2011-11-01 14:32:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቅድስና ፍሉይን ዘይተለምደን ዓቢይ ሥርሒት ፍጻሜ ዘይኮነስ ንኢየሱስ ብተኣማንነት ምስዓብ ማለት ኢዩ።


ብናይ ላቲን ሥርዓት ሎሚ ዕለት ሓደ ሕዳር ዓመታዊ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ከምዝበዓለ እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ኣቦና በዛ ዓባይ በዓል ምኽንያት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ስብከት፣ እቲ ዓቢይ በዓል መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳት፣ ቆላሕታና ናብ ሰማየ ሰማያት ኽነቕንዕን ብዛዕባ RealAudioMP3 እቲ ዝጽበየና መለኮታዊ ምልኣተ ሕይወት ከነስተንትን ይዕድመና። ዕለታዊ መነባብሮና ቅልጣፌ ዝተደራረቦ ህዉኽ ኴይናክ ምንባር ዝሓትት ዝተረበጸን ኮይኑ ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ገጽ ንገጽ ምርኻብ ዝኾነ ፍጻሜናን ሸቶ ምዃና ክንርስዕ ይድርኸና። ፍጻሜናን ሸቶ ምዃና ብዝተቐደሰ ሕይወት ኢና እንበጽሖ። ስለዚህ ንውሑዳት ሕሉፍ መሰል ንዘለዎም ምሩጻት ዝተዓቀበ ኩነት ኣይኮነን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ኢዩ።
ቅድስና ኣብ ምንታይ ዝቖመ ኢዩ? ነዚ ሕቶ’ዚ ብኣሉታዊ ዓረፍተ ነገር እንክምልሱ፣ ቅድስና ብፍሉይን ዘይተለምደን ዓቢይ ሥርሒትን ተግባርን ምፍጻም ወይ ድማ ፍልይ ዝበለ ጸጋ ኣይኮነን። ብመሠረት እውታዊ ዓረፍተ ነገር እንክምልሱ ንኢየሱስ ምግልጋል፣ ብዝቀላቐሉን ዚጠማመቱን ዘጋጥሙን ጸገማት ዓቕልና ከየጽበብናን ብዘይቅብጸት ቃሉ ጽን ምባልን ምኽታልን ብተኣማንነት ምስዓብ ማለት ኢዩ። ቅድስና ጽንዓት ዝሓትት እውን እንተኾነ፣ ናይ ወዲ ሰብ ተግባር ብዘይምዃኑ፣ ቅድም ቀዳድም ካብ እግዚኣብሔር ዝዕደል ጸጋ ኮይኑ ብኹሉ ክብጻሕ ዝከኣል ኢዩ እንክብሉ ዕለት ሓደ ሕዳር 2006 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ኣብ ጉዕዞ ጸዋዕታ ቅድስና ብናይ ኩሉ ዘመናትን ጊዜን ቅዱሳት ዝተሰነና ብምዃንና ንበይንና ኣይኮናን። ስለዚህ ናይ ቅድሳት ሱታፌ ንመላእ ሕይወትና ማዕርግን ምጽንናዕን ዘውሕዝ ፍሉይ ኩርናዕ የልብስ። ንበይንና ኣይኮናን፣ ናይ ማኅበረሰብ ሓጎስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝኹላዓሉን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጥሪት ንናይ ኩሉ ረብሓን ደገፍን ናይ ኩሉ ጥሪት ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝብል ጥልቂ ናይ ምትሕብባር መንፈሳውነትን ዝንበረሉ ናይ ሓደ መንፍሳዊ ማሕበረሰብ ኣባላት ኢና። ሰለዚህ እዚ ምሥጢር’ዚ ኣብ ሥድራ ቤትናን ምስ ብጻይናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ማኅበረሰብ ቤተ ክርስያን ከነስተማቕሮን ክንነብሮን ዝከኣል ኢዩ እንክብሉ ዕለት 1 ሕዳር 2009 ዓ.ም. በዛ ዓባይ በዓል ምዃንያት በሸሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ምስ’ታ ዕለት ሓደ ሕዳር ዓባይ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ስዒቡ ንጽባሒቱ ዕለት 2 መዓልቲ ተዝካር ኩሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉ ዝፍጸመሉ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተኣከቡ ምእመናን ፊት ካብ ሓዋርያዊ መንበር መስኮት ኮይኖም ጸሎት መልእከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘስምዕዎ ኣሰምህሮ፣ ናብ መቓብር ሥፍራ እንገብሮ ምብጻሕ ብትኽክለይና ናይ ክርስትና መንፍስ ማለት ካብቲ ካብ ናይ ፋሲካ ምሥጢር ብዝምንጭው ብርሃን መሠረት ዝፍጸም ክኸውን ከምዘለዎን ክርስቶስ ሞይቱን ተንሲኡን ናብቲ ሕይወትን ሰላምን ዝነገሠሉ ቤት ኣቦ መሰጋገሪ ከፊቱልና ኢዩ። ኣብ ምድራዊ ሕይወት ንኽርስቶስ ዝሰዓበ ኣብቲ ንሱ ቀዲሙና ተቐሚጡሉ ዘሎ ሥፍራ ቅቡል ክኸውን ኢዩ።
ኣብ መቓብር ሥፍራ ክንበጽሕ እንከለና ኣብቲ እቶም ዝዓረፉ ዝተነብርሉ ሳጹን እቲ ፍጻሜ ትንሣኤ ሙታን ዝጽበ ሬሳ ናይቶም ዝዓረፉ ቅርያት ከምዝኾነን መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነፍሲ ናይቶም ዝዓረፉ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ከምዘላ የረጋገጸልና (ሳፕ. ምዕ. 3 ፍቕዲ 1)፣ በቲ ምእቲ ሙታን እነቕርቦ ጸሎት ብግብሪ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኣቢልና ኢና ብሓቂ እንዝክሮም እነኽብሮም፣ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ሓቢርና ዘለዓለማዊ ድሕነት እግዚኣብሔር ክዕድሎምን እነቕርቦ ናይ ምሕጽንታ ጸሎት ኣብ ፍጻሜ ነቲ ዝፈጠረናን ዘድሓነናን ፍቕሪ ብዘይ ምቍራጽ ወትሩ ብሓባር እነስተማቕረሉ ናይቲ ጥልቂ ሱታፌ ምኩራት ንኸውን እንክብሉ ዕለት 1 ሕዳር 2009 ዓ.ም. በዛ ዓባይ በዓል ምዃንያት በሸሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ አደባባይ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘስተምሃሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.