2011-08-02 13:55:24

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሰመያዊ ቤት እግዚኣብሔር ልቢ ሰብ ኢዩ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ደ ሊጉዎሪ ኣኽቢራ ከምዝወዓለት ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እዚ ዓቢይ ናይ ግብረ ገብን ሥነ ምግባን ቲዮሎጊያ ሊቅ ዕለት 27 መስከረም 1696 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ዝተወለደ ናይታ ከተማ ካልኣይ ሓላዊ ቅዱስ ሊቅ ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ምስ ኣግዚኣብሔር ቤተ-ሰብኣዊ ዘተ ክህሉ ዘነቓቕሕ ኣመልኪቶም ዕለት 30 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ናይ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ኣርእስቲ ገይሮም፣ ኣብ 1700 ዓ.ም. መፈለምታ ኣብ ናፖሊ ዝርኤ ዝነበረ ምግባረ ብልሽውናን ኢግብረ ገባውን ኢፍትሓውነት ዝተመልኤ ማኅበራውን ውልቃውን ሕይወት ተገንዚቡ፣ በቲ ዝነበሮ ናይ ሕጊ ልቅነት መሠረት ዝፍጽሞ ዝነበረ ናይ ሥነ ሕግን ጠበቓን ሙያኡ ሓዲጉ ጸጋ ጸዋዕታ ተቐቢሉ ንማዕረገ ክህነት ብኅልዮት ኣምላኽ በቂዑ ዓቢይ ናይ ቲዮሎግያን ናይ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ቲዮሎጊያ ሊቅ ንምዃን ዝበቕዔን፣ ኣብ ናፖሊ ወሰን ከተማ ተነጺሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብምፍጻም ሰማያዊ ቤተ እግዚኣሔር ልቢ ሰብ ኢዩ ዝብል እምነት መሠረት ገይሩ ትርጉም እሩም ክርስትያናዊ ሕይወት እንታይ ማለት ምዃኑ ከምዘስተምሃረ ገሊጾም፣ ኣብዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉ ካህናትን መምሃራን ትምህረተ ክርስቶስን ኣተሓባቢሩ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ከምዘስተምሃረ ዘኪሮም፣ ካብ ሰብኣዊ ኅሊና ሚዛን ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ሕይወት ተወጊዱን ተዘንጊዑ ከምዘሎ ርእዩ ግብረ ገባውን ሥነ ምግባራውን ኅሊና ኣብ ምንቅቓሕ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ዝፈጸሞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዋናውነት ዘለዎ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ደ ሊጉዎሪ ወንጌል እናበሰረን ቅዱሳት ምሥጢራት ኣናሠርዔን ብቓልን ሕይወትን ዘቕርቦ ዝነበረ ኅያዊ ምስክርነት ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስ እናመርሔ ዘርኣዮ ቅንኣት ኣስፍሆተ ወንጌል ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ደረት ኣልቦ ኅያውነት እናስተማቐረ ሰብ እግዚኣብሔርን ብጻዩን ከፍቅር ዝተፈጥረ ምዃኑ ተኣሚኑ፣ እዚ ባህርይ’ዚ ኣብ ልቢ ሰብ እግዚኣቤር ዘንበሮ ከምዝኾነ እናስተምሃረ፣ ተስፈይናን ባህርይ ሰብ ብግብሪ ዘነቓቕሔ ምዃኑ ዕለት 30 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምሮ ከምዘስመሩሉ መግለጺ ቅዱስ መንበር የዘኻኽር።

ሕይወት ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ደ ሊጉዎሪ ጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ማርያማዊ መንፈሳውነትን ናይ ሕይወቱ ማእከል ገይሩ፣ ዝጽልይ ይድኅን፣ ምድሓና ኩሉ ኣብ ጸሎት ዝብል እምነት ብቓልን ሕይወትን ዘስተምሃረ ምዃኑ እውን ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማርያ ደ ሊጉዎሪ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1787 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልየን ኣብ 1839 እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያን ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ መበል 16 ቅድስና ከምዝኣወጀትሉን ኣብ 1871 ዓ.ም. ድማ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቅ ዝብል ስያሜ ከምዝሃበቶ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዕለት 30 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.