2011-10-15 15:22:24

ማኅበር ስለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቸንተሲሙስ ኣኑስ- በመል ሚእቲ ዓመት


ነታ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንፈለማ ጊዜ ብዛዕባ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝምልከቱ ሕቶታት ብሥሩዕ ኩነት ተመልኪታን ሥሩዕ መርገጺኣ RealAudioMP3 ዘንበረትሉን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሥልጣናዊ ትምህርቲ እተነጽር ዕለት 15 ግንቦት 1891 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮነ መበል 13 ዝተደርሰት ረሩም ኖቫሩም ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽረ መበል ሚእቲ ዓመት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቸንተሲሙስ ኣኑስ መበል ሚእቲ ዓመት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደርስዋን ብዛዕባ ሥርዓት ማኅበርነትን ርእሰ ማልነትን ካብ ዝሑል ውግእ ዝተረኽበ ዓለም ሓቆፍ ተመኩሮ መሠረት ብምትንታ ኣብታ ረሩም ኖቫሮም ዝተገልጹ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ እዋናዊ እትገብር ዕለት ሓደ ግንቦት 1991 ዓ.ም. ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ምኽንያት ብዛዕባ ሥድራ ቤትን ኤኮኖምን ምትሕብባር ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዘተኾረ ናይ ክልተ መዕልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ሎሚ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ካቶሊክ ዘ ልበ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ልኂቅ መምህር ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሶር ኣልበርቶ ኳዋድሪዮ ኩርዚዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ናይ ክልተ መዕልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ይብሉ ኣገዳስነት ሥድራ ቤት ኣብ ቍጠባን ኤኮኖምያውን መዳይ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ሥድራ ቤት ውሽጢ ኣብ መንጎ ኣባላታ ዝቐውም ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝዳሕሰሰ ኮይኑ እቲ መንፍስ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ሥድራ ቤት ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ነኣሽቱን ዓበይትን ትካላትን ኣብ መንጎ ሠራሕተንይናታትን ወሃብቲ ሥራሕን ዝፍጠር ሙያዊ ርክብ ደጋዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ ሥድራ ቤት መንፈስ ዝኽተል ክኸውን እንከሎ ንዘጋጥሙ ቡዝሓት ብድሆታት ገጢምካ ንምስናፍ ከምዝከኣል ብጭብጢ ዘነጸረ ዓወደ መጽናዕቲ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።
ኣብ ኢጣሊያ ቦሎኛ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ስተፋኖ ዛማኚ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሥድራ ቤት ማእከልን ርእሰ ማል ኅብረተሰብ ኢዩ። ስለዚህ ዝኾነ ይኹን ከይዲ ኤኮኖሚ ኣብ ጥቅሚ’ዚ ማእከል ኅብረተሰብ’ዚ ገንዘቡ ዘዋፍር ክኸውን እንከሎ ንሥድራ ቤት ቀጺሉ ንማኅበርሰብ ስዒቡ ንኅብረተሰብ ጥቕሚ ዝቖመ ኤኮኖሚ ይኸውን። ብዘይ ናይ ሥድራ ቤት ተኽለ መሠረት ሓቀይና ሥርዓት ዴሞክራሲ እውን ምሕናጽ ዝከኣል ኣይኮነን ኢሎም። ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ቤት ምሕደራ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ካልጋኞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሥድራ ቤት ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ማኅበረሰብ መሠረት እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቸንተሲሙስ ኣኑስ ዓዋዲት መልእኽቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ጠቒሶም፣ ስለዚህ ካብ ምሥጢረ ተክሊል ብዝምጭው ሥድራ ቤት ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ውልቃውነት መንፈስ ንምውጋድ ከምዝከኣልን ምእንቲ ሥድራ ቤት ዝሕንጸጽ ሰናይ ዘበለ ናይ ኤኮኖሚ ኮነ ናይ ፖሊቲካ መርሃ ግብሪ ብርግጽ ንመላእ ሃገርን ሕዝብን ዝጠቅም ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን እቲ ውድድር ጥራሕ ዝብል ዝነበረ ኤኮኖሚ በቲ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ሥድራ ቤት መንፈስ ጥራሕ ኢዩ ክስገር ዝከኣል እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.