2011-10-18 14:54:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ሃብቲ ተፈጥሮ ብቕንዕና ንኹሉ ብማዕረ ክባጻሕ


ዕለት 16 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. መበል 30 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በታ ዕለት ምኽንያት ናብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ዣክ ዲዩፍ “ሃብቲ ተፈጥሮ ብቕንዕና ንኹሉ ብማዕረ ክባጻሕ” ኣብ ዝብል ሓሳብ RealAudioMP3 ዝተማእከለ መልእኽቲ፣ ነቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ንነዊሕ ብዝተኮረ መደብ ምዕባለ ዝተደገፈ ሕጹጽ ረድኤት ክቐርብ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብምኽንያት እዚ “ዋጋ መግቢ፦ ካብ ቅልውላው ክሳብ ምርግጋእ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ቅድሚ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ትራጋሊኖ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በታ ዕለት ምኽንያት ናብ ናይ ፋኦ ዋና ኣመሓዳሪ ዣክ ዲዩቭ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘረከቡ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ብዙሕ ጊዜ ካብ ክውን ትግባሬ ኣዚዩ ዝረሓቐ ኮይኑ ዘሎ እቲ ብዕሊ ዝተኣወጀ ናይ ሕይወት ግቡእ መሰል ቀዳማይን ጭብጥን መግለጺኡ ናጽነት ካብ ናይ ጥመይት ኣርዑት ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም፣ ቅሩብነት መግቢ ብኹነት ናህሪ ዋጋን ነቲ እዋን ሽግር መልሲ ዝህብ ዝነበረ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብምዝባዕ ተፈጥሮ ዝውሰን እናኾነን እዚ ከኣይክል ኣብ ልዕሊ ምህርቲ ሕርሻ ብዝፍጸም ናይ ቁጠባ ምጽንጻን እናተወሰነ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑን ዓለም ብስእነት ብጽጋብን ተከፊሉን ሳዕቤኑ ድማ ግሁድ ምዃኑ ገሊጾም፣ እተን ብስእነት መግቢ ዝሳቐያ ሃገራት ብሃብቲ ተፈጥሮ ዝተዓደላ ክነሰን እቲ ሃብቲ ንናይ ሰብኣዊ መሠረታዊ ኣድላይነት ፍጻሜ ንዝሓሊ ዕላማ ዘይኮነስ ነቲ ዘዕንውን ጸረ ሰብኣውን ንዝኾነ ፍጻሜ መካየዲ ኮይኑ ክርክብ ምርኣዩ ዘሕዝን ኢዩ። ዓለማውነት ምትእስሳር ንኽንቀራረብ ዝደረኸና እውን እንተኾነ ሕውነት ዘየስምዕ እናኾነ። መሠረት ዓለማውነት ምትእስሳር እቲ ብሕውነት ዘቀራርብ ሰብኣውነትን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ፍትሕን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መልእኽቶም፣ ብስእነት መግቢ ንሞት ሓደጋ ተቓሊዖም ንዝርከቡን ካብዚ ሓደጋ’ዚ ገዛእ ርእሶም ነኸድሕኑ ቢሎም ንዝመዛበሉን ሕጹጽ ናይ ድጋፍ ረድኤት ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይቲ ሕዝቢ ናይ መጻኢ ሕይወት እውን ኣብ ግምት ብዘእትው መደብ ልምዓት ዝተሰነየ ኮይኑ፣ ካብ ተመጽዋቲ ንኽላቐቕ ዝሓቀን ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብቑዕ ናይ መካይዲ ሚዛን ገንዘብ ምቕራብ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ካብቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዘሎ ንሕይወት ዘየኽብር ናይ ሕይወት ኣገባብ ምውጋድን፣ ንመጻኢ ወለዶ ጥቅሚ እውን ዘተኮረ ርእሰ ምቁጽጻር ዝዓሰሎ ቅኑዕ ኣገባብ ሕይወት መሠረት ምንባርን፣ ሃብቲ ተፈጥሮ ብቕንዕና ንኹሉ ብማዕረ ምብጻሕ ዝብል ቅዉም ነገር ዘማእከል መደብ ክኸውን ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ደገፍ ማኅበራት ንምዕባለ ሕዝብታት ዘተኮረ ብፍላይ ድማ ናይ ገጠራት ትሕቲ ቅርጽታት ብምርግጋጽ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብግቡእ ንምጥቃም ብዝድግፍ ንናይ ልምዓት መሬት ዘተኾረ ናይ ሕንጸት መደባት ኣብ ምቕራብ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.