2011-09-29 14:24:13

ብዓለ መስቀል 2004 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ዝንቱ ውእቱ መስቀል . . . . ።
ንባባት፡1ቆሮ 2፡1~12፥ 1ጴጥ 2፡20~ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡19~31፥ ሉቃ 9፡18~28
    ዘኁልቅ 21፡4~9፥ ፍሊጲስዩስ 2፡6~11፥ ግ.ሓ. 2፡22~37፥ ዮሓ 3፡13~17።

ምስባክ፡ 1. ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ።
2. ወአጽንኦ እግዚኦ ለዝንቱ ተሠራዕከ ለነ፥ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም፥ ለከ ያምጽኡ ነገሥት አምኃ። “ኦ አምላኽ ሓይልኻ ግለጽ፥ ስለቲ አብ ኢየሩሳሌም ዘሎ መቕደስካ ነገስታት ውህበት ከምጽኡልካ እዮም” መዝ. 68፡28~29።
ቅዱስ ጳውሎስ አብቲ ጽንኩር እዋን ስብከቱ ብንጹር ዝአምኖ ኽሕብር ምስ ደለ “ንሕና ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና እንሰብኽ” (1ቆሮ 1፡23) ይብል ነበረ። መስቀል ካብ መጀመርያ አብ እምነት ክርስትና እቲ ዝለዓለ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። አብ ስርዓት ሃገርና መስቀል ፍሉይ ክብርን ትርጉምን አልኦ አብ ኩሉ ጸሎታትና ስርዓት ማኅሌታትና መስቀል ንዝክር ንኹሉ ጸሎታትና ብመስቀል ንጅምሮ። አብ ዓመት ክልተ ጊዜ ንዝክሮ፥ ማለት መጋቢት 10 ከምኡ መስከረም 17 ብፍሉይ ጸሎትን ክብርን ዘኪርና ነብዕሎ። መስቀል ንአና ምልክት ተስፋ ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክንአምን ዝሕግዘና ፍሉይ ምልክት መንነት እምነትና እዩ።
አብ ታሪኽ ብፍሉይ ነዚ ናይ ሎሚ ብዓል እንተ ረኤና መሰረቱ እዚ ዝስዕብ እዩ።
    አብ ዝንገር ታሪኽ ብ312 አቢሉ ቆስጣንቲኖስ ምስ ማክሰንቲዩስ ዝብሃል ምቐናቕንቱ ንምሉእ ግዝአት ሮማ ንምግዛእ ተዋጊኡ፥ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ንሰማይ እንተ ጠመተ መስቀል ምስ ሴፍ ርእዩ ከምዚ ዝብል ቃላት ከአ ርእዩ “በዚ ምልክት እዚ ክትስዕር ኢኻ”። ቆስጣንቲኖስ በዚ ምልክት ተበራቲዑ ሴፉ ወሲዱ በቲ ጫፉ ሒዙ ምልክት መስቀል ገሩ ንወተሃድራቱ ንውግእ መሪሑ ስዒሩ ናይ ምዕራባዊ መንግስቲ ሮማ ንጉሥ ኮይኑ። አዲኡ ንግስቲ እለኒ ጽንዒት ክርስትያን እያ ነራ ንወዳ ቆስጣንቲኖስ ካብ ንእስነቱ ትምህርቲ ክርስቶስ ጽቡቕ ገራ አምሂራቶ። ንሱ ንጉሥ ምስ ኮነ ስደት ክርስትና ደው አቢልዎ ዕላዊ እምነት መንግስቱ ገርዎ። አዲኡ ከአ ግማድ መስቀል አብ ኢየሩሳሌም ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ።
    ብ335 ዓ.ም. አብ መስከረም 14 ርእሰ አድባራት ቤተ ክርስትያን ብንጉሥ ቆስጣንጦኖስ አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ተሰሪሓ ተመሪቓ። እዚ ሎሚ እንብዕሎ ዘሎና ናይ እዛ ቤተ ክርስትያን ምርቓ ዝኽሪ እዩ። ቅድምዚ እቲ ቦታ ሃድርያን ዝተባህለ ሮማዊ ንጉሥ ኩሉ አፍሪሱ አብኡ ንአምላኽ ሮማውያን ቨኑስ ምስቲ ንጁቢተር ዝሰርሖ ምስሊ ገሩ አብ ቀራንዮ ሰሪሕዎ እዚ ኸአ ነቲ አብ ከባቢ ዝነበረ ኩሉ ዝፈርስ አፍሪሱ ዝጸሪ አጽርዩ ከም ብሓዲስ ሰሪሕዎ። አብ ዳሕራይ ዓመተታ ቆስጣንቲኖስ ምስ ነገሰ ንግስቲ እለኒ ንመስቀል ክርስቶስ አብቲ ሃድርያን ቤተ መቕደስ ዝሰራሓሉ ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ። ድሕሪ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ንጉስ ፋርስ ኮስሮይስ ዝተባህለ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ሒዙ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ንፔርስያ ወሲድዎ። ድሕሪ 14 ዓመት ባዝንትንያዊ ንጉሥ ሄራክልዩስ ዝተባህለ ንንጉሥ ፋርስ ስዒሩ ንመስቀል ክርስቶስ አብ ኢየሩሳሌም አምጺእዎ። ብዓቢ ዓጀባን ጽቡቕ አልባሳትን ወርቃዊ ሽልማታትን ተሸሊሙ ንመስቀል አብ መንኩቡ ተሰኪሙ አብታ ቆስጣንቲኖስ ዝሰርሓ ቤተ ክርስትያን አብ ቀራንዮ ክመልሶ እንከሎ አብ አፍደገ ቤተ ክርስትያን ምስ በጽሐ ክንቀሳቐስ አይከአለን። ሓደ ዘይርኤ ሓይሊ ምእታው ከሊእዎ ክንቀሳቐስ አይከአለን። በቲ ጊዜ ናይ ኢየሩሳሌም አቡን ዝነበሩ ዘካርያስ ዝተባህሉ ከምዚ ኢሎም ተዛሪቦሞ “ በዚ ለቢስካዮ ዘሎኻ ዘግይጽ አልባስካ ካብ ኢየሱስ እቲ ድኻ ምእንቲ ድሕነትና መስቀል ዝተሰከመ ብዙሕ ተፈሊኻ አሎኻ” ስለዚ ክዳውንትኻ ቀይር ኢሎሞ። ሽዑ ንጉሥ ክዳውንቱ ቀይሩ ምስ ቀረበ ክአቱ ክኢሉ ንመስቀል ከአ አብታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ ቀራንዮ አብኡ መሊስዎ። ነዚ እና ዘኪርና እነብዕል ዘሎና። እዚ እዩ ድሕሪ ባይታ ታሪኽ እዚ ሎሚ እነበዕሎ ዘሎና።

መዝሙር፡ ንትርጉም መስቀል ክገልጽ ከምዚ እናበልና ንዝምር፦“መስቀል ብሓቂ ድንቂ እዩ፥ አብ ብርቱዕ ነገር ሠናይ ንምግባር ብቐሊል መገዲ የጽንዓና፥ መስቀል ኃጢአት ይምሕር፥ ጻድቃን ካብ ደብረ ልዑል ኃጥአን ካብ ምድሪ ካብ ማእከል ኩኔን ጸውዑ፡ ንኖና ጽዮን ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጾ ማዕበል ሃድአላ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጻ ደቂ እስራኤል ብእግሪ ተሳገሩ ንሕና ብሓይሊ እዚ መስቀል ረድኤት ከም ዝውሃብ ንአምን፡ መስቀል አብ ማእከል ጸላእቲ ረዲኤትን ኃይልን ጽንዓትን ድኅነትን ምዃኑ ንአምን መስቀል ኃይልናን ጸግዕናን እዩ”።
ኩል ምስ መስቀል አተአሳሲርና ክንርእዮ እንከሎና ካብ አምላኽ ምሕረት የምጽአልና። አብ ኩሉ ሕይወትና ከም አመንቲ ካብ መስቀል ዝተፈለ ሕይወት ሒዝና ከይንጉዓዝ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና የዘኻኽረና። ቅዱስ ዮሓንስ አፈ ወርቂ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት አበው ብዛዕባ መስቀል አብ ዝጽሓፎ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ነንብብ፦
“ መስቀል ናይ ክርስትያን ተስፋ እዩ፥ መስቀል ናይ ሙታን ትንሣኤ እዩ፥ መቀል ናይ ዕዉራት መርሕ እዩ፥ መስቀል ናይ እቶም ተስፋ ዝቖረጹ ተስፋ እዩ። መስቀል ትንቢት ነብያት እዩ፥ መስቀል ስብከት ሓዋርያት እዩ፥ መስቀል ክብሪ ሰማዕታት እዩ፥ መስቀል መጎስ ጻድቃን እዩ። መስቀል ናይ መነኮሳት ጽሞና እዩ፥ መስቀል ናይ ደናግል ንጽሕና እዩ፥ መስቀል ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት እዩ፥ መስቀል ናይ ዓለም ምርግጋእ ሰላም እዩ” (ግብረ ዮሓንስ ቍ 2)።
ኩሉ ሕይወት ሓደ ክርስትያን አብ መስቀል ክጽጋዕን አብኡ አሚኑ ክነብር እንከሎ ብኹሉ ተሓድሶ ይረክብ። ንመስቀል ጠሚትና ክንክእል እንከሎና ንኹሉ ዝጓነፈና ክንስዕሮ ንኽእል ኢና። ንመስቀል ክንስከም እንከሎና አብ ዓወትን ተስፋን ክንሰግር ኢና እዚ እዩ ርድኢት ዮሓንስ።
አብ ካልእ ጽሑፉ ቅዱስ ዮውሓንስ አፈወርቂ ናይ መስቀል ጥቕምን ንሱ ዝህቦ ጸጋን ክረድአና ኢሉ ከምዚ ይብል “ ርኹስ መንፈስ አብቲ ዝተሃርመሉን ዝቖሰለሉን ሴፍ ምስ ረአየ አብቲ ብዓል ሴፍ ክቐርብ አይክእልን እዩ ስለዚ አብ አባይትና አብ መናድቕና አብ መዓጹና አብ ግንባርና አብ አፍልብና አብ አጻብዕና አብ ክሳድና ናይ መስቀል ምልክት ይሃልወና ምኽንያቱ መስቀል ዓወትና እዩ፥ ካብ ኩሉ ዝተዋህበና ጸጋ በረኸት ዝለዓለ እዩ፥ ሽልማት ቤተ ክርስትያን እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ መስቀል አብ አእምሮኹም ከም ማሕተም ሕተምዎ” (ግብረ ዮሓንስ ቍ 7)። ሕይወት ሓደ ተኸታል ክርስቶስ ብመስቀል ክልለ እንከሎ ዓቢ ዓስቢ አልኦ።
መስቀል ክንስከሞ ዘይንኽእል ከቢድ ነገር አይኮነን ነዚ ከረድአና ኢሉ ኢየሱስ “መስቀለይ አብ መንኩብኩም ተሰከሙ እሞ ካብኡ ተምሃሩ” ይብለና። ንሱ ምሳና መስቀል ዝጸውር እንተ ኾይኑ ከመይ ኢሉ እሞ ክኸብደና። እንተኾነ መስቀልና ምስ ካልእ ነገራት ብወርቅን ካልእ ግዙፍ ነገራት እንተ ጾርናዮ ክኸብደና እዩ። ልብና አብ ክልተ ነገር ስለ ዘቶኩር ክምቀል እዩ። አብ ዓለምና እንተ ረኤና ሰባት ብናብራ ዓለም ርቡሓት ክኾኑ እንከለዉ ልቦም አብ ክልተ ስለ ዝምቀል ዘይሕጉስ ሕይወትን ካብ አምላኽ ዝርሓቐ ሕይወት ሒዞም ይነብሩ። ሕይወቶም ብተስፋ ዘይብሉ ስቓይ ይልለ።
ትርጉም ሕይወትና ክንፈልጦ አሎና። አበይ ገጸይ እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ክንሓትት ይግብአና። አምላኽ ክንሳቐ ክርእየና እንከሎ ደስ አይብሎን እዩ ብፍላይ ንስለ ስቓይ ኢልና ክንሳቐ ከሎና። ንሱ ንሓጎስ እዩ ፈጢሩና ንአዳም ሔዋን አብ ገነት እዩ ፈጢርዎም። ንኹሉ ዝፈጠሮ ክሕጎሱሉ ሂብዎም። ሰብ ንሓጎስ እዩ ተፈጢሩ። መስቀል ፍሉይ ትምህርቲ ኢዩ ዝህበና። ክርስቶስ ዝሞቶ ንሕና ካብ ናይ እዚ ዓለም ማእሰርቲ ንክፈትሓና ኢሉ ጥራሕ አይኮነን መይቱ፥ ሞቱ ነቲ አምላኽ አባና ዘልኦ ዕሞቕ ፍቕሩን ክሳብ ርእሱ ምሃብ ዘብጽሖ ይገልጸልና። ናይ ስቓይ ፈውሲ ርእስኻ ምሃብ እዩ። አብ ሕይወት እቶም ሕይወቶም ምእንቲ ካልኦት ዝህቡ እቶም ዝተሓጎሱ ሰባት እዮም፥ ባዕልና ሕጉሳት ምዃኖም እንፈልጦም ሰባት ንሕተት ሽዑ ንርእሶም ዝህቡ እዮም። አብ ሕይወት መጠን ዝሃብካሉ መጠኑ ትረክብ። እቶም ብዙሕ ዘፍቅሩ ብዙሕ ይፍቀሩ ኩሉ የፍቅሮም። እንተኾነ ርእስኻ ምሃብ አብ ትሕቲ እምነት ናይ እዚ ዓለም አብ ትሕቲ አማልኽቲ ክአቱ ይክአል እዩ። ናይ እዚ ዓለምና እምነት ብዙሕ ምርካብ፥ ምግዛእ፥ ስሳዔ ክዕብልል ዝብል እዩ። አብኩሉ ውድድር ይርኤ። ልዕሊ ኩሉ ክትከውን ምጽዓር እዝን ካልእን ካብቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ክፈልየና ይኽእል። ንብዙሓት መስቀል ዝኸብዶም ዘይትርጉሙ ስለ ዝህብዎ እዩ።
አብ መስቀል ክንጥምት እንከሎና አብ ርእስና ክንጥምት ይሕግዘና። መስቀል ልዕሊ ምልክትን አምሳልን እዩ። መስቀል ሕይወትና ርእስና አብ ምሃብ አብ መስዋዕቲ ክነሕልፎ ይነግረና። ከምቲ ንሱ ንርእሱ ኢሚንቲ ገሩ አብ መስቀል ዝተወፈየ ንሕና ኸአ ንርእስና ኢሚንቲ ክንገብር ይግብአና። መስቀል ምልክት ዕሽነት እዩ፥ ንሱ ንናይ እዚ ዓለም ነገራት ዝጻረር እዩ። መስቀል ምልክት ነጻነትን ሓርነትን እዩ። መስቀል ዝነገረና ከምቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ሕይወት እንተ ነበርና፥ ብመገዱ እንተ ተጓዓዝና፥ሓቁን ሕይወቱን ነጻነት እዚ ዓለም ክህቦ ዘይክእል ይህበና።
መስቀል ዘደንቕ ምልክት ናይ ዝጻረር ነገር እዩ። አብ ዓለም እቲ ብዝያዳ ዝፍለጥ ምልክት እምነትዩ። ምልክት ፍቕሪ አምላኽዩ፥ ሕድገትን ድሕነትን ኮይኑ ብርእሱ ተአምራት እዩ። አብ ጥንታውያን ሮማውያን ምልክት ውርደት፥ ስቓይን ሞትን እዩ ነሩ። አብ ናይ ዘመና ርድኢት ክንገልጾ እንተ ኾና ብኤለትሪኽ ዝቐትል መንበር ወይ አብ ምሕናቕ ሰብ ዝጥቀሙሉ መስሓቢ። ሞት አብ መስቀል ጭካኔን ክፍአትን ዝመልኦ ስለ ዝኾነ ነቶም አብ ውግእ ዝተማረኹ ወይ ባራዩ ጥራሕ ዝቕጽዑሉ እዩ ነሩ። ናይ ሮማዊ ዘግነት ዘልኦ ጨሪሹ አይስቀልን እዩ። አብ ግዜ ቆስጥንጢኖስ እዚ ሕጊ ነሩ ይኸውን እዩ እንተኾነ ራእይ መስቀል ምልክት ዓወቱ ክኸውን እዩ ዝብል ምስ ረአየ ንሱን አማኸርቱን ገሪምዎም ይኸውን እዩ። መስቀል ምልክት ዓወት ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ።
እዚ ዝጻረር ነገራት አብ መስቀል ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዘሎ። አብ አብያት ክርስትያናትና ዝተፈላለየ ርድኢትን ትርጉምን መስቀል ንርኢ፥ ካብቲ ኢየሱስ ዝሞተሉ ጀሚርካ ክሳብ ዝተንስአሉን ብግርማ ዝኸበረሉን ዝተፈላለየ ነገራት ንርኢ። አብ ንባባትና ናይ መስቀል ናይ ምሕረት ሓይሉ ንርኢ። እቲ ሙሴ አብ በረኻ ዝሰቐሎ አስራዚ አምሳል ናይ ኢየሱስ ስቕለት እዩ። እቲ ስቕለት አብ ባላ ዝነበረ ንእስራኤላውያን ምንጪ ምሕረቶም ኮይኑ።
ኩልና ሎሚ ንመስቀል ሕራይ ኢልና ክነብዕሎ ኢና መጺእና ዘሎና። ኩልና ክንጾር ዝውሃበና መስቀል አሎና እሞ መስቀልና ጸርና ዘሎና። አበይ እዩ ከቢዱኒ ዘሎ አበይ እየ ምጻሩ ጸጊሙኒ ዘሎ ኢልና መስቀልና ንምጻር ክነሔድሶ እዩ ምኽንያት ብዓልና እምበር ንስለ ብዓል አይኮናን እነብዕል ዘሎና። መስቀል ነባሪ ስቓይ አይኮነን መስቀል አብ ሞትን ትንሣኤን ዘብጽሕ ስለ ዝኾነ ከቢዱኒ ኢልካ ዘይምሕዳጉ እዩ ዝምረጽ።
ቅዱስ ቄርሎስ ብዓል ኢየሩሳሌም አብቲ ምልክት መስቀል አብ እንገብሮ ብዝሃቦ ክንዓጹ አስተንትኖና “ብመስቀል ክርስቶስ ከይንሓፍር፥ ገለ እንተ ሓብእዎ ብግሉጽ አብ ግንባርና ንግበሮ፥ እቶም አጋንንቲ ነዚ ክቡር ምልክት ምስ ረአዩ ካባና ክበሩ እዮም፥ ክትበልዑን ክትሰትዩን ከሎኹም ትእምርተ መስቀል ግበሩ፥ኮፍ ክትብሉ ከሎኹም፥ ክትድቅሱ ከሎኹም፥ ክትንስኡ ከሎኹም፥ ክትዛረቡ ከሎኹም ክትከዱ ከሎኹም አብ ዝኾነ አጋጣሚ ምልክት መስቀል ግበሩ። እቲ ዝተሰቕለ አብ ሰማይ አብ ላዕሊ እዩ ዘሎ” እናበለ መስቀል አብ ኩሉ እንተ ገበርና ጥቕሚ ከምዘልኦ ይሕብረና።
በዚ ምልክት መስቀል ክንስዕር ኢና። ኢየሱስ አሎ፥ ተንሢኡ እዩ፥ የፍቅረና እዩ በዚ ኽአ ካብ ዝኾነ ዝሳቕየና መስቀል ክሕግዘና ከሕውየና ድላዩ እዩ፥ ብዝያዳ ኸአ አብ ሰማይ አብ ቅድሚ ሰማያዊ አብኡ ክንርከብ ይደልየና እዩ።
ትርጉምን ምስጢርን መስቀል ብዝያዳ ዝተረድኤት ማርያም እያ አብ ትሕቲ መስቀል እንከላ ንሱ ወዳ አብ መስቀል እንከሎ አደ ክትኮነና ሂቡና ስለዚ ጣዕምን ምስጢርን መስቀል እንርድአሉ ጸጋ ካብ ወድኺ ለምልና ንበላ።
ርሑስ መስቀል በሪቑ ስኡን ዝጸግበሉ ብኡስ ዝዕረቐሉ ሕሙም ዝሓውየሉ ሽጉር ዝርህወሉ ስኡን ዝዕንገለሉ እሱር ዝፍትሓሉ ዓመት ይብረቐልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.