2011-08-06 09:25:21

1ይ ሰንበት ዘፍልሰታ 1 ነሓሰ 2003 ዓ.ም. (7 ነሓሰ 2011ዓ.ም)


መዝሙር፡ ዮም ንዋድሳ ለማርያም. . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 8፡1~ፍ፥ 1ጴጥ 4፡1~6፥ ግ.ሓ. 26፡1~24፥ ማቴ 12፡38~ፍ።
ምስባክ፡ እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ. 87፡5።
መዝሙር፡ በዚ ሰንበት ዝዝመር ከምዚ ይብል፡ “ በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ፥ ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ”።
ዘመን ፍልሰታ ካብ ነሓሰ 1~16 ዘሎ ጊዜ እዩ። ናይ እግዝእትነ ማርያም ፍልሰት ብሥግአን ብነፍሳን ዝዝክር ብዓል እዩ። ማርያም ከም ወዳ ካብ መቓብር ብኃይሊ አምላኽ ከምዝፈለሰት ብመላእኽቲ ተዓጂባ እውን ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰትን በዚ እዋን ንዝክሮ። ኩልና ብጾምን ብጸሎትን ምህልላን ክልተ ሳብዕቲ ንሰናዶ። ብኹሉ ንማርያም ክንመስል ኢልና ንምህለል ንጽሊ።
ዘመነ ፍልሰታ ርክብ ማርያምን አምላኽን ርክብናን ማርያምን ክነስተንትን ዝሕግዘና እዋን እዩ። በዚ ሰንበት ክነስተንትኖ መሪጸዮ ዘሎኹ “ምልእተ ጸጋ” ዝብል እዩ። ኩሉ ብዛዕባ ማርያም እንዛረቦ መሰረቱ አብዚ አምላኽ ዝሃባ ጸጋ ስለ ዝምስረት እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ “ብጸጋ እግዚአብሔር እቲ ኮይነዮ ዘሎኹ ኮይነ አሎኹ ይብል” (1ቆሮ 15፡10)። ማርያም ኩሉ ናታ ብጸጋ አምላኽ እዩ ዝጅምር፥ ኩሉ ሕይወታ ንጸጋ አምላኽ እዩ ዝምስክር። አብ ሉቃስ ከም እነንብቦ መልአኽ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ከበስራ እንከሎ “ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ . . . ማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሂ” (ሉቃ 1፡28~30) ዝብል ንረክብ። መልአኽ ከበስራ እንከሎ ብስማ ጸዊዑ አይኮነን ሰላምታ ዘቕረበላ “ምልእተ ጸጋ” እናበለ እዩ አበሲርዋ። ሓቀኛ ናይ መርያም መንነት ዝግለጽ አብ ጸጋ እዩ።
ማርያም ዝተቐበለቶ ጸጋ አደ መስሕ ምዃን እዩ ሽዑ ንሽዑ እቲ መልአኽ ምስ አበሰራ አብ ግብሪ ውዒሉ መድኃኔ ዓለም አብ ከርሳ ሓዲሩ እዚ እዩ ፍረ ጸጋ። ማርያም ተቐባሊት ጸጋ ጥራሕ አይኮነትን ሱቕ ኢላ ከም ሓደ አቕሓ ተቐባሊት ጥራሕ አይኮነትን ንሳ ካብ መጀመርያ ዓይኒ አምላኽ ዝወደቓ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ሰብ ከማና እያ እንተኾነ ሕይወታ ናይቲ አምላኽ ዝሃባ ጸጋ ሓቀኛ መግለጺ እያ። አብ ማርያም ናይ አምላኽ ፍቕርን ርክብን ምስ ደቂ ሰብ ንርኢ። ጸጋ መራኸቢ ፍጡርን ፈጣርን እዩ። አብ ዘጽአት 34፡6 እግዚአብሔር ምሉእ ጸጋ ከምዝኾነ ነንብብ። እግዚአብሔር ምሉእ ጸጋ እዩ ክንብል ከሎና ካብኡ ኩሉ ጸጋ ይምንጩ፥ ንሱ ንኻልኦት ብጸጋ ይመልኦም። ማርያም ምልእተ ጸጋ ክንብል እንከሎና ብዝተዋህባ እምበር ንሳ ባዕላ ምንጪ ማለት አይኮነትን። ብጸጋ ዝተመልኤት ንብላ። መላኢ ጸጋ አምላኽ ጥራሕ እዩ። ኢየሱስ አብ መንጎ አምላኽን አብ መንግአን ምሉእ ጸጋ እዩ “ምሉእ ጸጋ” (ዮሓ 1፡1) ብኽልቲኡ ወገን ማለት ከም አምላኽን ርእሲ ቤተ ክርስትያንን ንሱ ዓዳሊ ጸጋ እዩ፥ ከም ሰብ መጠን ከአ ብጸጋ ሰማያዊ አብኡ ዝመልኤ እዩ በዚ ኸአ ኩሉ ጊዜ ብጸጋ ይዓቢ (ሉቃ 2፡52)። ጸጋ እግዚአብሔር አብ ደቂ ሰብ ገጹ ክብል እንከሎ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ከም ዝብሎ “አምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ እቲ ዘየፍቅር ንአምላኽ አይፈልጦን እዩ” (1ዮሓ 4፡8)። እግዚአብሔር አብ ውሽጡ ስላሴ እዩ ካብ ውሽጡ ወጻኢ ኸአ ጸጋ እዩ ክንብል ንኽእል። አብ ውሽጢ ስላሴ አብ ነንሕዶም ዘሎ ርክብ ክርኤ እንከሎ ጸጋ ባህሪ አምላክ እዩ እዚ እንታይነት አምላኽ እዩ። አብ ካልእ ክርኤ እንከሎ ጸጋ ህያብ አምላኽ እዩ። አብ መንጎ አብን ወልድን ዘሎ ፍቕሪ ጸጋ ወይ ህያብ አይኮነን እንታይ ደአ ናይ ወላዲን ውሉድን ርክብ እዩ፥ ብኻልእ አዘራርባ ብመጠኑ ግቡእ ወይ ግድነት እዩ፥ አባና ዘልኦ ፍቕሪ ግን ፍሉይ ጸጋ ብነጻ ዝውሃበና ብዘይጻዕርና ወይ ተሳትፎና ዝውሃበና ጸጋ እዩ።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ከም እንርእዮ እግዚአብሔር ወሃቢ ጸጋ ጥራሕ አይኮነን ብርእሱ ጸጋ እዩ። አብ ዘጽአት 33፡19 ዘሎ እንተረኤና “ነቲ ጸጋ ኽህቦ ዝደለኹ ጸጋ እህቦ፥ ነቲ ክምሕሮ ዝደሎኹ ድማ እምሕሮ” ይብል። ነቲ አብ ዘጽአት 3፡14 “አነ እቲ አሎኹ እየ” ዝበሎ ይኽተል። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ወላ እኳ ንርእሱ በይኑ እንተኾነ ንአና እውን እዩ። እዚ እዩ እቲ ጸጋ እንብሎ።
ማርያም እምብአር ህልውቲ ምስሊ ጸጋ አምላኽ እያ። ብዛዕባ ትስብእቲ ክርስቶስ ክዛረብ እንከሎ ቅዱስ አጎስጢኖስ ከምዚ ይብል። ”አብ እንታይ ግንዖት ተመስሪቱ እዩ ናይ ክርስቶስ ትስብእቲ ምስቲ ናይ አቦ ዘለአለማዊ ቃል ናይ አካልነቱ ሓድነት ዝገልጽ ክወሃሃድ ዝኸአለ”? እንታይ እዩ አብዚ ክብሪ እዚ ክበጽሕ ዘኽአሎ? አቐዲሙ ዝገበሮ ነገር እንታይ አሎ? ነቲ ግንዖት ወይ ህያብ ዝኾነ እንታይ እዩ? ኩሉ ፈትሽ እሞ ርኸቦ ይብል። ነዚ ኹሉ እንሓቶ መልሲ ክኸውን ዝኽእል እንተሎ ጸጋ እዩ።
አብ ማርያም እንተ ርኤና እንታይ ስለ ዝገበረት እያ እዚ ኹሉ ጸጋን ግንዖትን ረኺባ? እንታይ ስለ ዝገበረት እያ ነቲ ቃል አምላኽ አብ ከርሳ አሕዲራ ትስብእቲ ክትህቦ ዝኸአለት። እንታይ ስለ ዝአመነት እዩ፥ እንታይ ስለ ዝሓተት፥ እንታይ ስለ ዝተተስፈወት?ወይ ከአ እንታይ ስቓይ ስለ ዝጾረት፥ እዩ ቅድስትን ብዘይ ኃጢአት አዳም ክትውለድ ዝኸአለት። አብዚ እቲ ግንዖት ምኽንያቱ ክንረክብ ንሕተት፥ እቲ ሓቂ ንሕተት ካልእ እውን ንሕተት፥ አብአ ክንረኽቦ እንኽእል ኩሉ ንርኤ፥ እቲ ካብ መጀምርያ እንረኽቦ ጸጋ እዩ። ማርያም ነቲ ቃል ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 15፡10 “እቲ ኾይነዮ ዘሎኹ ግን ብጸጋ አምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” ንርእሳ ክትብሎ ትኽእል እያ። ምሉእ መግለጺ ብዛዕባ ማርያም፥ ኽብራን ጽባቔኣን ኩሉ አብቲ ዝተዋህባ ጸጋ እዩ ዝርከብ። ንሳ ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነት አብ አምላኽ ዝቐረበት እያ። መሰረታውን ብቐሊል አዘራርባ ማርያም ማርያም እያ ምኽንያቱ ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነት። ንሳ ምልእተ ጸጋ እያ ክንብላ ከሎና እቲ ኩሉ አብአ ዘሎ ናታ እዩ።
እንታይ እዩ ጸጋ? ኩልና ክንርድኦ እንኽእል ትርጉም ንርአ። እንታይ እዩ ትርጉም “ጸጋ” ዝብል ቃል? ብሓፈሻዊ አገላልጻ ጸጋ ማለት ጽባቔ፥ ትዕድልቲ፥ ሃብቲ፥ ቡራኬ. . . የስምዕ። ከምኡ ግንዖት፥ ምሕረት፥ ጽቡቕ ድለት እውን ከስምዕ ይክእል እዩ።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ረኤና ክልተ ትርጉም ንረኽበሉ። አብ ዘጽአት 33፡19 እግዚአብሔር ከምዚ ይብል “ነቲ ጸጋ ኽህቦ ዝደለኹ ጸጋ እህቦ፥ ነቲ ክምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ” ይብል። አብ ጸጋ ምሕረት ብጸጋ ክውሃብ እንከሎ የስምዕ። ሓደ ዓይነት ትርጉም ሒዙ ኸአ አብ ዘጽአት 33፡12 ንረኽቦ። እግዚአብሔር አብኡ ኩሉ ጸጋ ይርከብ።
አብ ካልእ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ጸጋ ከም አብ ሓደ አካል ዝርከብ ዓይነት ወይ quality አብኡ ዝርከብ እዩ። አብ ሓደ ሰብ ክርከብ እንከሎ ነቲ ሰብ አብ ቅድሚ አምላኽ ሞገስ ከም ዝረክብ ይገብሮ ሽዑ ጽቡቕ፥ ፍቱው፥ ዝማርኽ ይገብሮ። እግዘአብሔር አብጥቓና ክርከብ ከሎ ንኻልእ ንማርኽ ብኻልኦት ንፍቶ።
አብ ማርያም እንተ ተመለስና እቲ መልአኽ ከበስራ እንከሎ ጸጋ ዝመልአኪ ክብላ እንከሎ ነዚ ትርጉም እዩ ዘስምዕ። ማርያም ጸጋ ረኺባ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ክብረት ረኺባ፥ ንሳ ምልእተ ጸጋ እያ። ከምቲ ማይ ንውቅያኖስ ዝመልኦ ጸጋ ኸአ ንነፍሲ ማርያም መሊእዋ። ምስ ናይ ማርያም ክነወዳድሮ እንከሎና ሙሴ፥ አበው፥ ነብያት ከመይ ዝበለ ጸጋ እዮም ተዓዲሎም። መን ካልእ አሎ እግዚአብሔር ልዕሊ ማርያም ምስኡ ዘሎ? እግዚአብሔር ምስ ማርያም ብስልጣኑ ወይ ብውህበት አይኮነን ምስአ ዘሎ ብአካሉ አብ አሎ። እግዚአብሔር ንማርያም ጸጋ አይኮነን ሂብዋ ብወዱ አቢሉ ርእሱ እዩ ሂብዋ። “እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ” ዝብላ ቃላት ፍሉይ ትርጉም ካብ ናይ ካልኦት አልኤን።
በዚ ፍሉይ ምስ አምላኽ ዘለዋ ቅሩብነት ከምቲ ካልአይ መልክዕ ማርያም ካብ ኩልና ዝበለጸት እያ። ቤተክርስትያን ካብ ኩሎም ዝበለጸት ትብላ። ንሳ ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነት አብ ቅድሚ አምላኽ ፍሉይ ዕድሎት ተዋሂብዋ።
እዚ አብ ማርያም ዝርከብ ጸጋ ፍሉይ ዓይነት ስለ ዘልኦ አብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ሓዲስ ኪዳን ከምኡ ዝተዓደለ የለን። ነዚ ክገልጹ ኢሎም አብ ምስራቕ ብኹሉ ቅድስቲ (Panaghia) አብ ምዕራብ ከአ ንጽሕቲ “Immaculate” ይብልዋ። አብዚ ማርያም አብአ ኃጢአት ዝብልዎ አይርከባን ወላ ናይ አዳም ኃጢአት አይበጽሓን። ብአንጻሩ ኩሉ ጸጋታት አብአ ይርከብ። ንሳ ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ኮይና። ምስ ቤተክርትያን ክነወዳድራ እንከሎና ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብሎ አብ ኤፈ. 5፡27 “ምእንቲ ክቕድሳ ርስሓት ወይ ዕጣር ዘይብላ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተክርስትያን ገይሩ ናብኡ አቕሪብዋ” ክብል እንከሎ ቤተክርስትያን ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ኾይና እያ ማርያም ግን ኃጢአት አብአ ክይርከብ ነጻ ኾይና። ቤተ ክርስትያን ርስሓት ነርዋ እንተ ኾነ ሓደ መዓልቲ ነጺሓ። ማርያም ግን እትነጽሖ የብላን ካብ መጀመርትአ ንጽሕቲ እያ።
ምልእተ ጸጋ ክንብላ ከሎና ቦታ እግዚአብሔር ከይንህባ ክንጥንቀቕ አሎና። ምልእተ ጸጋ ክንብላ ከሎና መሰረት ናይ እቲ ዓምዲ እምነትና ብዛዕባ ማርያም ዘሎና እዩ። ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ፥ ፍልሰታ ከምኡ ዳርጋ ኩሎም ናይ ማርያም ግንዖታት ካብዚ ምልእተ ጸጋ ዝብል እዮም ዝምንጭዉ። ነዚ እንተ ተረዳእና እግዚአብሔር ምንጪ ናይ ኩሉ፥ ንኹሉ ዝህብ ንሱ ምዃኑ እሞ ማርያም ተቐባሊት ምዃና ንርኢ።
ጸጋ እግዚአብሔር ንማርያም ዝመልአ ልክዕ ናይ ክርስቶስ ጸጋ እዩ። እቲ ንሳ ዝተዋህበቶ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ እዩ (1ቆሮ 1፡4)። ብሞት ክርስቶስ ደቂ ሰብ ጸጋ አምላኽን ድሕነትን ተቐቢልና። አብ ልዕሊ ማርያም ዝወረደ ጸጋ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ትስብእቲ ዝተተሓሓዘ እዩ፥ ንሳ ካብቲ አብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ጸጋ እውን ተቐቢላ እያ። ንሳ ካብ ሓጢአት ነጻ ኮይና ተወሊዳ ክንብል ከሎና ብመንጽር በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹልና ደቂ ሰብ ዝህቦ ጸጋ ድሕነት እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ንሳ ብወዳ ድኂና።
አብ ማርያም ናይ ጸጋ ተሓድሶ ነስተንትን፥ አብአ ፍሉይ ዝለዓለ ዓይነት ጸጋ አልኦ። ቅዱስ ኢረነዩስ ክርስቶስ አብ ዓለም ምስ መጸ ንኹሉ ተሓድሶ አምጺኡ እዚ ኸአ ንርእሱ አብ መንጎና ምስ አሕደረ እዩ ይብል። ናይ እግዚአብሔር ጸጋ አብ ግሊኡ ህያባት ወይ አብ ካልእ አይ ኮነን ዝርከብ አብቲ ርእሱ ክህብ እንከሎ እዩ። አብቲ ንሱ ዘርእዮ ሓልዮት አይኮነን ዝርከብ አብ ባዕሉ ዘለዎ እዩ ዝርከብ። አብ ቲቶ 2፡11 እቲ ንደቂ ሰብ ዝተዋህበ ጸጋ ንኹሉን ሓዲስን ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ “እቲ ምድኃን ዘምጽእ ጸጋ አምላኽ ንኹሉ ሰብ ተገሊጹ እዩ” ይብል።
ቅዱስ ጳውሎስ መምህርን ዘማራይን ጸጋ አምላኽ ክስተምህር እንከሎ ንጸጋ አምላኽ ክነመስግን እንተኾና መጀመርያ ክንገብሮ ዝግብአና ምምስጋን እዩ። አብ 1ቆሮ 1፡4 “ስለቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዋህበኩም ጸጋ አምላኽ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ ንአምላኸይ አመስግን አሎኹ” ዝብል ነንብብ። ናይ ሰብ ምስጋና ካብቲ ናይ አምላኽ ጸጋ ክፈስስ አለዎ። ምስጋና ማለት ነቲ ዝተገብረልካ ምምላስ አይ ኮነን ወይ ልክዕ ክንዲቲ ዝተዋህበካ ምምላስ አይኮነን። መን እዩ ንአምላኽ ክንድቲ ዝሀበና ክህቦ ዝኽእል? ምምስጋን ማለት ነቲ ዝተዋህበካ ጸጋ ምፍላጥ ማለት እዩ፥ ዕብየቱ ምቕባል ማለት እዩ።
ማርያም አብቲ ምስ መልአኽ ዝገበረቶ ተዋስኦ አብ መወዳእታ ነዚ እያ ገራ። “ነፍሰይ ንአምላኽ ተዕብዮ እናበለት ናይ ምስጋና መዝሙር አብጺሓ። ነቲ አምላኽ ዝሃባ ጸጋ አብኡ መሊሳቶ። ካብኡ ንርእሳ ክተኽብር ሓንቲ አይወሰደትን ኩሉ አብ አምላኽ መሊሳቶ። ነቲ ኹሉ አብአ ዝገበሮ አመስጊና። ንሳ ኩሉ ናታ ዘበለ ናቱ ምዃኑ ንሳ ሓንቲ ከምዘይብላ እነኹ ባርያ አምላኽ እናበለት ኩሉ ሕይወታ ንአምላኽ ክፉት ገራቶ።
አብዚ እዋን ክንምህለል ክንጽሊ እንከሎና ጸጋ አምላኽ ክንረክብ እሞ በታ ተምክሮ ጸጋ አምላኽ ዘለዋ አደና አደ ቤተ ክርስትያን ክንልምን ኢልና ኢና። እዋናት ፍልሰታ ጸጋ አምላክ አባን ክሓድር ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት ክንፈልጥ እዩ።

ኦ ምልእተ ጸጋ አደና ንሕና እውን ብጸጋን ምሕረትን ወድኺ ክንመለስ ሎሚ አባኺ ንምዕቆብ አሎና እቲ መገዲ ይደናገረና አሎ ጣዕሚ ዓለም ይኸብደና አሎ ሰይጣን ንብዙሓት ይዕወተልና አሎ ስለዚ ሎሚ እታ እንኮ መገዲ ብአኺ ክንረኽባ ሓብርና ንበላ። ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝድለ እንተሎ ብምሉእ ልብና ምህልናና ክነብጽሕ ንአምላኽ ክንዕረቖ ሽዑ ጸግኡን በረኸቱን ክንዕደል። ንአምላኽ ርሒቕናዮ መገዱ ጠፊኡና ኩሉ ጸረ አምላኽ መንፈስ ይዕወተልና አሎ፥ ንጠፍእ አሎና ዓይንና ፍቕሪ አምላኽን ሓውናን ክንዲ ዝርኢ አብ ቅርሕንትን ጽልእን ቂምታን ዘንቢሉ ቅሱን ሕይወት ርሒቑና አሎ እሞ አብ ማርያም ቀሪብና ምስ ወድኽን ምሳኽን ዕረቕና ንበላ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እያ ትብለና ዘላ ወዳ ዝብሎ ኸአ ፍቕሪ ህነጹ ምሕረት ግበሩ ደቂ ሰላም ኩኑ ኩሉ ጊዜ እሙናተይ ኮንኩም ስዓቡኒ እዩ እሞ ነዚ የብቕዓና።
ንስሓ ዝበዝሖ ምሕረት አምላኽ ዘውርድ ምህልላ ይግበረልና፥ ማርያም ብጸሎታን ፍቕራን ትብጽሓን፥ ቅዱስ ሱባኤ፥ ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.