2011-08-12 10:45:06

በዓለ ቅዱስ ሎረንዞ ዲያቆን ወሰማዕት


በዓለ ቅዱስ ሎረንዞ ዲያቆን ወሰማዕት ትማሊ ተዘኪሩ ውዕሉ፣ ናይ ኢጣልያ ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ትማሊ አብ ጀነቫ ንክብረ በዓል ቅዱስ ሎረንዞ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “እምነት ክርስትና ንማኅበራዊ ሕይወት ብምንም አይትፍተንን ኮይኑ ግን ክርስትያን ኩሎም ንማኅበራውን ፖሎቲካውን ናብራ ማኅበረሰብ ብዙሕ መበቆላውን አድላይን ዝኾነ ነገራት ተበርክት፣ ቅዱስ ሎረንዞ ሰማዕት ነዚ ናይ ሎሚ ማኅበረ ሰብ ዓለምና ንፍትሓዊ ኅብረተሰብ መሠረት ዝኸውን ዘይትንከፍ ክብሪ ወዲ ሰብ ምስ ዝሕሎ ምዃኑ ይሕብር፣” እንክብሉ ሰፊሕ ስብከት አቅሪቦም፣
ዕለት ዕለት ዘጓንፉና ሐለፍቲ ነገራት ብሕጎም ይጐዓዙ ኮይኑ ግን ናይ ዘመንና ሰብ አጓኒፍዎ ንዘሎ ናይ ኅልናን ሞራልን ጸገማት አዕጋቢ መሠረትን መልስን ክረኽበሎም ዝክእል አብ ሃይማኖት ብዓይኒ እምነት እንክጥምቶም እዩ፣ ንነፍሲ ወከፍ ግላውን ማኅበራውን ተግባር ብቅኑዕ ኅልናን ብሓላፍነትን ክግበር ከምዘለዎ ወንጌል አነጺሩ ይነግር፣ በዚ ከአ እምነት ክርስትና ንኅብረተሰብ ዓለም መሪሕ ክኸውን ዝኽእል ሞራላዊ ሕጋጋትን ልዑል መሠረቶምን ብምውፋይ ንሐቀኛ ፍትህን ንሐባራዊ ጥቅምን ዝኸውን መንገዲ ይሕብር። እንክብሉ ድሕሪ ምስባኽ ነፍስ ወከፍ ምእመን በብዘለዎ ዓምዲ ሕይወት ነዚ መሠረታዊ ነገራት እዚ ከንጸባርቅ እሞ አብ ማኅበራዊ ናብራ ይኹን አብ ፖሎቲካዊ ሕይወት ዓዶም ዝከአሎም ከበርክቱ ሐደራ ቢሎም።።








All the contents on this site are copyrighted ©.