2011-09-09 11:03:49

ሰንበት ዘጳጉሜን (ዘመብረቕ) ጳጉሜ 6 2003 ዓ.ም. (11 መስከረም 2011)


መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቕ. . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 14፡7~9፥ 2ጴጥ 3፡1~14፥ ግ.ሓ. 9፡1~1፥ ማቴ 18፡21~25
ምስባክ፡ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ፥ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ። “እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ አምላኽና ሱቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ”።
መዝሙር፡ ‘በርቂ ካብ ምብራቕ ካሳብ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፡ ምስ ኩሎም አእላፋት መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ምጽአቱ ከማኡ ክኸውን እዩ፡ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት’ እናበለ ንሓዲስ ዓመት ከምቲ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ገርና ክንጽበዮ ይዕድመና።
ጽባሕ ሰኑይ ከም አቆጻጽራ ግዕዝ ሓዲሽ ዓመት 2004 ዓ.ም. ክአቱ እዩ፥ ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ አጀሚሩ ንዘብጸሓና አምላኽ ተመስገን ኢልና ክነመስግኖ ንኹሉ ነቲ አብዛ ዓመት ዝሃበና ሰናይ እናአመስገና ጸብጻብ ሕይወትና ክንገብር ግቡእ እዩ። እዚ ዓመት ከመይ ገረ አሕሊፈዮ ምስ አምላኸይ ዘሕለፍክዎ ርክብ ከመይ ነሩ ከምኡ ምስ ከማይ ዝበሉ ሰባት ከመይ አሕሊፈዮ እናበልና ሕልናና ክንምርምር እሞ ነዚ እንአትዎ ዘሎና ሓዲስ ዓመት ብዝተሓደሰ መንፈስን ምቅርራብ ክንአትዎ።
አብ ጽብጻብ ክንአቱ ከሎና ንርእስና ክንርኢ ስለ ዝሕግዘና ንጸብጻብ ሕይወትና ፍቓደኛታት ንኹን። ነዚአ ናይ መጨረሽታ ሰንበት ከም ሓገዝ ክኾነና አብ ማቴ 18 ዝሓለፈ ሰንበት ናይ ዘንበብናዮ መቐጸልታ ገርና ክንርኢ። መልእኽቲ ወንጌል ንሎሚ ብዛዕባ ምምሓር፥ ምሕዳግ፥ ዕርቂ፥ እዩ ዝዛረብ። ንሓደ ሕማቕ ዝገበረና ከመይ ገርና ክንምሕሮ ከምዘሎና ይነግረና።
ንብዙሓት ካባና ንዝበደለና ክንምሕር ዝኸበደ እዩ። ጴጥሮስ ንሓወይ እንተበደለኒ ሸውዓተ ጊዜ እንተ መሓርክዎ ክብል እንከሎ ናይ መጨረሽታ ሕያዋይ እዩ ክንብል ንኽእል። ኢየሱስ አዛይድ አቢሉ “ሸውዓተ ጊዜ ዘይኮነ ሰብዓ ሸውዓተ ጊዜ” ይብል። አብ ግብሪ ክንርእዮ ከሎና ኩሉ ጊዜ ማለት እዩ። ምሕረትን ዕርቅን ደረት የብሉን። ነዚ አብ ግብሪ ክንርእዮ ከሎና ዘይትግበር አብ ሓሳብ ጥራሕ ዝተርፍ ኮይኑ እዩ ዝርአየና። እንተ ኾነ አዕሙቕ አቢልና እንተ ረኤና ንክርስትያን ካልእ አማራጺ የለን ኩሉ ጊዜ ምምሓር።
እዚ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ንቲ ላሜክ አብ ዘፍጥረት 4፡23~24 ዝበሎ ጨሪሹ አንጻሩ ይዛረብ። ላሜክ አቦ ኖኅ እቲ መርከብ ሰሪሑ ንደቂ ሰብ ካብ ማይ አይኂ ዘድኃነ እዩ። “ላሜክ ድማ ነንስቱ ተዛረበን “ዓዳን ጺላን ቃለይ ስምዓ አትን አንስቲ ላሜክ ናብ ዘረባይ ጽን በላ ስለ ዝወቕዓኒ ሰብአይ ስለ ስንብራተይ ድማ ጎበዝ ቀተልኩ፥ ቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ ዚፍደ ኻብ ኮነ ላሜክ ከአ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት ኪፈዲ እዩ”። ነዚ አብዚ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ወንጌል ተቐይሩ ንረኽቦ።
እዚ ናይ ላሜክ አተሓሳስባ መሰረት ናይ ኩሎም ገፋዕቲ ዓመጽቲ አብ ሕብረተሰብ እዩ። አብ ዘመና ዘሎ ሕነ ምፍዳይ ንጸላኢኻ ክተጥፍእ ለይትን መዓልትን ምስራሕ መበቆሉ ካብ ጥንቲ ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ዝአተወና ሕማም እዩ። ጌና ኸአ ይቕጽል አሎ። እዚ ሕማም ዘምጽኦ ኸአ ሞት ስቓይ ሓዘን አብ ሕይወት ሰባት ጥራሕ እዩ። አብ ማዕከን ዘናታት አብ ተለቪዥን አብ ኩሉ ዕለት ዕለት እንርእዮ እዩ።
አብ ማቴ 18፡15~20 ዘሎ እንተ ረኤና ብዛዕባ ንዝበደለ ሓውና አብ መጨረሽታ ምዕራቕ እንተ አበየ ከም አረማውን መጸበሓውን ቍጸሮ ዝብል ነዚ ምሓር ዝብል ዝጻረር ይመስል። እቲ ዕርቂ ዝአበየ ሰብ ካብ ሕይወት ማሕበር ክስጎግ አለዎ ይብልና። እዚ ምስቲ 70 X 7 ዝብል ከመይ ገርና ነሰማምዖ።
መጀምርያ ክንርእዮ ዘሎና ቃላት ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ዝሃቦ ምሳሌ እዩ ዝመጽእ። አብቲ ምሳሌ ሓደ ንጉሥ ንሓደ አለቂሕዎ ዝነበረ ሰብ ዝገበሮ ምሕረት ይነግር። በቲ እዋን ዝነበረ አቆጻጽራ ገንዘብ እቲ ዝተለቅሔ ጭሪሹ ክኸፍሎ ከምዘይክእል እዩ ዝንገር ብዙሕ እዩ ነሩ እቲ ለቕሓ። ክኸፍሎ ሓንቲ ተስፋ አይነበሮን። እዚ ሰብ አብ እግሪ ጎይትኡ ወዲቑ ምስ ለመነ ኩሉ ዕድኡ ተማሒሩ። እዚ ዝተማሕረ ሰብ ካብኡ ምስ ከደ ሓደ ንሱ ዝውሓደ ገንዘብ አለቂሕዎ ዝነበረ ምስረኸበ ክፈለኒ ኢሉ ክሳብ ዝኸፍሎ አብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘእተዎ ይነግረና። ምስቲ ንሱ ዝተማሕሮ ክንርእዮ ከሎና እዚ ናቱ ሓንቲ ዝረብሕ አይነበረን። እዚ ቁሩብ ዝተለቅሔ ሰብ ምሕረት አይረኸብን ዕድኡ ክሳብ ዝኸፍል ምስ ምሉአት ስድራ ቤቱ አብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጎን። እቲ ንጉሥ ነዚ ምስ ሰምዔ ነቲ ከምዚ ዝገበረ አብ ቤት ማእሰርቲ ዕድኡ ክሳብ ዝኸፈል የእትዎ። አብዚ ተመስሪትና ክንርእዮ ከሎና ክርድአና ይኽእል።
ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ቃላትን ዝሃቦ ምሳሌን አብቲ አብ ጎቦ ዝሃቦ ስብከትን አቦና አብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ከም እንኸይድ ይገብረና (ማቴ 6፡12~15)። አብ አቦና አብሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ኩሉ ጊዜ አብ ቅዳሴን ካልእ እዋንን እንጽልዮ “ነቲ ዝበደልናዮ ሕደገልና ከምቲ ንሕና ነቶም ዝበደሉና ዝኃድናሎም” ማቴዎስ ነዚ ክትንትን እንከሎ ብምቕጻል ኢየሱስ ዝብሎ ክነግር እንከሎ ከምዚ ይብል “ንሰባት በደሎም እንተ ኃድግክምሎም ንአኻትኩም ድማ ሰማያዊ አቦኹም በደልኩም ኪኃገልኩም እዩ፥ ግን ንሰብ በደሎም እንተ ዘይኃድግኩምሎም ንአኻትኩም ድማ አቦኹም አይኪኃድገልኩምን እዩ” ይብል።
አብቲ ኢየሱስ ዝህቦ ትምህርትን ምሳሌን ክልተ ንጹር መልእኽትታት ንርኢ።

ምሕረት ምእባይ ወይ ዕርቂ ምእባይ፡
እግዚአብሔር ከአል ኩሉ እንከሎ ምስቲ ባህርዩ ዘይከይድ ዝመስል ነገራት ክገብር ንርእዮ። ንሓደ ምሕረት ዝአቢ ከድሕኖ አይክእልን እዩ። አብዚ እቲ ጸገም ምሕረት ምእባይ አይኮነን ‘ዕርቂ’ ምእባይ እዩ። ዕርቂ አብዘይብሉ ወይ ተስፋ ንዕርቂ አብዘይብሉ ምሕረት ብምልኡ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ።
እግዚአብሔር ንሓደ ኃጢአተኛ ምልዮን ጊዜ ምሒረካ አሎኹ አይብሎን እዩ። ከም ርድኢትና ምሒረ አሎኹ ወይ ሓዲገልካ አሎኹ ማለት “እርድአኒ እዩ ክፍእ ነገር ገርካ አሎኻ አነ እምነተይ ዝሕሉ ክርስትያን ስለ ዝኾንኩ ምሒረካ አሎኹ” ንብል። አብዚ ጽቡቕ ክስምዓካ ይኽእል እዩ እንተ ኾነ እቲ ቁስሊ አይሓወየን እቲ ጸገም አይተፈትሐን አሎ። ሓላፍነተይ ምሒረ አሎኹ ምባል ጥራሕ አይኮነን ከምኡ እንተ ኾነ እቲ ካልእ ሰብ ኩነታቱ ብዛዕባይ ወይ ጠባያቱ አከየይዳኡ አይቀየረን። ናይ ሓደ ወገን ሕድገት ንጹሓት አይገብረናን እዩ እኳ ድአ አነ ክንደይ ሕያዋይ እየ ናብ ዝብል መንፈስ ይወስደና አብ ዝገደደ ጉድአት ይወስደና። አብ ትዕቢት ይወስደና። አነ ሓዲገሉ ተዓሪቐየ እንተ ኾነ ንሱ/ንሳ ጌና አይተዓርቀንን ጌና ተባኢሱኒ ተቐይምለይ አሎ አብ ዝብል ንወድቕ። ከምኡ ወላ እውን ዝበለጸ ድለት አብ ዓለም ይሃልወኒ ንሓደ ሰብ አብ ዕርቂ ክመጽእ ክግድዶ አይክእልን እየ። ዕርቂ ግላዊ ውሳኔ እዩ ብኽልቲኡ ወገን። ፈሪሓካ ወይ ብኻልእ ጥቕሚ ተመርኲስካ ዝእቶ ዕርቂ ሓቀኛ ክኸውን አይክእልን እዩ።
ዕርቂ ምሕረት ብምሉእ ክርስትያናዊ መልክዑ ክለብስ አብ ፍቕርን ሓልዮትን ክምስረት እንከሎ እዩ። እቲ ጸገም ናይ ሰባት ተግባር ከም መጥቃዕቲ አብ ልዕለናን አብ ግላዊ መንነትና ገርና ስለ ንርእዮ እዩ። በቲ አብ ልዕለና ዝተፈጸመ ጥራሕ ንምለኽ እሞ ናይ እቲ ካልእ ሰብ ብድሕሪ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ስለምንታይ ከም ዝገብሮ ዘሎ ከይፈልጥና አቐዲምና አብ ቂምታን ባእስን ንበጽሕ።
ብዙሕ ጊዜ ዝጸልእ ወይ ሓራቕ ሰብ እቲ ብዝያዳ ንርስኡ ዝጎድእ ወይ ከአ ካብቲ ነገር ናይ ጽልኢ ወይ ቁጥዓ ዝጉዳእ እዩ። በቲ አነ ብወገነይ ዝገብሮ ዘሎኹ ክርዳእ ጻዕሪ ስለ ዘየርኢ ዘሎኹ ከምኡ ነቲ ካልእ ሰብ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ስለ ዝይርዳእ ዕርቂ ወይ ሕድገት ወይ መንፈሳዊ ምሕረት አብ ባይታ ክርአ አይክአልን እዩ።
አብ ቤት ትምህርቲ ስነ አእምሮ ናይ ቋንቋ ፕቶግራም ከምዚ ዝብል ንረክብ፡ “ሰባት እቲ ዝበለጸ ንእኦም ዝጠቅም ምርጫ ይገብሩ”። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ሰባት ሕማቕ ምርጫ ይገብሩ። ብዙሕ ጊዜ ሰባት ብገርሂ ክርእዩ ከለዉ አይጸልኡን ወይ አይጎድኡን እዮም። ሰባት ነዚ አባይ ዝፍጽምዎ ዘልዉ ክርድኡ እንተ ዝኽእሉ አባይን አብኦምን ዓቢ ምርድዳእ ምፈጠረ። አነ ብወገነይ ነቲ ንሶም ዝገብርዎ ብመጠኑ ብሓላፍነት ከም ዝሕተት ምተረድአና። ንርእሰይ ከምዚ እናበልኩ ምሓተትኩ፥ ኣባይ እንታይ ስለ ዘሎ እዩ እዚ ሰብ አብ ልዕለይ ከምዚ ዝገበረ ወይ ዝበለ? ብኸምዚ መገዲ ክቐርብ እንተ ድአ ፈቲነ ዕርቅን ሕድገትን ብቐሊል ምመጽአ። ከምኡ ምስኮነ አብ ብዙሕ ዝተጎዳእኩ ኮይኑ አይክርአየንን እዩ። ሽዑ ብፍቕሪ ተላዒለ አብቲ ካልኦት ዝተጎድእዎን ድኽመታቶም ክኸይድ እየ።
ሰብ ብእግዚአብሔር ከም ዝፍቀር ምሉእ አፍልጦ እንተልኦ ሕድገትን ዕርቅን ከም ዝረክብ ዘጸግም አይኮነን። ሰብዓን ሸውዕተን ጊዜ ምሕዳግ ከም ሓደ አብነት ጥራሕ ዘይኮነ እቲ እንኮ ክግበር ዘልኦ መገዲ ጥራሕ እዩ። ከምኡ ከም እግዚአብሔርን ከም ማሕበር ክርስትያን ሕድገት ዕርቂ መወዳእታ ዘይብሉ አብ ሓደ ክፉእ ዘይፍትሓዊ ዝገብር ሱቅ ኢልካ ቀጾልካ እትገብሮ አይኮነን። እቲ ንጉሥ ክምሕር ፍቓደኛ ነሩ እንተ ኾነ እቲ ዕርቂ ምሕረት ከመይ ኢሉ ክውሃቦ ንሓዉ ከይመሓረ። ንሓጢአተኛ ብዘይ ደረት ክንምሕር ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ክንከውን አሎና እንተኾነ አንጻር ሓጢአት እቲ ዝኽፈሎ ዋጋ ብዘየገድስ ክንዋጋእ አሎና።
እግዚአብሔርን ቤተክርስትያንን ንዝንሳሕ ኃጢአተኛ ክምሕሩ ጸገም የለን እንተ ኾነ ንሓደ ብጠባዩ ንዘይልወጥ ንዘይንሳሕ ክምሕሩ አይክአልን። እቲ ዘይልወጥ ጠባዩ መበቆልን ምንጭን ክፍአትን ስቓያትን እዩ። እግዚአብሔር ምስ ኃጢአት ክነብር ምስ ዝደሊ ክዕረቕ አይክእልን እዩ፥ ከምኡ ቤተ ክርስትያን ምስ ሓደ ዕርቅን ናይ ጠባይ ምቕያር ዝአቢ፥ አንጻር ፍቕርን ሓቅን ዝኸይድ ብምሉእ ክትወሃሃድ አይክአልን እዩ። ዕርቅን ምሕረትን አብ ግብሪ ክውዕሉ ናይ ክልተ ወገን ተሳትፎ የድሊ።
ምስ እግዘብአብሔር አብ መንበር ኑዛዜ ብምሉእ እምነትን ተበግሶን ክንፍጽሞ ከሎና ይዕረቐና። ምስ ማሕበር ቤተ ክርስትያን ከአ አብ ፍቕሪ ዝተመስረት ሕድገትን ምምሓርን ክፍጸም እንከሎ እሞ እቲ ቁስሊ ክሓዊ እንከሎ ናይ ልብን ጠባይን ምልዋጥ ክርከብ እንከሎ ነቲ ናይ ሓጥእ መገዲ ሓዲግና አብ ፍጹም ዕርቂ ክንአቱ እንከሎና ንምሓር።
እግዚአብሔር አብ ልብና ዝኾነ ርስሓት ቂምታ ከይንሕዝ ይኽልክለና። ቂምታ ምሓዝ ቁጡዕ ምዃን ኩሉ ጊዜ አግሮምራሚ ምዃን አብ ልብኻ ንነውሕ ጊዜ ቂምታ ምሓዝ ጥዕና ነፍስን ሥጋን አይህበናን እዩ። ከምኡ ዝኾነ ሰብ ኩሉ ጊዜ ሕሩር እዩ። አብ ገለ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ቁጥዓ ሓደ ካብቲ ንሕማም ልቢ ምኽንያት ዝኾኑና እዩ። ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ ክንምሕር አሎና። ብኸምዚ ክንርእዮ ንኽእል፥ ሓደ ሰብ ቅድሚ ብዙሕ ጊዜ ዘይቅኑዕ ነገር ዘጉህየና አብ ርእሰና ፈጢሩ ይኸውን። ኩሉ ጊዜ ነዚ ሰብ እዚ አብ ዝረአናሉ ጊዜ ወይ አብ ዝሓሰብናሉ ጊዜ ሕርቃን ቂምታ ቁጥዓ ከምኡ ሕነና ክንፈዲ ንደሊ። ሰብዓ ጊዜ ሸውዓተ ምምሓር ማለት ነዚ ሰብ እዚ አብ ዝረአናሉ ጊዜ ከመይ ገርና ክም እንምሕሮ እንሓድገሉ ምሕሳብ እዩ። ምሕዳግ፥ ምምሓር ማለት ነቲ ሕነ ክትፈዲ እትደልዮ ካብ ልብኻ ምውጻእ እዩ አብ ክንድኡ ክትምሕር ንልብኻ ምስንዳው እዩ።
ነቶም ዝበደሉና ክንምሕር ዝሕግዘና እንታይ ነገር አሎ? ክትምሕር ምድላይ ውሳኔ እዩ። ሎሚ ክትምሕር ምውሳን የድሊ። ምሕዳግ ወይ ምምሓር ክብሃል እንከሎ ነቲ ዘቐንዝወካ ነገራት ካብ ምዝካሩ ምርሳዕ ማለት አይኮነን እንታይድአ ነቲ ዝስምዓካ ዘይምግባሩ እዩ። እዚ ከቢድ ስለ ዝኾነ ምኽሪ ካብቲ ዝሓልፈ ግጉይ መገዲ ከምኡ ሕጂ ካብ ዘሎናዮ ክንወጽእ የድልየና። ምምሓር ምትዕራቕ ዝጽግሞም ሰባት ሓንቲ ምኽሪ ክልግሰሎም፥ “እከለ አብ ሕይወተይ ክገዝአኒ አየፍቅድን እየ፥ ባዕለይ ንርእሰይ ክቆጻጸር እየ ካብኡ ከሕድጎ እየ፥ ካብ ሕጂ ንድሓር ነፍሰይ ባዕለይ ክቆጻጸር እየ” ክብሉ ይግባእ።
ካልእ ሓገዝ ንምምሓር ዝኾነና ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታይ አብ መስቀል ዝሞተ ምእንቲ እዚ ሓወይ/ሓፍተይ እውን መይቱ እዩ ኢልካ ምሕሳብ። ነቲ ሰብ ከም አብ ትሕቲ መስቀል ክርስቶስ ገርካ ምርአዩ። ኢየሱስ ምእንቲ እቲ ሰብ ከም ዝሞተ ክትርእዮ ትኽእል ዘሎኻ። አምላኽ፥ ክርስቶስ አብ መስቀል ምስ ሞተ ካብ ኃጢአት አዳም ምሒሩና። ነነፍስወከፍና አሽሓት ጊዜ ምሒሩና እዩ። አነኸ ክምሕር ፍቓድኛ ድየ።
ካልእ ሓጋዚ መገዲ ንምሕረት፡ ትሕትና ምግባር ንሕና ነቲ ካልእ ሰብ ክንቆጻጸሮ አይንኽእልን ኢና በዚ ምኽንያት ካብቲ ካልእ ሰብ እቕረታ ዘይምጽባይ። እቲ መባእስትና አብ ሕይወትና ክቆጻጸርና ዘይምፍቃድ፥ መባእስትና ካባና ይቕረታ ከይተጸበየ እንከሎ ይቕረታ ምሕታቱ፥ እዚ ክንገብር ከሎና ንምምሓር ነጻ ይገብረና።
ምስጢር ሕድገት ወይ ምምሓር ወይ ዕርቂ ምግባር ብኸምዚ ክንድምድሞ ንኽእል፡
ሀ. እዘን ዝስዕባ ሓምሽተ ነጥብታት ክነብረን ናይ ብሓቂ ከበድቲ እየን እንተኾነ አብ ልብና አብ ሓሳብና ንቕበለን ኢና።

ለ. በዘን ዝስዕባ ካልኦት ሓምሽተ ሓሳባት አብ ዝኸበደ ትርጉም ሕድገት ክንአቱ። አብ ርእስና አቲና አበኖት ኢና ጸገም ዘሎና ብፍላይ አነ አየነይቲ እያ ዘይቕበላ ክንብል ንኽእል።
    አብ ምምሓር ኩሉ ጊዜ አብቲ ሰባት ካብቲ ዝገብርዎ ጌጋ ንላዕሊ ምዃኖም ምርዳእ። ማለት ሰባት ልዕሊ ተግባራቶም እዮም። ግብሮም ካብኦም እዩ ዝመጽእ። ብኻልእ አዘራርባ አነ ንሰባት በቲ ንአይ ዝገብረዎ ክገልጾም የብለይን። ካብቲ ንአይ ዝገበርዎ ንላዕሊ ካልእ ነገር አልኦም።
    አብ ምምሓር አነ ንሓደ አብ ልዕለይ በደል ዝገበረ ብሓዲስ መንፈስ ምስኡ ምጅማር እዩ። አብ ቂምታ ዝነበር ብጭራስ አይምሕርን እየ፥ ካልአይ ዕድል አይህብን እየ፥ አብ ልበይ ኩሉ ጊዜ ክሕዞ እየ ምስኡ ዝኾነ ርክብ አይገብርን እየ ኢልካ አብ ጸልማት ምንባር እዩ። እዚ ግን ዕርቂ ሰላም ምሕረት አየምጽእን እዩ።
    ምምሓር ዕርቂ ምግባር ናብ ርእስና ተመሊስና ናይ እቲ ዝበደለና ሰብ ሰብአውነትን ናታትና ሰብአውነትን ከም እንርኢ ይገብረና። ንሕና ዝገበርናዮ ጉድለትን ድኽመታትን ከም እንርኢ ይገብረና።
    ምሕረት ዕርቂ ምሉአት ይገብረና። ናይ ሰብ ምልአት ምስቲ ምስ ከማና ዘመሰሉ ሰባት ዘሎና ርክብ እዩ ዝምስረት ምስኦም ብሰላም ክነብር እንከሎና ምሉአት ንከውን።
    ምምሓር ወይ ምትዕራቕ ምስ መባእስትና ጽቡቕ ከም እንምነየሎም ይገብረና። ጽቡቕ ክረኽቡ ንምንየሎም።

ብሓቂ ከቢድ ነገር እዩ። ናይ እዚ ኹሉ መሰረት ኢየሱስ ከም ዘስተምህረና ከምቲ አምላኽ ንአና ዘገበረልና ንሕና ኽአ ከምኡ ንካልኦት ክንገብረሎም ይግብአና። ናይ አምላኽና ባህርይ ምምሓር እዩ። አምላኽና ናይ ኩሉ ማእከልን ምንጭን፥ ናይ ኩሉ ግላዊ ሕይወትና መሰረት፥ መለክዒ ናይ ኩሉ ትርጉም ሕይወት፥ መሓራይ እዩ።
ክንምሕር ክንዕረቕ እምብአር ክልተ ነገር ክነዘውትር ይግብአና ፍቕርን እምነትን። ፍቕሪ ክንብል ከሎና ንሓደ ሰብ ብዝገበሮ ምሕዛን አይኮነን፥ ምስኡ ኮንካ ነቲ ስምዒቱ ምክፋል እዩ። ነቲ ሰብ አብ ሕይወቱ አቲኻ ምቕያሩ። ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ኮይኑ ዘድኃነና ከምኡ ምግባር ማለት እዩ። እምነት ምስ ፍቕር ትመሳሰል እያ። እምነት ካልእ ገጽ ፍቕሪ እያ።
አብዚ አብ ምወዳእታ ዕለት ናይ 2003 ዓ.ም። እምብአር ምስ አምላኽን ሰብን ተዓሪቕና አብ ሓዲስ ዓመት ክንአቱ ይግብአና። ንዝሓለፈ በደላት ንአምላኽን ሰብን ዝገበርናዮ አብ መንበረ ንስሓ አቲና ንነስሓሉ ንአምላኽ ተዓረቐና ንበሎ። ንዘበደሉና ኸአ ብግብርን ብቓልን ምሒረ አሎኹ ኢልና አብ መአዲ ሰልማ ንእቶ። ንሓውናን ሓፍትናን ደቂ አምላኽ ክኾኑ ንሓግዞም።
ንኹሉ ዕርቂ ብወላዲት ክተግብሮ ጥዑም እዩ እሞ ንማርያም መንጎኛ ገረና ንመሓሪ አምላኽ ተዓረቐና አብ ዓድናን ዓለምን ዕርቅን ሕድገትን አውርድልና ነዛ እትመጽእ ዓመት ከምቲ ንስኻ ክንኮና እትደልዮ ኮና ሕይወትና ክንመርሕ ሓግዘና ንበሎ።
በዚ አጋጣሚ ንኹልኹም ርሑስ ዓዲስ ዓመት ይግበረልኩም እብል።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.