2011-08-05 08:32:05

ኬንያ፦ ሰላምን ፍትሕን


ናይ ኬኒይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዛኪዮስ ኦኮዝን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ኮርነሊዩስ ኮሪር ክታም ዝተነበረሉ መልእኽቲ እቲ ኣብ ኬንያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ዘስዕቦ ዘሎ ጥምይት ኣዚዩ ሓደገይና ከምዝኾነን ናይታ ሃገር መግባዊ ውሕስነት እዚዩ ከምዝሃሰየን እዚ ድማ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞት ሓደጋ ኣቃሊዑ ከምዘሎ የመልክት። መንግሥቲ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክገብርን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘጠቓልሎ መሰል ውሕስነት መግቢ ዝብል ውሳኔ ኣብ ምርግጋጹ ክተግህ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ኣማእኪሉ ዘካይዶ ዘሎ ዘተ ናይ ሕይወት ባህልን ክብርን ሰብኣዊ ክብርን ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቶም ኣስዒቦም ኣብ 2010 ዓ.ም. ብሕዝበ ውሳኔ ዝጸደቐ ሓድሽ ቅዋም ሃገርን ነቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ክካይድ ዝብል ውሳኔ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘየሎን ኣዘኻኺሮም፣ ኣብታ ሃገር እውነተይና ሕዝባዊ ዕርቂ ክረጋገጽን ሕዝብን መንግሥትን ምእንቲ ምርግጋጽ ማኅበራውን ሰብኣዊ ሰላምን ኣብ ኬንያ ክተግሁን፣ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ዜጋ ዝዋስኣሉን እዚ መሰል’ዚ ዘለዎ ሓላፍነት ልዑል ምዃኑ መታን ክግንዘብ ማኅበራዊ ኃላፍነት ብምንቕቓሕ ቅዋም ሃጋር ኣብ ግብሪ ክውዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም ኩሊ ዜጋ ነቲ ዝመርጾ ናይ ፖለቲካ ኣካልን መርሕነትን ሰብኣውን ግብረ ገባውን ሥነ ምግባራውን ምሉእነት ዘለዎን ሕዝብን ሃገርን ዘገልግል ምዃኑ ናይ ምክትታሉ ሓላፊነት ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.