2011-09-13 13:43:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ “እግዚኣብሔር ከም ናይ ግሊ ንብረት ኣብ ዘይምሕሳብ ኃይማኖት ኃይሊ ሰላም ይኸውን”።


ኣብ ጀርመን ከተማ ሚዩኒክ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሠር ተኸቲሉ እቲ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ኣሲዚ ዘበገስዎ ምሁራትን ናይ መንግሥቲ ኣካላትን ዝዋስእሉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ርክብን ጸሎትን መሠረት፣ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ RealAudioMP3 ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ናይ ሓባር ዘተ ዝሓለፈ ሰንበት ከምዘጀመረ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ጉባኤ ናይ መኽፈቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉን ብዘስምዕዎ ዘረባ ንዘጀመሩ ብናይ ሚዩኒክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ስም ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ “እግዚኣብሔር ከም ናይ ግሊ ንብረት ዘይምሕሳብ ኃይማኖት ኃይሊ ሰላም ምዃኑ ይረጋገጽ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ዘተሓላለፈኦ ምንጪ ዜና ይሕብር።

እቲ ናይ ጀርመን ርእሰ ብሔር ክርስቲያን ዉልፍ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ጉባኤ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኒው ዮርክ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. በዘስካሕክሕ ናይ ኣልቃይዳ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝኾኑ ንፁሓን ዜጋታት ዝኽረ መበል 10 ዓመት ምኽንያት ኣብ ኒውዮርክ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሚዩኒክ ናይ ዝተፈላለያ ኃይማኖታት ጉባኤ ብስማዐ-ምርኢታዊ ከምእተኸታተሎ እውን እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ወዲ ሰብ ሕድ ሕዳዊ ምትእስሳር ዘለዎን ተራኻቢ ፍጥረት ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ስለዚህ ሰብ ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል እንተድኣ ዘይተመህረ ብሓቂ ገሃነም ክኸውን ንዝኽእል ሓባራዊ ናብራ እወታዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ናይ ምግባር ተልእኾ ኣለዎ” ከምዝበሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ገዛእ ርእስኻ ምዃንን ንኻልኦት ገዛእ ርእስኻ ክፉት ምግባርን ምውፋይን እዚ ድማ ብሓቂ ዓቢ ኃያብ ምዃኑ የስተምህሩ።

እዚ “ብሓባር ንኽንነብር ጽሕፍቶ ኢዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጉባኤ፣ እቲ ብሓባር ንኽነብር ዝተጸውዔ በዓል ቤት ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝውክል ኢዩ። እቲ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ከምቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዘበገሶ ዕላማ ቀጻሊ ከምዝኾነነ ትሕዝቶኡ ድማ ዝተፈላለያ ኃይማኖታት ንገዛእ ርእሰን ብዘቕርበኦ ሕቶ መሠረትን ከመይ ገይረን ናይቲ ብሓባር ናይ ምንባር ጽሕፍቶ ኃይሊ ክኾና ከምዘለዎ ገዛእ ርእሰን ክምርምራ ኣለወን። ኃይማኖት ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻብ ተልእኾኡ እንተድኣ ኣፍሺሉን ኃይማኖት ንዓና ናብ እግዚኣብሔር ከነቕንዕ ዝመርሕ ክነሱ ንእግዚኣብሔር ኣብ ትሕቲ እግሩ ዘውርድን ንእግዚኣብሔር ናይ ግላዊ ንብረት ዝገበር እንተድኣ ኮይኑ ሰላም ኣብ ናይ ምዝራግ ተግባር ኢዩ ዝዋሳእ፣ በንጻሩ ግን ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ናብቲ መለኮታዊ ባህርይን ፈጣርን መድኅንን ዝመርሕ እንተድኣ ኮይኑ ግን ብሓቂ ኃይሊ ሰላም ኢዩ ከምዝኸውን ገሊጾም፣ ኣብ ክርስትና እውን ሰላም ናብ ምፍራስ ዝመርሕ ምስሊ እግዚኣብሔር ናይ ምዝባዕ ዝንባሌ ተራእዩ ከምዝነበረ ታሪኽ ክርስትና ዝነጽሮ ሓቂ ኢዩ፣ ስለዚህ ናይ ሰላም መጋበርቲ መታን ክንከውን ንኽንነጽሕ ገዛእ ርእስና ንእግዚኣብሔር ነረክብ ቢሎም ሰላም ናይ ኵሉ ነባሪ ተልእኾን ከምተልእኾ ኃላፊነት ዝተወሃበናን እንምሕጸኖ ጸጋ እውን ኢዩ እንክብሉ ንተጋባእያን ሓዋርያዊ ሙራኬ ከምዘተሓላለፉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስ መሥራቲ ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ ካብ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ንነጀው ናይ ግጭት ባህሊ ከምዝዓብለለን፣ ንገዛእ ርእሱ እቲ ግጭት ንምውጋድ ዝግበር ዘተ መሰልን ግቡእን ንምርግጋጽ መታን ውግእ ከም መጋበርያ ብልጫ ዝህብ እናኾነን ብዙሓት ድማ ሽበራን ግብረ ሽበራን ከጣቕዑ፣ ናይ ኣሲዚ ጉባኤ ዕላማ ዘይጭበጥ ትምኒት ከምዘምሰሎ እውን ኣረዲኦም፣ ነቲ ዓብላሊ ናይ ግጭት ባህልን ነቲ ዓመጸይናን ጽዩፍን ኣብ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘድህብ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣይፋል ንበል፣ ሕድ ሕዳውን ናይ ባህልታት ምክብባርን ክነደንፍዕን ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለያ ኃይማኖታት ዓቢ ኃላፍነት ኣለወን ከምዝበሉ ጋዘጠይና ሳባቲነሊ ዘመሓላለፈኦ ምንጪ ዜና ይመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.