2011-08-21 11:10:39

ስብከት ር.ሊ.ጳ ንተመህሮ ዘርአ ክህነት አብ ዝቀደሱሉ (ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ማድሪድ)


ብፁዕ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ልዑል ካርዲናል። ብፁዓን ብጵጵስና አኅዋተይ ጳጳሳት ዝኸበርኩም ካህናትን መነኮሳትን አኅሉቅን ኰስኰስትን ዝኸበርኩም ተመሀሮ ዘርአ ክህነት አዕሩኽተይ ኩልኹም፣ አብዚ ንአገልግሎት ቤተ ክርስትያንን ደቂ ሰባትን ካህናት ንክትኮኑ ሀንቀው እትብሉ ምሳኻትኩም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግ ዓሚቍ ሐጎስ ይስምዓኒ፣ ብዝገበርኩምለይ ምቅባልን በዘስማዕኩምኒ ሠናይ ቃላትን አመስግነኩም፣ ብሐቂ ሎሚ እዚ ካተድራል ናይ ቅድስት ማርያም አምሳል ናይቲ ጐኢክ አብ መወዳእታ ፋሲካ ዘብዓለሉ ምሥጢረ ድኅነት ዝሠርዓሉ ድራር ጸሎተ ሐሙስ ኮይኑ ይስምዓኒ፣ ከምዚ ኰንኩም ብሐባር እንክርእየኩም ከምቲ ጐኢክ ክርስቶስ መንእሰያት ጸዊዑ ናብ ሐዋርያናት ዝለአኾም እቲ ዘለዓለማዊ ተልእኾ እቲ ሎሚ እውን ሕያው ምዃኑ የገንዝብ፣ ከም ተመሀሮ ዘርአ ክህነት ነቲ ካብ እግዚአብሔር አቦ ዝተላእከ ተልእኮ ድኅነት ቀጸልቱ ኢኹም፣ ብአኡ ተጸዊዕኩም ብፍቅሩ ተማሪኽኩም ብጸዋዕታ ክህነት አሰሩ ክትስዕቡ ንድምጹ ተአዚዝኩም አሎኹም፣ አዕይንትኹም ናባኡ ብምትኳር እቲ ብዝለዓለ መንገዲ እግዚአብሔር ንዓለም ዝተገልጸሉ ምሥጢረ ሥጋዌን ንዓለም ዘድኃነሉ ምሥጢረ ትንሣኤን ገቢሩ ዝተገልጸ አምላኽ ብተአማንነት ተስፋኡ ከምዝፍጽመልኩም እሙን እዩ፣ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ንዝሀበኩም አመስግንዎ፣
ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ ክርስቶስ ሐዲስን እንኮን ፈጻምን ካህን ምዃኑ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ገሊጹልና፣ ናይ መዝሙረ ዳዊት ቃል ከአ “አብዚ ፍቃድካ ንክፍጽም እየ መጺኤ ዘሎኹ” እንክብል ነቲ ናይ ክርስቶስ እንከመልክት ንስኻትኩም ከአ ልኡኻቱ ስለዝኾንኩም ምሳኡ ኰንኩም ትደግምዎ፣ ሕይወት ክርስቶስ መሥዋዕትነት ከምዝነበረ ነዚ ናብ አቦ ንከማልድ ከምዘወፈያ ጸሐፊ መልእኽቲ ዕብራውያን ይገልጽ፣ በዚ ከአ ኩልና ንውልድነት አምላኽ ተጸዊዕና ይብል፣ (10።14)
ቅዱስ ወንጌል እውን ብዛዕባ ሥርዓት ምሥጢረ ቊርባን ይነግረና፣ (ሉቃ 22።14-20) ኢየሱስ ንኩሉ ከምዝተወፈየ ወላእውን ነቶም ዝኸሐድዎ ሥጋኡን ደሙን ንሕድገት ኃጢአት ከምዝሃበ የመልክተና፣ ምልክት ሕይወት ደም ነቲ ብምኽንያት ኃጢኣት ንዝሰዓበ ሞት ደምሲሱ ሕይወት ንምሃብ ተወፊዩ፣ ዝተጠብሐ ሥጋ ክርስቶስን ዝፈሰሰ ደሙን ከአ ነጻ ህያብ ብምዃን ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ኮይኖም ንወትሩ ከንጽሑና ምሳና ይነብሩ፣ ብክርስቶስ አሎ ካብ ዝበሃል ሠናይ ነገር ዝበልጽ ርግጸኛ ድሕነትን ተስፋን ረኺብና፣ ብክርስቶስ አብዚ ምድሪ እዚ ነጋድያን ምዃና እምበር ተስፋ ከምዘይብሎም ናብ ኢምንት እንጓዓዝ ከምዘይኮና ንፈልጥ፣ ምንጭና አብ ዝኾነ አባኡ ከም እንምለስ እውን ንፈልጥ፣
ፍቁራተይ ምስ ክርስቶስ ከም ክርስቶስ ሐዋርያት ኰንኩም ንደቂ ሰባት አብ ጉዕዞኦም ከተሰንይዎምን ከተገልግልዎምን ተዳለው፣
ነዚ ናይ ዘርአ ክህነት ግዜኹም ብጽሞና አኅልፍዎ፣ አስተንትኑ፣ ጸሎት አዘውትሩ፣ አበርትዕኩም አጽንዑ፣ አብቲ መሐውር ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ሐዋርያዊ አገልግሎት ቤተ ክርስትያን ተጸመዱ፣ ቤተ ክርስትያን ማኅበርን ቅዋምን ቤተ ሰብን ተልእኮን ብመንፈስ ቅዱስ አቢላ ብቅርስቶስ ዝተፈጥረት ብጽድቅናን ብኃጢአትናን እትቀውም ሕያው ፍጥረት እያ፣ እግዚአብሔር ከማኡ ደልይዋ፣ አምላኽና ንድኻታትን ኃጢኣተኛታትን አዕሩኽቱ ብምግባር መጋበሪ ድሕነት ደቂ ሰባት ንኽገብሮም ዘየሰክፎ አምላኽ እዩ፣እንክብሉ ቅድስና ቤተ ክርስትያን ካብቲ መሥራቲአን ርእሳን ዝኾነ ክርስቶስ ከምዝነቅል በቲ ካብ ላዕሊ ብዝነቅል ቃል ወንጌሉን ምሥጢራቱን ገቢሩ ከአ ከምዝኵስኵሳ፣ ፍጮ ወይ ስግንጢር ነገር ከይንፈጥር ቅዱሳን ክንከውን ከምዘሎና ብምትሕስሳብ ሰፊሕ ስብከት አቅሪቦም።።







All the contents on this site are copyrighted ©.