2011-08-05 08:33:10

ዛምቢያ፦ ሕዝባዊ ምርጫ


ኣብ ዛምቢያ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ማኅበር ኣቢያተ ክርስትያን ወንጌላውያንን ብሓባር ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዛምቢያ ዝርኤ ድኽነት ክጎድልን ክውገድን ዘርኤ ዘሎ ማኅበራዊ ምንቁልቋልን ቅልውላዋትን ኣብ ምውጋዱ ዝጽዕር ሓላፍነት ሕዝብን ሃገርን ክስከም ዝኽእል ብግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ዘምርሕን ዝተሓንጸ ናይ ፖለቲካ ኣካል ክመርጽ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ናይታ ሃገር ወንገላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር መልእኽቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕዝቢ ናይ ምምራጽ መሰሉ ሸለል ከይብሎን ብኃላፍነት መዚኑ ብትኽክል ንሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ እምበር ውልቃዊ ረብሓ ከይኣመተ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ጻውዒት ብምቕራብ፣ እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ምርጫ ግልጽን ካብ ዝኾነ ይኹን ጸቕጥን እደ ኣታውነትን ናጻ ክኮይኑ ናይ ሕዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብምልኣት ንምኽባር ዝድርኽ ከኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.