2011-08-21 11:08:04

አስተምህሮ ር.ሊ.ጳ አብ ግዜ ፍኖተ መስቀል (ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ማድሪድ)


ዝኸበርኩም መንእሰያት። ብውዕውዕ መንፈሳውነት ንክርስቶስ አብ ሕማማቱን ሞቱን ብምሥናይ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል አዕሪግና፣ ነዚ ክቡር ዝኾነ ምሥጢረ መስቀል ክርስቶስ ብዝበለጸ ንምስትንታን ናይተን ንድኻታትን ጽጉማትን ዘገልግላ ደናግል ዘመስቀል ዘሰናደዋኦ አስተንትኖ ሐጊዙና፣ እዚ ክቡር ምሥጢር መስቀል ክርስቶስ ነቲ ሐቀኛ ጥበብ እግዚአብሔር ሓቊፉ ይርከብ፣ ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሐፎ 1ይ መልእኽቱ 1።17-19 ተመልኪቱ ዘሎ “እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ክጥምቕሲ ኣይለኣኸንን። ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንአና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ አምላኽ እይ፣ ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፦ ፍልጠት ፈላጣት ከኣ ከፍርስ እየ እዩ ዝብል” ዝብሎ እዚ ሐቀኛ ጥበብ እግዚአብሔር እዚ ንዓለምን ነቶም ጥበበኛታት ኢና ቢሎም ዚሐስቡን ዚፈርድ እዩ፣ ነዚ ናይ ቀራንዮ ጉዕዞ ንምስትንታን ናይ ሃገረ እስፓኛ ሰበኻታት ዝተፈላለየ ምስልታት እውን ሐጊዞምና፣ እዚ ሃገራዊ ርስቲ ሃገረ እስፓኛ ዝኾነ ምስልታት እምነትን ሥነ ጥበብን አዋሃሂዶም ንልቢ ሰብ ዝትንክፉን ናብ ንስሐ ዝዕድሙን ምዃኖም ከአ ተዓዚብና፣ ከምቲ ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ብቅንዋት ዝመልኤ ምስሊ ኢየኡስ ገቢራ እናስተንተነት ልቢ ተተንኪፉ ዝተለወጠ ንሕና እውን ነዚ ምስልታት እዚ እንክንጥምት ሥነ ጽባቄ ጥበብ አብ አገልግሎት ጽሩይን ሓቀኛ እምነት ብምዃን ንምሥጢራት ድሕነትና አብ ቅድሜና ብምቅራብ ንኅልናና ቀስቂሱ ንልብና ይልውጦ፣
ነዚ ፍኖተ መስቀል እዚ ክሳብ ቀራንዮ አብ እንጐዓዘሉ ግዜ “ክርስቶስ አፍቂሩኒ ምእንታይ ከአ ሕይወቱ በጃ አኅሊፉ” ዝብላ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ አብ ኅልናና ይመላለሳ፣ አብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ መወዳድርቲ አልቦ ፍቅሪ አነ ኸ ንአኡ እንታይ ክገብረሉ እየ፤ አየናይ መልሲ ንሃቦ፤ ዝብል ሕቶ ክቅልቀል ናይ ግድን እዩ፣ ቅዱስ ዮሐንስ አብ 1ይ መልእኽቱ 3፤16 “ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ።” እንክብል ይምልሸልና፣ ሕማማት ክርስቶስ ንሥቃይ ዓለም አብ ዝባንና ክንሽከሞ ይደፍአና፣ ነዙይ እንክንገብር ግን እግዚአብሔር ካብ ወዲ ሰብን ኩነታቱን ርሑቅ ከምዘይኮነ ብምትእምማን እዩ፣ ከምቲ ብተስፋ ድኂና አብ ትብል መልእኽቲ ተመልኪቱ ዘሎ “በንጻር ናይቶም ንአምላኽ አርሒቆም ዚሐስቡ። እግዚአብሔር ብጭቡጥ መንገዲ ምስ ደቂ ሰባ ክሓምም ብሥጋን ደምን ሕይወቶም ክሳተፍ ሐደ ካባና ክኸውን ደለየ፣ ካብዚ ንደኃር አብ ነፍሲ ወከፍ ሥቃይ ጐይታ አሎ። እዚ ፍቅራዊ ሱታፌ እግዚአብሔር አብ ሕይወትና መጸናንዒ ኮይኑ ኮኸብ ተስፋ የብርቀልና”(39)
ዝኸበርኩም መንእሰያት ፍቅሪ እግዚአብሔር ታሕጓስና የበርክቶ አብ ጐኒ ጽጉማት ክንከውን ከአ ይደፍአና፣ ንሕይወት ምስ ካልኦት አብ ምስታፍ እትብህጉ ስለዝኾንኩም አብቲ እግዚአብሔር ዝተኻእለኩም ክተበርክቱ አብ ዝጽበየኩም ምስቲ ዝሐምም ሓቢርኩም ክትሳተፉ ክሳብ ክንደይ ከምተፍቅሩ አብ ዝዕዘበኩም አብ ቅድሚ ሥቃይ ደቂ ሰባት አጽቂጥኩም አይትሕለፉ፣ ብፍኖተ መስቀል ዝምሰሉ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘጓንፉና ዝተፈላለዩ ሕማማት ሥቅያት አብ ቅድሚ ዓይንና አብ እንዕዘበሉ ግዜ አሰር ክርስቶስ ተኸቲልና ምልክት ምጽንናዕን ድኅነትን ንክንከውን ናባና ዘቅንዔ ጻውዒት እዩ፣ ምስ ካልኦት ምስቃይ ምእንቲ ካልኦት ምስቃይ ንስለ ፍትሕን ሓቅን ምስቃይ ስለ ፍቅሪን ብሓቂ ንኽትፍቅርን ምስቃይ መሠረት ሰብአውነት እዮም ነዚኦም ምስ እንኽእሕድ ንርእስና ነጥፍእ ማለት እዩ፣ ነዚ ትምህርቲ እዚ ክንቅበሎ ክንእክእል ምቅባል ጥራይ ዘይኮነ ከአ አብ ግብሪ ክነውዕሎ እላቦ፣ ቆላሕታና አብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ አብ ዘሎ ክርስቶስ ብምግባር ነቲ ሳላ ትሩፋቱ ሕይወት ዝህበና ምሥጢራዊ ጥበብ መስቀል ክምህረና ንማሕጸኖ፣ መስቀል ምልክት ውድቀት አይኮነን ዝለዓለ ወፈያ ፍቅሪ ከይበቀቅካ ንርእስኻ ናይ ምውፋይ ምልክት እዩ፣ እግዚአብሔር አብ ንዓለም አብ ዕጸ መስቀል ብዝተሰቅለ ክርስቶስ ክሓቅፎ ወሲኑ፣ ትርጉም መስቀል ከስ እዚ እዩ። እግዚአብሔር አቦን ወዲ ኢየሱስን ንደቂ ሰባት ዘርአይዎ ዝለዓለ ፍቅሪ ኢዩ፣ አብ መስቀል ማኅተም ፍቅሪ ንርኢ፣ አብ መስቀል ከምቲ እግዚአብሔር ዘፍቀሮ ከነፍቅር ንመሀር፣ እዚ ከአ ብሥራት ናይ ወንጌል ብምዝኽኻር ንዓለም ተስፋ ድኅነት ዳግም የወፊ፣
አብ መወዳእታ አብ እግሪ መስቀል ምስ ወዳ ዝተሰቅለት እኖና ድንግል ማርያም ንዘክር፣ ብእናታዊ ፍቅራ ኣብዚ ጉዕዞ ሕይወትና ክትሕግዘና ብሕልፊ ከአ ናይ ሥቃይ ጸልማት ኣንክጉልብበና ከምቲ ንሳ አብ እግሪ ዕፀ መስቀል ጸኒዓ ዝተረኽበት ጽንዓት ክተልብሰና ንለምና።።








All the contents on this site are copyrighted ©.