2011-09-23 09:29:24

ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጀርመን ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ትውልዲ ሀገሮም ጀርመን ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ሎሚ ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ነቂሎም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 10 አብ መዕረፍ ነፈርቲ ተገል ርእሰ ከተማ በርሊን አትዮም።

በነዲክቶስ መበል 16 ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ተገል ምስ በጽሑ ብናይ በርሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ራይነር ማሪያ ቮልኪ ናይ ጀርመን ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ሮበርት ጾሊሽ ዝተመርሑ ሰበስልጣናት ቤተ ክህነት፡

ናይ ፌደራል ረፓብሊ ጀርመን ርእሰ ብሔር ክርስትያን ዉልፍ ናይ መንግስቲ ጀርመን ቻንስለር ኤንገላ ሜርክል ካልኦት ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ብሐጎስ ድሙቅ አቀባብላ ጌሮምሎም ።

ርእሰ ብ ሔር ክርስትርያን ዉልፍን ቻንስለር ኤንገላ ሜርክልን አብቲ መዕረፍ ነፈርቲ ዝርከብ መቀበሊ አጋይሽ ሰንዮሞም ንሐጺር ግዜ ክአ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተዘራሪቦም።

ብድሕሪ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናብቲ ርእሰ ብሔር ዝነብሩሉ በለቩ ዝተባህለ ብ1785 ዝተሃንጸ ጥንታዊ ግምቢ አምሪሖም አብኡ ርእሰ ብሔር ክርስትያን ዉልፍ ምስ ስድራ ቤቶምን ሰበስልጣናት መንግስትን ተቀቢሎሞም ።

ናይ ቅድስቲ መንብርን ጀርመንን ሀገራዊ መዝሙር ተዘሚሮም ፡

ርእሰ ብሄር ክርስትያን ዉልፍ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም።

ቃል ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በዚ ዝገበርኩምለይ ዉዉዕን ሕያውነት ዝመልኦን አቀባብላ ሐጎስ ይስምዓኒ እግዚአብሔር ይሃበለይ ፡ አብ ፌደራል ረፓብሊክ ጀርመን ሐዋርያዊ ዑደት ክገብር ርእሰ ብሔር ክርስትያን ዉልፍ ዝገበርኩምለይ ዕደመ ከየመስገንኹኹም ክሐልፍ አይደልን የቀንየለይ።

ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ፈዴራል ጀርመን ከምኡ ክአ አባላት ቡንደስታግ ፓርላማ ጀርመን ናይ ምምሕዳር ከተማ በርሊን ወኪላት አብዚ ተረኺብኩም ከም ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስ ዝገበርኩምለይ ብክብሪን ሕያውነትን ዝተሰነየ አቀባብላ ከመስግነኩም ይደሊ ኢሎም።

ናይ በርሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ራይነር ማሪያ ቮልኪ ሊቀመንበር ረኪበ ጳጳሳት ጀርመን ብፁዕ አቡነ ሮበርት ጾሊሽ ናይ ኤርፉርት ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ቫንከን ንኹሉም አባላት ቤተ ክህነትን ንዝገበሩለይ አቀባበልን ምስ ርእሰ ብሔር ብሐባር ጀርመን ንኽበጽሕ ዝገብሩለይ ዕድመን ብልቢ የመስግን ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ።

አተሐሒዞም ነዚ አብ ትውልዲ ሀገረይ ጀርመን ነርባዕተ መዓለቲ ዘካይዶ ሐዋርያዊ ዑደት ዘዳለዉ ብጽቡቅ ክዛዘም ንዝሰርሑ ዘለዉ ኩሉም ክአ ልባዊ ምስጋና የቅርብ ኢሎም ።

እዚ አብ ጀርመን ዘካይዶ ወግዓዊ ምብጻሕ አብ ሞንጎ ቅድስቲ መነበርን አብ ሞንጎ መንጎ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊት ጀርመን ዘሎ ጽቡቅ ርክብ ብዝበለጸ ከጽንዖ ከም ዝኽእል በነዲክቶስ መበል 16 ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

አተሐሒዞም ክአ ርእሲ ኩል ግሉጹን ብሩህን ክኸውን ዝደልዮ እዚ አብ በርሊን ሎሚ ዝጅምሮ ዘለኹ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምቲ መራሕቲ ምንግስታት ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብሩ ከለዉ ፖሊቲካውን ኤኮኖምያውን ትሕዝቶ ዘለዎ ዘተ ዘካይዱ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ንምርኻብን ብዛዕባ እግዚአብሔር ፈጣሪ ኩሉ ንምዝራብን ከም ዝኾነ ኢዩ ኢሎም ።

አብ ጀርመን ሃይማኖት ብዚምልከት ሸለልትነት ከም ዝርኤ ጠቂሶም ክርስትያናዊ ባህልን ክብርን ክዕቀብ ከም ዘድሊ አገንዚቦም።

እዚ አብ ሰበኻታት በርሊን ኤርፉርት አይሽስፈልድ አብ ፍራይቡርግን ዘካይዶ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ንእምነታዊ ሞራላውን ሕልናውን ዘንቀሳቅስ ክኽወ ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ግምቢ በለቩ አገንዚቦም።

ብድሕሪ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ርእሰ ብሔር ክርስትያን ዉልፍን አብቲ ህንጻ ዝርከብ መቀበል አጋይሽ ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ ነቲ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ ዝከታተልዎ ዘለዉ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም።

በዞም መራኸቢ ብዙኀን እዚአቶም ፡ ርእሰ ብሔር ጀርመን ክርስትያን ዉልፍ ስድርኦም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አላልዮምዎም ፡ ህያብ ክአ ተለዋዊጦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ አዳራሽ በለቩ ብናይ በርሊን ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ አቡነ ራይነር ማሪያ ቮልኪ ተሰንዮም ንቤት ጽሕፈት ረኪበ ጳጳሳት ጀርመን ከም ዝተጓዙ ተፈሊጡ አሎ ።

ናይ መንግስቲ ጀርመን ቻንስለር ኤንጌላ መርክል ምስ በዓል ቤተንን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ናብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝርከብሉ ቤት ጽሕፈት ርፈኪበ ጳጳሳት ጀርመን መጺኤን ምስኦም ከም ዝተራኸባ እቶም መራኸቢ ብዙኀን ሐበሬታ ሂቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቻንስለር ኤንጌላ መርክልን ብብሕቲ ከም ዝተዘራረቡን ህያብ ከም ዝተለዋወጡን ተነጊሩ።



ድሕሪ”ዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ ቤት ጽሕፈት ረኪበ ጳጳሳት ጀርመን ናብቲ ካቶሊካዊ አካዳሚ በርሊን ተጓዒዞም ምስ ዘሰነይውምን ጳጳሳት ጀርመንን ብሐባር ከም ዝተመስሑ ብድሕሪኡ ንዕረፍቲ ናብቲ ቤተ ጵጵስና ወኪል ቅድስቲ መንበር አብ ጀርመን ከም ዝተጓዕዙ እቶም ነቲ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝከታተሉ ዘለዉ ማዕከናት ዜና አገንዚቦም።

በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 0415 ንቡንደስታግ ፓርላማ ጀርመን ከም ዝተጓዕዙን ናይ ፓርላማ ፕረሲደንት ቻንስለር ጀርመንን ብዙሐት ላዕሎዎት ሰበስልታናት መንግስትን ድሙቅ አቀባብላ ከም ዝገበሩሎም እቶም ማዕከናት ዜና አመልኪቶም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ቡንደስታግ ፓርላማ ጀርመን ክርስትያናዊ ራእይ ሕብረ ሰብ ዘተኮረ ዲስኩር ጌሮም።

አብ ቡንደስታግ ዝገበርዎ ዲስኩር ምስተፈጸመ አብ ራይሽስታግ በርሊን ምስ ማሕበረ ሰብ አይሁድ ጀርመን ከም ዝተራኸቡን ፡ ናይቲ ማሕበረ ሰብ ፕረሲደንት ዲተር ግራውማን ናይ እንቋድሐን መጻእኩም ዲስኩር ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ አሎ ።

ብድሕሪኡ ሰዓት ሽዱሽተን ዓሰርተን ናብ ኦሊምፒያ ስታድዮን ከም ዝተጋዕዙን ናይ ከተማ በርሊን ከንቲባ ናይ እንቋድሐን መጻእኩም ዲስኩ ከም ዝገበሩ ክምልከት ከሎ በነዲክቶስ ነቶም አብኡ ዝጸበይውም ዝነበሩ ምአመናን እናተዘዋወሩ ሰላም ከም ዝበልዎም ተገሊጹ ።

ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ኦሊምፒያ ስታድዮን በርሊን ሰብዓ ሺሕ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ።

ድሕሪ ፍጻሜ ቅድሴ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቃን ናይ ምሸት ናብቲ ዝሐድሩሉ ቦታ ናብ ቤተ ጵጵስና ወኪል ቅድስቲ መንበር ተመሊሶም ሥርዓተ ድራር ከም ዝተፈጸመን ናይ ሎሚ ውዕሎ ሐዋርያዊ ዑደት ጀርመን ፍጻሜ ከም ዝኾነን ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.