2011-08-23 12:08:25

መበል 26 ዕለተ መንእሰያት - ፍኖተ መስቀል


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ኣአብ ማድሪድ ዚካየድ ዘሎ ዕልተ መንእሰያት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ ትማሊ ምሸት አብቲ ኣአብ ማድሪድ ዝርከብ ቅርዓት ምስ 755 ሺሕ ዝኾነ መንእሰያት አብቲ አብ ማድሪድ ዝርከብ ዓቢ ቅርዓት ሲበለስ ፍኖት መስቀል መሪሖም፣ እዚ ኣብ ማድሪድ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ ክርስቶስ ተመስሪትና ብእምነትና ጸኒዕና ዝተሰየመ መሪሕ ቃል ይካየድ ከም ዘሎዝዝከር ኢዩ፣
እቲ 14 ምዕራፋት ፍኖተ መስቀል አብ 200 ሜትር ዝምንውሑ ቅርዓት ከም ዝተኻየደን ብዙሐት ጳጳሳት ካህንትን ደናግልን ምእመናን ከም ዝተሳተፍዎ ትፈሊጡ ኣሎ፣ እቲ ናይ ፍኖተ መስቀል ምዕራፋት ቅድሚ 300 ዓመታት ብአእዋም ዝተቀርጹ ምስሊ ጐያታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጻብርቁ ዝተሰርሑ ከም ዝኾኑ ምንስትውዓል ትኻኢሉ አሎ፣
እዚ ካብ ፕላጻ ኮሎን ምስ ቅርዓት ሲበለስ ዘራኽብ ጐደና ብህዝቢ ተኸቢቡ ከም ዝነበረ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ክስዕ ክልአይ ምዕራፍ ነቲ መስቀል ዝተሸከሙ መንእሰያት ካብ ቅድቲ ሀገር ኢየሩስሌል ዝመጹ ክኸዕኑ ከለዉ ካብ ካልአይ ክሳዕ ሳልሳይ ምዕራፍ ብእምነቶም አደዳ ስደት ዝኾኑ መንእሰያት ተሸኪሞሞ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ አሎ፣
እዚ ስቃያን ሞትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘግህድ ፍኖተ መስቀል”ዚ ስቃይን ዘለዐለማዊ ሕይወትን ዘመልት ምልክት መሰረተ ክርስትና ከም ዝኾነ ይዝከር፣
ሎሚ ንግሆ ከምቲ ልሙድ አብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ ቤተ ሐውረያዊ ወኪል ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብብሕቲ ሥርዓተ ቅድሴ አዕሪጎም፡ ሎሚ ረፍዲ ክአ አብቲ ኻርዲነስ ደል ቡኤን ረቲሮ ዝተባህለ ፓርክ መናሻ ንሰለስተ መንእሰያት አናዚዞም፣ አብኡ 200 ካህናት ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ንመንእሰያት ዘናዝዝሉ ቦት ተመዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ፣
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በን አዲክቶስ ካብኡ ናብቲ ናብ ካተድራል ቅድስቲ ድንግልማርያም አልሙደና ተጓዒዞም፣
እዚ ካተድራል”ዚ ካብ 1883 ክስራሕ ዝጅመረ ንክዛዘም ሚእቲ ዓመት ዝወደሰደ ብ1993 ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ ስፓኛ >ሀውርያዊ ዑደት አብ ዝገበርሉ ግዜ ብስሞም ዝተሰምየ ካተድርል ኢዩ፣ በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ ካተድራል”ዚ ብዙሐት ሊቀ ጳጵሳት ጳጳስሳት ካህናት አብ ዝተረኽብሉ ንተመሀርቲ ዘርአ ክህነት መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ጸሎተ ምእመናን ብቋንቋታት ጣልያን ፈረንሳ ፖርትጋል ጀርመንን ዓረብን ተኻይዱ፣ ፍርቂ መዓቲ ምስ ኮነ ናብቲ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብ ጹዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ቫረላ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንመሰነትኦምን ናይ ቤተ ክርስትያን ሰብሰልጣናትን ናይ እስጳኝ ካርዲናላትን ዘዳለዉዎ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተጓዒዞም ሥርዓተ ምሳሕ ፈጺሞም፣ ብድሕሪኡ ናብቲ ኣአዕሪፎምሉ ዘለዉ ቦታ ተመሊሶም ድሕሪ ዕረፍቲ ፡ ድሕርሪ ቀትሪ ኣአብኡ ምስቶም ነዚ ንኡድ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ዘዳለዉ ሰብ ጽቡቅ ድላት ተራኺቦም ብ አቲ ዝግበርዎ ሰናይ ስራሕ ከም ዝተሐጎሱ ገሊጾም አመስጊኖሞም፣ ሎሚ አጋ ምሸት ናብት ማሕበር ቅዱስ ኾሰ ማድሪድ ተጓዒዞም ምስቶም ኣአብኡ ዝን አብሩ 200 ዝኾኑ አካለ ስንኩላን ተራኺቦም ነቶም አካለ ስንኩላን አብ አበራቲዖምም ብሐባር ክአ ጸልዮም፣ ሎሚ ምሰት ሸዓት 8,30 ናብትቲ ኩአትሮ ቪየንቶ ዝጽዋዕ መዕረፍ ነፈርቲ ተጓዒዞም አብቲ አብኡ ዝርከብ ዓቢ ሜዳ ምስ በማእት ኣአሽሀት ዝቁጸሩ መንእሰያት ዓለም ጸሎተ ዋዜማ ፈጺሞም አለዉ፣ ጽባሕ ሰንበት 21 ነሐሰ ንግሆ ብናይ ማድሪስ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ አብዚ ሰፊሕ ሜዳ ኩአትሮ ቬንቶስ ልዕሊ ሐደ ሚልዮን አብ ዝርከብሉ መንእሰያትን ምእመናን ሥርዓተ ቅድሴ ከዕርጉ ኢዮም፣ ድሕሪ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስ ኩሎም ዘሰነይውም ካርዲናላትን ጳጳሳትን ሰዓት ሐሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ንፍየራ ማድሪድ ተጓዒዞም ምስ ፍቃደኛታት ዕለተ መንእሰያት ክራኸቡ ኢዮም፣ ብድሕሪ”ዚ ናብ ቤተ ጵጵስና ተመሊሶም ምስቶም አብኡ ክጽበይዎም ዝጸንሑ ሰበ ስልጣናት ቤተ ክህነትን መንግስትን ክፋነዉ ኢዮም በዚ ክአ ሐዋርያዊ ዑደቶም ፍጻሜ ክኸውን ኢዩ፣ ብድሕሪኡ ንባራኻስ መዕረፍ ነፈርቲ ማድሪድ ተጋዒዞም ምስቶም አብኡ ዝጸንሕዎም ናይ ቤተ ክህነትን ናይ መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ተፋንዮም፡ ሰዓት 7 ካብ ማድሪድ ነቂሎም ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን ን ንሮማ ከም ዝምለሱ መርሃ ዑደቶም የረድእ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.