2011-10-15 15:18:16

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ሕዝባዊ ሥልጣን ብኽብሪ ምጥቃሙን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ፍሉይ ኣቃልቦ ዝገብር ኢዩ።


ብናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ሮበርቶ ማሮኒ ዝተመርሑ ናይ መላእ ኢጣሊያ ናይ ከባቢ ኅየንተ መንግሥትን ኣመሓደርትን ትማሊ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 RealAudioMP3 ከምእተራኸቡ እንክንገር፣ ቅዱስነቶም ነቶም ናይ መንሥቲ ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን፣ ሕዝባዊ ሥልጣን ዓቢይ ክብርን ህያው ኣቃልቦ ኃላፍነትን ይሓትት ቢሎም፣ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋታትን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቅልውላው ቁጠባን ዘይውሕስነት ኤኮኖሚ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሓላፍነትካን ዝተቐበልካዮ ሥልጣን ግቡእ ቀልብን ጥንቁቕ ምስትውዓል እዚዩ ዝሓትት፣ ብፍላይ ነቶም ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ፍሉይ ኣቃልቦ ዝገብር ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ኣብዚ እዋን እንነብሮ ዘሎና ህልው ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ዘይውሕስነት ኩነት ብምትሕሓዝ ብሔራዊ ሥልጣን ኅየንተ መንግሥቲ፣ ጥንቃቔ ዘድልዮ ተነቃፊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እንተኾነ ግን በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዓሪዱ ብዘሎ ጸገምን ዘይምርድዳእን ተስፋ ከይቆረጽኩምን ከይተሰናበድኩም ዝተቐብልክምዎ ሥልጣን ብዘፍቅደልኩም መሠረት ነቲ ክተመሓድርዎ ዝተወሃበኩም ሕቶ ሓቂ ካብ ምኽባርን ነቲ ልዑልን ፍጹምን ብሉጽን ብትብዓት ካብ ምክልኻሉ ከይቦኸርኩም ክተፈትሑ ጸዓሩ ኢሎም፣ ቅዱስ ኣምብሮዚዩስ ድሕሪ ካብቲ ብዘደንቕ ጥበብ ዘግልግለሉ ዝነበረ ሕዝባዊ ሥልጣን ጳጳስ ክኸውን ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ተሓርየ ሕዝባዊ ሥልጣን ኅርየት እግዚኣብሔርን ከምዝኾነን፣ እቲ ነዚ ኣገልግሎት ዝተሓርየ ልኡኽ እግዚኣብሔር ኢዩ ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፣ ስለዚህ ሕዝባዊ ሓላፍነት ወይ ድማ ሥልጣን ክቡር፣ ዓቢይ ክብርን ህያው ኣቃልቦ ኃላፍነትን ይሓትት ኢሎም። ወጥርን ምስሕሓብን ኣብ ዝቐላቐለሉ እዋን ግብረ ሞያኡን መዝነቱን ብምውህሃድ ዝንበር ናይ ኣገልግሎት ሥልጣን ኢዩ። ናይቲ ሕዝባዊ ሥልጣን ልዑል ሸቶ ንኣገልግሎት ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ሓባራዊ ጥቕምን ምዃኑ ኣነጺሮም፣ ዝኾነ ይኹን መጋበርያን ማለት ሥርዓት መንግሥቲ ፍጻሜ ንኣገልግሎት ዜጋታት ኢዩ። ናይቶም ኣብ ጉዳይ ሕዝባዊ ሥልጣን ዝዓዩ ሠራሕተይናታት ኣገልግሎት መንነት ሰብኣውነት ኣልቦ ወይ ድማ ቢሮክራሲኣዊ ዘይኮነስ ንዜጋታት ግዱስ ደገፍ ዘቕርብ ብናይ ኣገልግሎት መንፈስ ዝምራሕ ተልእኾ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ልምድን ሓፈሻዊ ጉዳይ ኢጣሊያን ሕዝብን ናይ ክርስትና ሃይማኖት ዘሕደሮ እወታዊ ጽልዋን ዝሃቦ ክቡር ሕይወትን ኣሰርን ንናይ ኢጣሊያ ሃይማኖታውን ባህላውን ከይዲ ኩለ መዳያዊ ብፍላይ ነቲ ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ ሥነ ጥበባዊ ቅርሲ መሠረት ኢዩ ብዝብል ሓሳብ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ባህላውን ሥነ ጥበብን ሥነ ፍልጠትን ሥነ ምሕደራን ዘለዋ ግደ ንጹር ኢዩ ቢሎም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም እቲ ርክብ ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.