2011-09-13 13:46:42

ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ኒውዮርክ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግሥታት ዝኽሪ መስከረም 11

 


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ቹሊካት ብምኽንያት መበል 66 ክፋል ጠቕላላ ጉባኤ ዘካይዶ ሓፈሻዉ ኣኼባ ዝኽሪ RealAudioMP3 ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. መደብ ጸሎት ከምዘነቓቕሑ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ጸሎት መደብ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ቁምስና ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ቤተ ሰብ ዝተፈጸመ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቀጺሉ ናይታ ቤተ ክርስትያን ቆሞስን ናይ ኒውዮርክ ርእሰ ሰበኻ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ድርገት ኃላፊ ክቡር ኣባ ሮበርት ሮቢንስ ከምዝኾኑን ኣብቲ ናይ ጸሎት መጸብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እውን ከምእተሳተፉ የመልክት።

ኣብቲ ናይ ተዝካር ጸሎት ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ዶላን ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ዝተሳተፉ ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ደኒስ ሱሊቫን ከምእተነበን፣ ዕለት 2 ጥቅምቲ 1979 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ጉባኤ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቐስ መልእኽቲ ከምእተነበን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ጸሎት ሓሳብን ከምኡ እውን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን መሠረት ምእንቲ ሰላም ንመላእ ዘርኢ ሰብ ከምእተጸለየ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.