2011-10-18 14:57:51

ጉባኤ ምንቅስቓሳት ካቶሊክ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶዲ ብናይ ክርስትና እምነት ብምትብባዕ ዝቖሙ ዝተፈላለዩ ናይ ኢጣሊያ ምንቅስቓሳት ናይ ሓባር ጉባኤ እዚ ድማ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ RealAudioMP3 ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ኣንቀጸ ሃይማኖት ዘንጸባርቑን ዝውከሱን ዝተፈላለዩ ካቶሊክ ምንቅስቓሳት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሕዝባዊ ብኹርነት ሓጢኣታዊ ግድፈት ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ሕዝባዊ ብኹረት ባይታ ዘይምርግጋእ ኮይኑ ውጠረት የስዕብ ኢሎም።
እዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካን ናይ ኤኮኖምን ኣካላት ናይ ማኅበር ሠራሕተይናታትን ናይ ዝተፈላለያ ምንቅስቓሳት ሓለፍትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ኣንቀጸ ሃይማኖት ኣማእኪሎም ኣብ ዝዝትይሉ ዘለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ እቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝወከሱ ኣካላት ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ኣብ ዕለታዊ ናብራን መነባበሮን ክተግሁ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም ክርስትያን ካብ ማኅበራዊ ጉዳይ ከብኩር የብሉን ኢሎም። ናይ ሃይማኖት ክቡራት ናይ ሕይወት ዋጋታት ወትሩ ህልው ኢዩ። ስለዚህ ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ህያው ከምዝኾነን ሃይማኖት ዘለዎ ዓቐን ዘይከሓድ ታሪኻዊ ሓቂ እውን ኢዩ። ስለዚህ ብቓልን ብተግባርን ዝነበር ብምዃኑ ድማ ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ኢዩ። እዚ እተድኣ ተኻሒዱ ሳዕቤኑ ዓመጽን ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን ሰብኣውን ሰብኣዊ ተደጋግፎን ማኅበራውነትን ይዛባዕ።
መንግሥትን ሥርዓት ፖለቲካን ካብ ሃይማኖት ናጻ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ማለት ግን እወታዊ ዓለማውነት ክህሉ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ መንግሥቲ ክበሃል እንከሎ ካብ ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ዘብኩር ሥርዓት ዘስምዕ ክኸውን የብሉ። ስለዚህ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ካብ ቤተ ክርስትያን ዝነቕልን ብቤተ ክርስትያን ዝፈልጥን ብሔራዊ ሃብቲ ኢዩ። ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኣኮነን። ናይ ሰብኣውነት መሠረት ኮይኑ ሃይማኖታውነት ባህርይ ሰብ እዚ ድማ ናይ ፍጥረት ሰብ ሕይወት መጀመሪያን ፍጻሜን ዝምልከት፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነጽር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝምልከት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ቃል ኪዳንን መደብ ሕንጸትን ንወዲ ሰብ ኣብ ኅልው ጊዜን ዕድሎትን ዘቕውም ኢዩ። ስለዚህ ናይ ሃይማኖት ክቡራት ዋጋታት ማኅበራዊ ምግምማዕ ዘስዕብ ኢዩ ዝበሃል ዘረባ መሠረት ኣልቦ ጥራሕ ዘይኮነስ ሐቅነት ውሳጣዊ ሰብ ዝኽሕድ ኢዩ ከምዝበሉ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኻታተሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ዘመሓላልፍዎ ምንጪ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.