2011-09-29 14:27:07

መርኃ ግብር ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ ናብ በኒን


ክፍሊ ኅትመት ናይ ቫቲካን ትማሊ መርኃ ግብር ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብወግዒ አፍሊጡ፣ እዚ መበል 22 ዓለም ለኸ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝኾነ ሐውጾተ ኖልዎ እዚ ካብ ወርኂ ኅዳር ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 2011 ዓም ከምዝካየድ ተመልኪቱ፣ አብዚ አጋጣሚ እዚ ነቲ ቅድሚ ዓሚ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ስዒቡ ዝወጽእ ቃለ ምእዳን ድኅረ ሲኖዶስ ናይ ር.ሊ.ጳ እውን ንጳጳሳት አፍሪቃ ብወግዒ ክዕደል ምዃኑ ይምልከት፣ በዚ መርኃ ግብር መሠረት ር.ሊ.ጳ ኣብ ርእሲ ከተማ በኒን ኮቶኑ ዓርቢ ዕለት 18 ኅዳር አጋ ምሸት ክአትው ብኡ ንብኡ ከአ ንካተድራል ናይታ ከተማ ክበጽሑ ምዃኖም ተሐቢሩ፣ ንጽባሒቱ ምስ ሰበሥልጣን መንግትን ወከልቲ ተቅዋማት ናይታ ሪፓብሊክ አካላት ዲፕሎማስን ወከልቲ ቀንዲ ሃይማኖታት አብ አደራሽ ፕረሲደንት ክራኸቡ እዮም፣ ካብዚ ብምቅጻል ንመቃብር ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል በርናርዲን ጋንቲን ንክበጽሑን ምስ ካህናትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ንክራኸቡን ዊዳ እትበሃል ከተማ ክኸዱ እዮም፣ አብ ከተማ ዊዳ ናብ ባሲሊካ ንፅሕት ፅንሰታ ለማርያም ክበጽሑን አባኡ ከአ ነቲ ድኅረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ምዕዳን ክታሞም ከንብሩሉ እዮም፣ ዽሕሪ ፍርቂ መዓልቲ እንደገና ናብ ከተማ ኮቶኑ ተመሊሶም ናይ ደቂ ፍቅሪ ሚስዮናውያን “ሰላምን ደስታን” ዝብል ማእከል ክበጽሑ ቀጺሎም ምስ ሕፃናት ክራኸቡ አብ መወድእታ ከአ ምስ አቡናት በኒን ክራኸቡ እዮም፣ ሰንበት ዕለት 20 ኅዳር አብ ሜዳ “ሽታድ ድ ላሚትየ” ናይ ኮቶኑ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከማኡ እውን ነቲ ድኅረ ሲኖዶሳዊ ሐዋራያዊ ምዕዳን ንጳጳሳት አፍሪቃ ከረክቡ እዮም፣ ድሕሪ ቀትሪ አብ ካርዲናል በርናርዲን ጋንቲን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ከተማ ኮቶኑ ናይ ምፍናው ሥርዓት ክካየድ ብድሕሪኡ ንሮም ገጾም ከምዝነቅሉ ተሐቢሩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.