፍሉይ መልእኽቲ አሎና።
• ጥምቀትና ክንዝክር፡ ኩልና ብጥምቀት አብ ክርስቶስ ዝሓበርና ቅዱስ ሕይወት ክንሕዝ ንአምላኽ ክንምስክር ክንሰብኮ ዕለት ዕለት ብርሃን ዓለም ኮና ክነብር ዝአተናዮ መብጽዓን ንሕድስ። ንአምላኽ ደቁ ክንከውን ቃል አቲናዮ ኢና ስለዚ ሎሚ ከመሊኹ መብራህተይ አብሪሄ ምስ ክርስቶስዶ አሎኹ ክንብል ይግባእ።
• ሕይወትና ክንሕድስ፡ ምስ አምላኽ ሓደ ክንከውን። ንፈጣሪና ክንቀርቦ ናቱ ኮና ክንርከብ ዝዕድም ህሞት። ከም ሰብ መጠን ዝወደቕናዮ እንተሎ ክንሳሕ እሞ ምስ አምላኽን ሰብን ዕርቂ ክንፈጥር። አብ ቤት አምላኽ አቲና አሎና እሞ መንፈስ ደቂ አምላኽ ለቢስናይ ክንህሉ።
• ሰብኽቲ ወንጌል ክንከውን። ሓደ ካብቲ ዓቢ ሕላፍነት ጥምቀትና ዘልብሰና ሰበኽቲ ክንከውን እዩ። ብሕይወትና ብዘረባና ብስራሕና ንክርስቶስ ክንምስክሮ። ዓው ኢልና እምነትና ክንምስክር። ንዝኾነ ሕፍረት አውጊድና አብ እምነት ክንጸንዕ ከም ዝግብአና ባይታ ዝፈጥር አጋጣሚ።
• ብእምነት ክንዓቢ። እምነት ክዓቢ ክንኩስኩሶ ከም ዝግብአና ፈሊጢና እምነትና ርኢና ክንክእል። ብጥምቀት ዝዘራእናዮ ጸጋ ጥምቀት ደልዲሉ ክርከብ ንፈተና ሰይጣን ስዒሩ አብ ጎደና ቅድስና ዝጉዓዝ ሕይወት ሒዝና ክንህሉ ከም ዝግብአና ምሕሳብ። ሎሚ እምብአር ብመንፈስ ከም ብሓዲስ ኩልና ክንውለድ ይግብአና። አብ ቤተ አምላኽ ክንርከብ ዝተሓደሰ ሕይወት ሒዝና ደቂ አምላኽ ምዃና ክንዝክር። ሰይጣን ተዓዊትልና ካብ ገጽ አምላኽ ዝተኸወልና እንተ አሎና ሎሚ ኪዳን ጥምቀትና ንሓድስ እሞ ቅዱሳን ንኹን። አምላኽ ክሕግዘና በዚ ብሩኽ ቅዳሴ መስዋዕቲ ወዱ ክዕረቐና ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ልቢ ንለምኖ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ዝበለትና ማርያም ሎሚ እውን አብ መንጎና ተረኺባ ፈጸምቲ ድላይ ወዳ ክንከውን ትሓግዘና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ__








All the contents on this site are copyrighted ©.