2011-09-29 14:25:45

እግዚአብሔር አብ ዘለዎ ብሩህ ተስፋ መጻኢ አሎ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብቲ ልሙድ ሶምናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሓለፈ ሶሙን ካብ ሐሙስ ክሳብ ሰንበት ናይ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዓዶም ዓዲ ጀርመን ብዝምልከት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ “አብ ዓዲ ጀርመን ብሩህ ገጽ መንእሰይ ቤተክርስትያንን ካቶሊክ ናይ ምዃን ሐጎስን ተዓዚበ” እንክብሎ ዝተሰምዖም ዕግበትን ሐጎስን ገሊጾም። ቅዱስነቶም ነቲ ዝገበርዎ ጉዕዞ እንክገልጹ ከአ “ንሃገረ ጀርመን ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ካብ ምሥራቅ ክሳብ ምዕራብ በጺሐ፣ አባኡ ዘላ ቤተ ክርስትያን ሕያው ከምዝኾነትን ትርኢት መንእሰያ ከምዘለዋን ተዓዚበ” ቢሎም፣
እቲ ናይ አርባዕተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ጽዑቅን አድካምን እኳ እንተነበረ ቀንዲ ዕላማኦም ንምእመናን ጀርመን አብ ሃይማኖትን ተስፋን ፍቅርን ንምጽናዕ ስለዝነበረ ነዚ ከአ ምሉእ ብምሉኡ ስለዝገበርዎ ዕውት ሐውጾተ ኖልዎን ፈርያም ሐዋርያዊ ግብረ ተልእኮን ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም ከምቲ ነቲ አብ ዝሓለፈ ወርኂ አብ ጀርመን ንዝገበርዎ ናይ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ነዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ እዚ እውን “ዓቢይ በዓል ናይ እምነት” ቢሎሞ፣ ብከተማ በርሊን ጀሚሩ ብከተማ ፍራይ ቡርግ ዝተፈጸመ መበል 21 ዓለም ለኸ ሐዋርያዊ ጉዕዞ ቅ.አ ብድሙቅ አቀባብላ ጀሚሩ ምድንፋቅ ብምዝመልኦ ምስንባት ከምዝተፈጸመ እንከመልክቱ። ልዕሊ ኩሉ ግን አብ ቡንደስታግ ናይ ሃገረ ጀርመን ፓርላመንት ንመሪሕነት ዝገበርዎ ዲስኩር አብ ኩለን ከተማታት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከታት ተልእኾኦም ከምዝግባእ ክፍጽሙ ከምዝሓገዞም አብሪሆም፣ አብቲ አብ ቡንደስታግ ንአባላት መሪሕነት ፓርላመንት ዝገበርዎ ዲስኩር ከመሓላልፍዎ ንዝደለዩ መልእኽቲ እንክገልጹ። “ኣብቲ አጋጣሚ እቲ መሠረት መሰልን ነጻ ሃገር መሰልን ክገልጽ ሓሲበ። ማለት መለክዒ ናይቲ ብአምላኽ አብ ኅሊና ኩሉ ተሓቲሙ ዘሎ መሰላት ኩሉ ክገልጽ ደልዩ፣ ብዛዕባ ተፈጥሮ ንዘሎና አተሓሳስባ ክነስፍሖ ግድን እዩ። ተፈጥሮን ሕጉን እኩብ ድምር ናይ ዝተፈላለዩ ተግባራት ጥራሕ ዘይኮነስ ጽቡቅ ካብ ሕማቅ ፈሊና ምእንቲ ክንክእል እግዚአብሔር ፈጣሪ ዝዓደላ ቋንቋ ምዃኑ ክንግንዘብ የድሊ” ቢሎም፣
አብ ከተማ በርሊን ምስ ሰብሥልጣን መንግሥቲ ጥራይ ዘይኮነ ምስተን ካልኦት ቀንዲ ሃይማኖታት ማለት ቤተ ክርስትያን ጀርመን ምስ አስላምን ዕብራውያንን ዘለዋ ርክብ ግሥጋሴ ዝተዓዘቡሉ እውን እዩ፣ አብዚ አጋጣሚ እዚ ቅዱስነቶም ንሰላማዊ ምዕባሌ ደቂ ሰባት ዘድሊ ቀንዲ ረቋሒ ነጻነት ሃይማኖት ምዃኑ ገሊጾም፣
ካብ በርሊን ብምቅጻል ቅዱስነቶም ዝበጽሕዋ ዓዲ መበቆል ተሓድሶ ከንሻ ዝኾነት ናይ ሉተር ምንጪ ትምህርትን ድሕሪኡ ዝሰዓበን ዝኾነት ከተማ ኤርትፉርት ኮይና። ናባአ ብምኻድ ከአ አብ ገዳም አጎስጢኖሳውያን ነበር ምስ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲ ጀርመን ቤት ምኽሪ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ሥርዓተ ጸሎት አዕሪጎም፣ “ናብ ምሉእ ሓድነት ንክንበጽሕ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓባራዊ ጻዕሪ የድሊ፣ ኮይኑ ግን ነዚ እንብህጎ ሓድነት ወይ እምነት ክንበጽሖ ከምዘይንኽእል ምዝካር የድሊ፣ ባዕልና ዝመሃዝናዮ እምነት ምንም ዋጋ የብሉን ሓቀኛ ሓድነት ካብ አምላኽ እዩ ዝመጽእ። እዚ ጸጋ ሓድነት እዚ እቲ ክርስቶስ ምእንቲ ሓድነት ተኸተልቱ ዝጸልዮን ወትሩ ዝጽልዮ ዘሎን እዩ፣ ነዚ ሓድነት እዚ ክህበና ዝኽእል ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ መጠን ናባኡ ዝተመለስናን መጠን ብኣኡ ክንልወጥ ንኩሉ ኣብ ኢድ ዝገድፈናን መጠኑ ከአ ሓደ ክንከውን ኢና” ብማለት ብዛዕባ ሓድነት ክርስትያን ንጹር መምርሒ ሂቦም፣ ቀጺሎም ብዛዕባ ጨቈንቲ ውልቀ መለኽቲ ናይ ናዝን ኮሙኒስትን ኣብ ዝገበርዎ ዲስኩር እዞም ጨቈንቲ መሲልዎም ንእግዚአብሔር አልዮም አብ እግዚአብሔር ክኾኑ ብምሕሳብ ዘይተአደነ ግፍዒ እኳ እንተፈጸሙ ብዙሓት እንፈልጦምን ዘይንፈልጦምን ቅዱሳን ነዚ እከይ ተግባር ደቂ ሰባት ተጻዊሮም ምስክርነት ዝሃቡ ከምዘለው ጠቂሶም። ካብዚ አደራዕ እዚ ንእስክላ ዘምለጠ ካብቶም ናይ ዳካው ናይ ሕልቂት ማእከል ካብ ዘምለጡ ናይ መጨረሽታ ካህን ሞንሲኞር ሄርማን ሻይፐርስ ምርኻቦም ብርቱዕ ስምዒት ከምዝፈጠረሎም። ከማኡ እውን ናይዚ ግዜና ብርቱዕ ቊስሊ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዘሎ ብውሉደ ክህነት ናይ ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ተራኺቦም ከምዘጸናንዕዎምን ምሳኦም ሓቢሮም ከምዝጸለዩን ገሊጾም፣
ኣብ መወዳእታ ኣብ ፍራይቡርግ ዝተገብረ ናይ ምሉእ ለይቲ ናይ መንእሰያት ናይ ስግደትን ጸሎትን አስተንትኖን መደብ ምስቲ ንጽባሕቲ ልዕሊ 100 ሺሕ ምእመናን ዝተሳተፍዎ ናይ መጨረሽታ ቅዳሴ ከምዘሕጎሶም ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ፣ “አብ ዓደይ ጀርመን እምነት ገና መንእሰይ ምህላዋ ሕያውን ብሩህ መጻኢ ዘለዋ ምዃናን ምስ ተዓዘብኩ ብጣዕሚ ተሐጒሰ፣ ር.ሊ.ጳ ኣብ ሕያው ተሳትፎ መንእሰያት ከምዝተአማመን ደጊመ ገሊጸሎም ብጸጋ ክርስቶስ እዞም መንእሰያት እዚኦም ንሓዊ ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ኩሉ ዓለም ንከብጽሑ ተኽእሎ ዘለዎም እዮም” ቢሎም፣
አብ ፍራይቡርግ አብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ጀርመን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ምስራቃውያን ኦርቶዶክስን ብሓባር ብምስታፎም ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ከምዝተቀራረቡ ዘመልክት ዓቢ ናይ ተስፋ ምልክት ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ መወዳእታ ምስ ብዙሓት ካቶሊካውን ከምዝተራኸቡን ዝተላብውዎን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “አብ ቤተ ክርስትያንን አብ ማኅበረ ሰብን ምስ ዘገልግሉ አሽሓት ካቶሊካውያን ተዘራሪበ። ኣብዚ ዓለማውነት ማለት ሰኩላሪዝም ዓብሊልዎ ዘለዎ ኅብረተሰና ካብ ተጽዕኖ ፍቅሪ ንዋይን ፓሎቲካውያንን ነጻ ብምዃን ንአምላኽ ከርእዩ ክጽዕሩ ከምዘልዎም ኣዘኻኺረዮም” እንክብሉ ብዛዕባ ሐዋርያዊ ጉዕዞኦም ሰፊሕ ትንተና ድሕሪ ምሃብ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ዝነበሩ ብአሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት አመስጊኖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ አሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.