2011-10-29 15:04:36

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “ደጊም ዓመጽን ውግእን ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ከቕርብ”


እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት “ኩለን ሃይማኖታት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ በመል 25 ዝኽሪ ዓመት ለብዘበን እውን ቅድሚ ትማሊ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 RealAudioMP3 እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ንመላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪኡ ዓቢ ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ ኣሲዚ ናይ ኅብረ ሃይማኖት ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን መደብ ብወግዒ ዝካየደሉ ዕለት 27 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. ምዃኑን ናብቲ ጉባኤ ጸሎትን ዘተን ናይ ባህሊ ኣካላትን ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ እውን ከምዝዓደሙ ዝገለጽዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተዛዘመ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ቅዱስ ኣቦና “ደጊም ዓመጽን ውግእን ግብረ ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ከቕርብ” ዝዕድም ኣብ ዘስምዕዎ ናይቲ ናይ ሓባር ርክብ መዕጸዊ ዘረባ፣ እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃብካ ብዝብል ቃል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ከምዘጠቓለሉ ነቲ መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ብቐረባ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲኔሊ ዘመሓላልፍኦ ምንጪ ዜና ይመልክት።
ቀጺሎም እቲ ናብ ኣሲዚ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር መንፍሳዊ ንግደት ናብ ኣሲዚ ቅዱስ ሥፍራ ‘ሰላም ንምሕናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ መንፈሳዊ ኣድማስ’ ቀንድን ወሳንን ረቛሒ ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም እንፍጽሞ ጻዕሪ ቀጻሊ ከምዝኾነ ዘሐደስናሉን ድሕሪ ሰላም ብናይ ምብህሃል ሥርዓት፣ ሰላም ድሕሪ ምልውዋጥ ኣብ ቅድሚ እንውክሎም ሕዝብታትን መላእ ማኅበረሰብ ዓለምን ሰላም ኣብ ምሕናጽ ብዝለዓለ ደረጃ ተዋሳእቲ ምዃንና ኣረጋጊጽና ኢና ኢሎም።
ተፈላሊና ኣይንክንተርፍን ኢና፣ ብቀጻሊ ክንራኽብ ኢና፣ ኣብቲ በቢ ዕለቱ ሰላምን ብሉጽ ዓለምን ንምሕናጽ ዝግበር ጉዕዞን ዘተን ቀጻሊ ሥምረት ክህልወና ኢዩ ኢሎም።
ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብቲ መደብ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ናይ ድሕሪ ቀትሪ መርሃ ግብሪ፣ ናይ ጽምዋን ኣስተንትኖን ጸሎትን ተፈጺሙ፣ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝተኾልዔ ፋኑስ ብምቕባል ብወግዒ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ዝፍጽምዎ ሓባራዊ ግዳሴን ውጥንን ዳግም ከምዘሕደሱን፣ ኩሎም መንፈሳዊ መርሕቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተፋንዮም ነናብ ዝመጽሉ ቅድሚ ምንቃሎም፣ ናብቲ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቅዱስ መቓብር ሥፍራ ብጽሞና ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም፣ ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣደባባይ ምስ ወጹ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መንሰያት፣ ድሕሪ እቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣሸበርቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝፍፈጸመዎ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተባርዔ ብናይ ሕቡራት መንግሥታታ ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ዝተመርሔ ኅብረ ኣህጉራት ሃይሊ ምክልኻል ጸረ ኣሸበርቲ ውግእ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣብ 2002 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ምስ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ሰለስተ ሳዕ ደጋሚሞም “ደጊም ውግእ ፈጺሙ ከይህሉ” ዝበልዎ ቃል ዘቃልሕ፣ “ደጊም ዓመጽን ውግእን ግብረ ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ብስም እግዚኣብሔር ሰላምን ፍትሕን ምሕረትን ሕይወትን ፍቕርን ከቕርብ” ሓደራ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣብ ዘመሓላለፋኦ ዜና ሓቢረን፣ እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ናይ ኣሲዚ መንፈስ ተጻራሪ ዓመጽ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ ኢለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.