2011-10-26 11:52:44

ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፥ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ሕዝባዊ ሥልጣን ዘማዕድው ኅዳሴ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ምርግጋጽ


ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ህልው ኩነታት ቁጠባን ኤኮኖምን ዓለም ሓቆፍ መሠረት፣ ቅድሚ ትማሊ ንናይ ኩላዊ ማኅበራዊ ጥቕሚ ምርግጋጽ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ሓዝባዊ ሥልጣን ንምምሥራት ዝዓመት ኅዳሴ ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ምርግጋጽ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከል ሰነድ ከምዘውጽኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የመልክት። ናይቲ ሰነድ ሓሳብ ጽማሬ ከምዘመልክቶ እውን ናይ ኩላዊ ማኅበራዊ ጥቅሚ ዝሓሊ ፍሉይ ምስቶም ሓደስቲናይ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ጭብጥታት ዝቃደው ዓለም ሓቆፍ ሥልጣን ምፍጣር፣ ነቲ ኣብ ዓለም ስስዔን ንኣይነትን ሓባራዊ ህርፋንን ብሃብቲ ንምድላብ ዝግበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርኤ ቀጥዒ ኣልቦ ውደራ ዘኸትሎ፣ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎን መፍትሒ ንኽርከቦ እውን ኣሸጋሪ ኮይኑ ንዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ብቑዕ ዓይነተይና መፍትሒ ኢዩ ብምባል ንመላእ ዓለም መንግሥታትን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝቐረበ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ጥቕምን ውሑስ መጻእን ዝምልከትን ኢዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዕለታዊ ናብራዉ ብሓደ ዶላር ዝመርሕ ኮይኑ ኣብ ጽንኩር ድኽነት ወዲቑን፣ ብቐጻሊ ምኽንያት ውጥረት ስደትን ኮይኑ ዘሎ ዘይማዕርነት እናሰፍሔ እውን ከምዘሎን ብምትንታን፣ ብዝባንን መሥዋዕትን ካልኦት ዝረጋገጽ ናይ ውሑዳታ ሃገራት ምዕባለ ማንም ብፍርዲ ዓይነ ኅሊና ክቕበሎ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። እቲ ንመላእ ዓለም ዘሳቒ ዘሎ ኢፍትሓውነት መፍትሒ እንተድኣ ዘይተረኸበሉ፣ ኣብ መዳይ ማኅበራውን ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን ዘስዕቦ ጸበባን ጽልእን ኩናትን ዓመጽ እውን ዘተኣታትውን ክሳብ ነቲ ኣብ ከውሒ ዝቖመ ተባሂሉ ዝንገረሉ ናይ ሥርዓት ዴሞክራሲ መሠረት እውን ንሓደጋ ዘቃልዕ ከምዝኸውን ብምትሕስሳብ፣ ከምቲ ፈላስፋ ሆበስ ዝብሎ ሰብ ንሰብ ተዅላ ንዝኾነሉ ዓይነት ሜላ ኣነባብራ ኢዱ ሂቡ ክነብር ዝደሊ የሎን። ተቐባልነት እውን የብሉን።
እቲ ኣብ ጽገናዊ ለውጢ ዝኣምን ሊበራል ኤኮኖሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ናጻ ተበግሶታትን ናጻ ዕዳጋን፣ ሜላ ሕገ ኣልቦን ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቁጽጽር ወጻኢ ብምዃኑ እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዝተኣታተወ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን መሠረታዊ መንቀሊ ከምዝኾነ ጠቂሱ፣ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ 1967 ዓ.ም. ብናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ፖፑሎሩም ፕሮግረሲዮ-ምዕባለ ኣሕዛብ ብዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢላ ገና ብዓንተውኡ ከምዝኾነነቶን ድሕሪ ምውዳቕ ሥርዓት ዴስነት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “እቲ ናይ ኩሉ ንማኅበራዊ ጥቅሚ ዝኾነ ሃብቲ ዓለም ከም ጥሪት ጥራሕ ዝሓስብ ዕዳጋ፣ ከም ጣኦት ክምለኽ ከምዝኽእል ገና ብእዋኑ ከምዘተሓሳሰቡ ዝዘከረ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሰነድ፣ ቀጺሉ ነቲ ክውን ኤኮኖሚ ብፍላይ ድማ ናይ ድኻታት ሃገራት ጭቡጥ ኤኮኖሚ ግምት ዘይህብን ዘዕንውን ኣብ ምጽንጻን ዝቖመ ናይ ገንዘብ ዕዳጋን ቁጠባን ይኹንን። ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ብቐጻሊ በቲ ኣክንዲ ሓቅነት ንጠቓምነት ዘቐድም ፋይዳኣውነትን ካብ ሓቂ ነገር ብዘቐድም ሥነ ሓሳብ መሠረት ዝምራሕ ኮይኑን፣ እዚ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ ድማ ቐጥዒ ዘይብሉ ልቓሕን መሠረት ኣልቦ ምጽንጻን እውን ኣተኣታትዩ፣ ውጽኢቱ ድማ ዕዳኻ ናይ ምኽፋል ክእለትን ናይ ምትእምማንን ቅልውላው ነቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ንዓበይቲ ናይ ቁጠባ ዓለም ሓቆፍ ተቛማት ምኽንያት ኪሳራ ኮይኑ ዝተረኽበን፣ ነዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተወጠነ ሜላ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ኣብ ጽገናዊ ለውጢ ዝኣምን ሊበራል ኤኮኖሚ መሠረት ገይሩ ዝቐረበ ብምዃኑ ንብዙሓት ሕዝቢ ኪሳራ ምኽንያት ኮይኑ ኢዩ።
እቶም ሰለሥተ ናይ ዕንወት ሥነ ሓሳብ፦ ንሳቶም ድማ ፋይዳእውነትን ውልቃውነትን ናይ ሥልጡን ሙያተይና ምሕደራ ዝብልዎም ናይቲ ዝተኸስተ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው እውን ምኽንያት ከምዝኾነ እቲ ሰነድ ሓቢሩ፣ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ሓባር ጥቅሚ መሠረት ኢዩ። እናተብሃለ ከም ፍጹም ሓቂ ኮይኑ ክቐርብን እዚ ድማ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ከምዘይኮነ፣ ዘማዕበለ እውን እንተኾነ ሃብቲ ንኹሉ ብማዕረ ክባጻሕ ኣይገበረን። ብዝገደደ እውን ዘይማዕርነት እናስፍሔ ስልጡን ሙያተይና ምሕደራ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣእሚኑን ካብ ኩሉ መዳይ ሰብኣውነት ክጠፍእ ገይሩ ኢዩ።
ስለዚህ ሥነ ምግባርን ፖለቲካን ኣብ ልዕሊ ሥነ ቁጠባን ኤኮኖምን እዚ ድማ ዕዳጋ ንኣገልግሎት ወዲ ሰብ ክኸውን ዝገብር ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን፣ ቅልውላው ግብረ ገብነት ኣሎ። ስለዚህ ኤኮኖሚ ንቅኑዕን ትኽክለይና እተሓሕዛ ሃብቲ ገንዘብ ሥነ ምሕደራ ኮይኑ ክርከብ ብመሠረቱ ሥነ ምግባር የድልዮ። ቀዳምነት መንፈሳውነትን ሥነ ምግባርን ቀጺሉ ድማ እቲ ናይ ኩሉ ጥቅሚ ማለት ናይ ማኅበራዊ ጥቕሚ ዝሓልን ዘመሓድርን ዘረጋገጽን ፖለቲካ ቀዳምነት ምልላይን መሠረት ኩሉ ምግባር ድማ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚህ ኣብ መንጎ ሥነ ምግባራዊ ሕንጸትን ሙያዊ ሕንጸትን ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ምምዕርራይ የድሊ፣ ተግባር ግብረ ገብ ኣብ ልዕሊ ሞያን ኃይልታት ማእቶት ክቕድም ኣለዎ ዝበለዎ ሓሳብ፣ እቲ ሰነድ ተወኪሱ ንናይ ምንቅስቓሳት ሃብቲ ገንዘብ ዝኽፈል ቀረጽ ክህሉን በዚ ምሠረት ድማ ሓደ ንናይ ዓለም ጉዳይ መካይዲ ሃብቲ ገንዘብ ምእካብ፣ በዚ ዓይነት ሜላ’ዚ ነተን ብኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው ንዝተጠቕዓ ሃገራት ምሕጋዝን፣ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ሜላ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ማእከላይ ባንክ ቤት ንምቛም ብዝሕግዝ መገዲ ምሕዳስ ከምዝግባእ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ።
ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ 1963 ዓ.ም. ፓቸም ኢን ተሪስ-ሰላም ኣብ ምድሪ ኣብ እተሰምየት ዓዋዲት ምልእኽቲ ብዓንተውኡ ዓለም ናብ ዓለማውነት ምትእስሳር ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም ስለዚ ሓደ ዓለም ሓቆፍ ሓባራዊ ሥልጣን ክቐውም ይግባእ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰብ ዝዘከረ ሰነድ ናይ ፍትሕን ሰላም ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እውን ብወገኖም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሓድሽ ሥርዓትን ሕግን ክህሉ የገድድ በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃገራት ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ፣ ዓለም ሓቆፍ ሕዝባዊ ሥልጣን ምቛም የድሊ ከምዝበሉ ጠቒሱ፣ እዚ ቅውም ሓሳብ’ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ሥርዓት ዝቐውም ናጻ ዕዳጋ ከምኡ እውን ምርግጋእ ዘልብስ ብዘይ ኣስጋዳድን እደ እታውነትን ብዘተን ብስምምዕን ዓለም ሓቆፍ ናይ ፖለቲካ ሥልጣን ምምሥራት። ናይ ሃገራት መንግሥታት ነዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ፖለቲካ ሥልጣን ብዘይ ቅድመ ኩነት መገልገሊ ዘይኮኑስ፣ ንዓኡ ዘማልኡ ኮይኖም ኣብ ምድግጋፍ ዝኣምን ንማንም ሃገር ዘይንጽል ኣብ ማዕርነትን ሃብቲ ንኹሉ ብማዕረ ክባጽሕ ዝብል እማኔ ዘለዎ ሥርዓት መፍትሒ ኢዩ ይብል።
እቲ ኣብ 1648 ዓ.ም. ብናይ ወስትፋሊያ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝቖሞ ዓለም ሓቆፍ ሥርዓት ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ ዝሰግር ሓድሽ ሕብረተሰብኣዊ ኣምር ኣድላይ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ናይ ዓለም ሓቆፍ ምትእስሳራ ግምት ምሃብ ማለት ከምዝኾነን እቲ ሰነድ ሓቢሩ ኩሉ ድማ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዎ፣ ንናይ መጻኢ ወለዶ ሰናይ ዝሓስብን ኣብቲ ናይ ሎሚ ውሳኔ ናይ ጽባሕ እወታዊ ኩነት ዝጸንስ ንርሑቕ ዝሓስብ ኣመለኻኽታ ክምዕብል ኣለዎ ይብል።
እቲ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሰነድ ካብቲ ናይ ምክፍፋልን ፍልልይን ናይ ሓሶት ሓድነት ዝኾነ ባቢሎናውነት ናብቲ መደብ ኣምላኽ ዝኾነ ውህደት ዝብል መንነትን ፍልልይን መሠረት ሓድነት ዝገብር ጽርሓ ጽዮን ሓቀይና ውህደት መዓልቲ ጴንጠቆስጤ ምስግጋር የድሊ። ስለዚህ በዚ መሠረት’ዚ ነቲ ሓባራዊ ጥቅሚ ምርግጋጽ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ሕዝባዊ መንግሥቲ ክቐውም ብምትሕስሳብ ይፍጽም።








All the contents on this site are copyrighted ©.