2011-11-01 17:10:52

፫ ሰንበት ዘጽጌ 2004 ዓ.ም. ምሕረትን ፍቕርን ክልተ ባህርያት አምላኽ


መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. ።
ንባባት፡ ፩ ተሰሎንቄ 1፡5-10፥ ራእ 14፡1-6፥ ግ።ሓ. 4፡19-31፥ ማቴ 22፡34-40
ምስባክ፡ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።
መዝሙር፡ “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።
ናይ ሎሚ መዝሙር፥ ወንጌል ከምኡ መልእክቲ ጳውሎስ ምህረት አምላኽን ፍቕሩን ይነግሩና። አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና ቅዱስ የውሓንስ። ንኹልና ክንፍቅሮ ይደሊ ምኽንያቱ ክነፍቅሮ ከሎና አብኡ አሎና ንሱ አባና አሎ። ካብፍቕሪ ተበጊሱ ንዝበደልናዮ ይምሕረና። ንምሕረት አምላኽ ትኢና አብ ነነድህድና ክንምሕር ይደልየና። ምምሓር ክብሃል እንከሎ ንሓደ በደላኛ እሞ መቕጻዕቲ በቲ ዝገበሮ ክግበረሉ ዝግባእ እንከሎ ይቕረ ኢልካ ምሕረት ምእዋጅ የስምዕ። እግዚአብሔር ሓደ ካብቲ መለለይኡ ምሕረት እዩ፥ንሱ ዝምሕር ስለ ዘፍቅር እዩ። ንቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ድሕሪኦም ንኹልና በብእዋን ንዝበደልናዮ ይምሕረና በዚ ኸአ ፍቕሩ ይገልጸልና። እቲ ዝዓበየ ምሕረት ዝገበረልና ነቲ ሓደ ወዱ ምሉእ ዕርቂ ምእንቲ ክነርክብ እሞ ደቂ ሰማይ ክንከውን ኢሉ ክንርድኦ ብዓቕሚ አእምሮና ክንበጽሖ ዘይንኽእል ምስጢር ገሩ አብ መስቀል ነቲ ሓደ ወዱ ሰዊዑልና። ምሕረት ሂቡና ፍቕሩ ገሊጹልና። ካብ መስዋዕቲ ክርስቶስ አብ ታሪኽ አብ ምድረ እስራኤል ምፍጻሙ አብዚ እዋን ብቅዱስ ቍርባን አብ መንጎና ብምህላዉ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ብዝዕድለና ምስጢራቱን ትምህርቲ ቃሉን ገሩ ምሕረቱ ይህበና። ምሕረት አምላኽ ንአና ንደቂ ሰብ ጸጋ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ዝበደልናዮ አሎና ብምስጢረ ንስሓ ምሕረት ረኺብና ሕጂ እውን ንዝበደልናዮ ምሕረት እንተ ሓተትና ከም እንምሓር ርጉጽ እዩ። መሓርቲ ክንከውን ድላይ አምላኽ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደ ጊዜ ክንደይ ጊዜ እንተ መሓርኩ ይሓይሽ ዓቢ ቍጽሪ ዝበለ መሲልዎ ሾውዓተ ጊዜ ይአክልዶ ኢሉ ሓቲትዎ፥ ኢየሱስ ከአ ሰብዓ ሸውዓተ ጊዜ እናበለ ኩሉ ጊዜ ክንምሕር ከም ዘሎና ነጊሩና። ንዝበደለካ ንዘዋረደካ ንዝደፈረካ ንዝዓመጸካ ዝተፈላለየ ክፉእ ነገር ንዝገበረካ ምሓር እዩ እቲ ትእዛዝ። ንኹልና ዝኸበድ ትእዛዝ። ክንክእሎ አብ መስቀል ንጠምት ሽዑ አብ መስቀል እንታይ ተገሩ ኢልና እንተ ሓተትና መልሲ
ክንረክብ እሞ አብ መአዲ ምሕረት ክንአቱ ኢና።
ምሕረት ክነዘውትር ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ።
• አብ ልብኻ ምምላስ፡ ሰብ አብ ልዕሊኡ ዝተፈላለየ በደል ምስ ተፈጸመ ብባህሪኡ ክምልስ ክዋጋእ፥ ክከላኸል፥ ተፈጥርኡ እዩ። ሰውነትና ንሓደ ዘይፈተዎ ነገር ይነጽግ፣ ንአብነት ሓዊ እንተ ተንከፍና ሰውነትና ቀልጢፉ ይምልሽ። ሕማም ከጥቅዓና እንከሎ ሰውነትና ይቋወም፥ ስለዚ ምምላስ ባህርና እዩ። እንተ ኾነ ነቲ ዝገጠመካ ክትርእዮ ክትሓስበሉ ምስ ሕይወትካ አመዛዚንካ ምርአዩ። ሽዑ ብስምዒት ዘይኮነ ብሕልናና ክንምልስ ንኽእል። አብ ልብና ክሳብ ዘይተመለስና ምሕረት ክንገብር ይኸብደና እንተ ገበርና እውን ስማዊ እዩ። ስምዒትናን ኩሉ ኩነታትና ክንመልኽ አብ ርእስና ክንምለስ አሎና። አብ ሕርቃን አብ ጽልኢ ዝነብር ሰብ ካብ ርእሱ ወጻኢ እዩ ዝነብር። ሰብ ሰብ ክብሃል ንርእሱ ዋንአ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ።
• ክትምሕር ደም ክጥዕመካ አለዎ፡ ኩልና ንሓደ ዝበደለና ክንምሕር ከሎና ክንሓልፎ ዝግብአና መስቀል አሎና። ስምዒትና ሞራልና ሕይወትና ብምልኡ ንትንከፍ ንኹሉ ሕይወትና ዘበላሹ ስለ ዝተፈጸመ አብ ልዕለና መልክዕና ዝተቐየረ ኮይኑ ይስምዓና፥ ነዚ ክትሰግር ከቢድ እዩ፥ ሕጂ እውን አብ መስቀል ንመለስ። መስቀል ክርስቶስ ዝህቦ
መልሲ ንርኤ። ነቶም ዝቐትልዎ ዝነበሩ ነቶም ንሞት ዝፈረድዎ ኦአቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም ኢሉ ዝጸለየ ኢየሱስ ንሕና እውን ነቶም ዓይነቱ ብዘየገድስ ዝበደሉና ክንምሕር ይእዝዘና። አብ ታሪኽ ነዚ ዘብርሁ ንረክብ፥ አብዚ እዋና ብሕይወታን ግብራን ትርጉም ምሕረት ዘርአየት Immaculi Llibagiza እትብሃል አብቲ ናይ 1994 ሓድሕዳዊ ቅትለት ሩዋንዳ “Left to tell” አብ ዝብል ጽሑፋ ምሕረት ንሓደ ንኹሎም ስድራኻን ዓለትካን ዝቐተለ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ። ክትምሕር ምስ አምላኽ ርክብ ክህልወካ የድሊ እናበለት ንዓለም ነቶም ንስድርአን አሕዋትን ብምምሓራ ዓቢ አብነት ሂባ። ንሓደ ሞት አብ ገዛኻ ዘእተወ ክትምሕሮ ከቢድ እዩ ብባህሪ ሰብ ክንርእዮ ከሎና። ብአምላኽ ክንርእዮ ከሎና ግን ይክአል እዩ።
• ክትምሕር ምስ አምላኽ ርክብ ክህልወካ ይግባእ፡ አብ ጸጋ አምላኽ ክንርከብ አሎና አምላኽ ምስኡ ዘሎ ጥራሕ እዩ ክምሕር ዝኽእል። ርክብ ምስ አምላኽ ክንብል ከሎና ጸሎት እንገብር ምስጢራት ቤተ ክርስትያን እነዘውትር ብፍላይ ኑዛዜ፥ አብ ሰናይ ተግባር እንወፍር፥ ቃል አምላኽ ብምምባብ ድዩ ብምስማዕ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብር ከሎና ክንምሕር አይከብደናን። ምሕረት ሱቕ ኢሉ ካብ ሰማይ አይኮነን ዝወርድ ናታትና ሱታፌ የድልዮ።
• ክትምሕር ምኽሪ ጥዑያት ሰባት ክትሰምዕ የድሊ፡ አብ ገለ እዋን ንሕና ዘይንርእዮ ካልኦት ሰባት ዝርእይዎ ይክአል እዩ፥ አብ ገለ እዋን አእምሮና ዘይበጽሖ ናይ ካልኦት ሰባት ልቦና ክበጽሖ ይኽእል እዩ፥ ስለዚ ጽቡቕና ንዝምነዩ እሞ ብሓቂ አብ ቅድሚ አምላኽ ኮይኑም ንዝመኽሩና ክንሰምዕ ይግብአና።
• ንምኽሪ ክፉአት ካብ ምስማዕ ምጥንቃቕ፡ አብ ገለ እዋን ክንዕረቕ ሰላም ክንገብር ንሰባት ክንምሕር ዘይደልዩ ፈተውትና ቤተ ሰብና ክህልዉ ይክአል እዩ። ንሰባት እንተ ጸላእና ወይ ምስኦም ኮና ንኻልኦት እንተ ጸላእና ዝተዓወቱ ዝመስሎም ከምኡ ገለ ሰባት አብቲ ዝገብርዎ ክፉእ ነገር ካልኦት እንተ ተሓወስዎም ዝተዓወቱ ዝመስሎም አለዉ ስለዚ ኩሉ ጊዜ ንሰባት ርኢና ክንክእል አሎና። ወላ እውን መቕርብና አብ ገለ እዋን ምስኦም አብ ሓጢአት ክነብር ክንድግፎም ንሕና ንሓደ እንተ ጸላእናዮ ምስኦም ኮና ክንጸልኦ ዝደልዩ አለዉ። አብ ቅድሚ አምላኽ ግን ንሕና እምበር ምስ ብዓል ኩስቶ ዝገበርናዮ አይኮናን እንሕተት። ንክፉእ ሰብ ወላ እውን ሓውና ሓፍትና እንተ ኾነ ክንሰምዖ የብልናን እኳ ደአ ካብ ጌጋኡ ክንመልሶ ይግብአና። ሰይጣን ተዓዊትሉ እና ረኤና ሱቕ እንተበልና ፍቕሪ ነጉድል ብሓቂ ከአ አይነፍቅሮን ኢና ዘሎና። ወንጌል አብ መንጎ ኢየሱስን ፈሪሳውያን ዝተገብረ ክርክር ይነግረና። ሓደ ጸሓፍ ምሁር ሕጊ ክፍትኖ ኢሉ “ካብ ኩሉ ዝዓበየ ሕጊ አየናይ እዩ” እናበለ ክውጥሮ ኢሉ ሓቲትዎ። እዚ ሕቶ ወጣሪ ሕቶ እዩ። ምሁራት ሕጊ አብ ጊዜ ኢየሱስ አብ ዋዕልኦም ብዝያዳ ዝካትዑሉ ዝነበሩ እዩ። ሕጊ አይሁድ “ቶራ” ዝብልዎ 613 ትእዛዛት ዝሓዘ እዩ። ካብዚ ሕጎም 248 ብአወንታዊ ዝትግበሩ ነዚ ግበር ዝብሉ 365 ከአ አይትግበር ዝብሉ ብአሉታዊ ዝፍጸሙ እዮም። ወል እኳ ኩሎም ሕግታት ክፍጸሙ እንተ አልኦም ገለ ካብኦም ግን ዝለዓለ ግደታ አልኦም። ከበድትን ቀለልይን ሕግታት እውን ነሮሞም እዮም። ከም ርድኢት አይሁድ ሕጊ አብ አምላኽ ዝቕርብ ብሕይወትካ ዝሰርዕ መጋበሪ እሞ ብኹሎም ክሕሎ ዘለዎ እዩ። ሰባት ሕጊ ከኽብሩ እንከለዉ ሰላም ፍቕሪ አሎ። ሕጊ ብኹሉ ክኽብር እንከሎ አብ ስድራ አብ ሃገር አብ ዓለም ዓወት ሰላም አሎ። ሰብ ዝጽገም ሕጊ ክጥሕስ እንከሎ ወይ ከአ ናቱ ሕጊ ንሕጊ አምላኽ ክትክኦ እንከሎ እዩ። ንሕጊ አምላኽ ብሕግና ከይንትክኦ ክንጥንቀቕ አሎና።
ፍቕሪ አምላኽ፡
ኢየሱስ ነቲ ምሁር ሕጊ ሕቶኡ ክምልሰሉ እንከሎ ካብቲ ቅድምኡ ዝብልዎ ዝነበሩ ፍሉይ ሓንቲ አይበሎን። ካብቲ አብ ጸሎቶም “ሸማ ጸሎት” ዝብሃል እናጠቐሰ አብቲ አብ ዘዳግም 6፡5 “ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ” እናበለ ጠቒሱ ይነግሮ። እዚ ዝሕብሮ አይሁድ ጸቢብ አተሓሳስባ አብ ሕጊ ጥራሕ ዘተኩሩ ከምዘይ ነበሩ እዩ። አብ አምላኽ ዘሎና ፍቕሪ አብ ውሽጥና ዝተሰረተ አብቲ ውሽጣዊ እንታይነትና ዘሎ ክኸውን ይግባእ። ንሕጉ ጥራሕ ብምኽባር ነፍቅሮ ማለት አይኮነን። ሕጊ እናፈጸምና ዘይነፍቅሮ ክንከውን ንኽእል ኢና። ንአምላኽ ምፍቓር ምፍጫ አይኮነን። ፍጡር ንአምላኽ ፍቕሪ ክምልሰሉ እንከሎ አብ ሕይወት ይነብር። ብኻልእ አዘራርባ ንአምላኽ ክነፍቅር ከሎና ጥራሕ ኢና ትርጉም ተፈጥሮና ክንርዳእ ንኽእል ካብኡ ዝወጸ መገድና ይቕይሮ።
ፍቕሪ ብጻይ፡
ኢየሱስ መልሱ ብምቕጻል ምስቲ ዝሃቦ አተሓሒዙ ክምልሰሉ እንከሎ አብቲ ካብ ዘዳግም 6፡5 ዝጠቐሶ ደው አይበለን፥ አብ ለዋውያን 19፡18 “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ” እናበለ ይጠቕሰሉ። ፍቕሪ ብጻይ አብቲ ምስ አምላኽ ዘሎና እዩ መሰረቱ። ንብጻይካ ምፍቃር ማለት ብዓይኒ አምላኽ ምርአዩ ማለት እዩ። ብአርአያን አምሳልን ዝተፈጥረ ሓውና/ሓፍትና ከማና ክንርእዮ ከሎና ጥራሕ ኢና ነፍቅሮ ክንብል እንኽእል። ንኽልቲኡ ብሓደ ጸንቢሩ አብዚ ክልቲኡ ብሉይን ሓዲስን ሕግን ነብያትን አብኡ ከምዘሎ ይነግሮ። አብዚ ኢየሱስ ሓዲስ ትሕዝቶ አይነግሮን፥ ነቲ ሕጊ የዕብዮ ማለት አብቲ ዝዓበየ ሕጊ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ፍቶ ዝብል ይሕውሰሉ። አብዚ ነቲ ሕጊ አብ ውሽጥኻ ምውህህሃድ ጥራሕ አይኮነን ዘድሊ አብቲ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር ዝብል የልዕሎ። እዚ ክልተ ሕጊ ንግላውን ሓባርውን ነገራት ዘጠቓለለ እዩ። እዞም ክልተ ሕግታት ፍቕሪ አምላኽን ጽቕሪ ብጻይን ክልተ መሰረታውያን ነገራት አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን እዮም። ፍቕሪ ዘይብሉ እምነት ፍቕሪ አይብሉ ግብሪ ትርጉም የብሉን። በዚ ዝስዕብ ክንጥቕልሎ ንኽእል አስተንትኖና።
1. ቤተሰብና ዓርክና ወላ እውን ጸላእትና ብዝርኢ በዚ ሕጊ ክንቅየድ ይእዝዘና ኢየሱስ።
2. ከም ትምህርቲ ወንጌል ምንባር ቀሊል ጉዳይ አይኮነን እንተ ኾነ ዝክአል እዩ።
3. አብ ብሉይ ኪዳን ካብቶም 613 ሕግታት እዞም ክልተ ዝዓበየ ቦታ ይሕዙ።
4. ኢየሱስ ንኹሉና ብሕይወትና ሕያው አብነት ክንከውን ይደልየና።
5. ነዞም ክልተ አብ ሕይወትና መምርሒና ገርና እንተ ኸድና ብጸጋ አምላኽ ኩሉ ዝተረፈ ክሰልጠና እዩ።
6. ብትምህርተ ወንጌል ከይትኸይድ ዝዕንቅጸካ እንታይ አሎ አብ ሕይወትካ። ፍቕርን ምሕረትን ክልተ ማናቱ አብ ሕይወት ክርስትያን ከፈላለያ ዘይብለን ምስ አምላኽ ክነብር ዘኽእላና እየን። አብ ኩሉ መለለይና ክኾና እንከለዋ ዓወት ሰላም ኩሉ አሎ። አምላኽ ንነፍስ ወከፍና አፍቅረኒ ስምዓኒ ክምሕረካ እየ ከምኡ ንስኻ/ኺ እናበለ ይዕድመና። ኩልና ብልብና አፍቂረ፥ ምሒረ አሎኹ ክንብል። ከምቲ መድኅና አብ መስቀል እንከሎ ፍቕርን ምሕረትን ዝአወጀ አነን ንሱኹምን ንሓውና ንሓፍትና ምሕረት አዊጅና አብ ጎደና ዕርቃን ፍቕርን ምሕረትን ክንምርሽ ዕድመ ሎሚ እውን ይቐርበልና አሎ እሞ ሕራይ ንበል። አምላኽ ክእለቱን ጸግኡን ይሃበና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ__









All the contents on this site are copyrighted ©.