2011-10-22 14:53:48

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ “ናይ ሓደ ሰብ ሞት ምኽንያት ሓጎስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ”።


ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን “ገበነይና ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ዓለም ብናይ ሓደ ሰብ ሞት ሓጎሱ ክገልጽን ከብዕልን ኣይግብኦን” እንክብሉ ካብ ቲኤምኔውስ ናይ ኅብረመራኸቢ ብዙሓን ናይ ዜና ኣገልግሎት ብዛዕባ መቕተልቲ ገዳፊ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ሊቢያ ከምተን ካልኦት ሃገራት RealAudioMP3 ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ለውጢ ዝተረጋገጸላ ሃገር ምዃኑ ጠቒሶም፣ ዝኾነ ይኹን ዕላማ ደላይ ለውጢ ካብ ሓደ ሓደ መራሒ ናጻ ዘውጽእ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ዜጋን ብጠቕላላ ንኩሉ ሕዝቢ ሓራ ዘወጽእን ናይ ክርስትያን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ናጽነት እውን ውሑስ ዝገበር ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ቲኤምኔውስ ኅብረ መራኸቢ ብዙሓን እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።
ኣብ ማልታን ሊቢያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሶ ካፑቶ ብዛዕባ ኩነታት ሊቢያ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሞት ምኽንያት ሓዘን እምበር ምኽንያት ሓጎስ ክኸውን የብሉን፣ ስለዚህ ሞት ናይቶም ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ሊቢያ ሕይወት ንስቓይ ንሞት ዝደረኹ ካብ ሥልጣኖም ንምእላይ ዝተለዓዓለ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዝወሰደ ናዕቢ ዝተቐትሉ ጌዳፊ፣ ሞቶም ምኽንያት ሓጎስን በዓልን ክኸውን የብሉን። ስለዚህ ኣቲ ዘሎ ኅልዉ ኩነታት ሓድስቲ ለውጢ ዘበሥር ቅኑዕ ድላይ ውሕስነት ዝህብ ናብ ማሕበራዊ ስምምዕ ንዝመርሕ መገዲ ርኽበት ክኸውን ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ ብኹሉ መዳይ ዝፍጸም መደብ ዳግማይ ሕንጸት ምስ ማኅበራዊ ፍትሒ ምትእስሳር ዘለዎ ምክብባርን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ንምርግጋጽ ዝበቕዕ ሥሩዕን ማዕርነት ዝዓሰሎ ማኅበራዊ ምዕባለ እቲ ዚከኣል እንኮን ዘይድገምን ማኅበራዊ ዕርቂ ዝኣመተ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ኣብቲ ዳርጋ ነርባዕተ ዓመት ዘካይዶ ዘለኹ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ልኡኽ ኃላፍነተይን ኣገልግሎትን ምስ ሕዝቢ ሊቢያን ኣብ ሊቢያ ምስ ዝተዋፈራ ናይ ካቶሊክ ማኅበራት ገዳማውያን ርክብ ብምክያድን ብሓቂ ተስፋ ዝንበረሉ ንሰላምን ስምምዕን ምርግጋእን ዝኣመተ ድላይ ሕዝቢ ብቐረባ ክምልከቱ ከምዝእኻሉ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.