2011-08-02 13:59:12

መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና መሠረት ኣብ ስፐይን RealAudioMP3 ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ እንክፍለጥ፣ ብዛዕባ እዚ ንኽኻየድ ተወሲሉ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ በዓል መንሰያት ኣመልኪቶም ናይቲ በዓል ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ጉዳይ ኣመሓዳሪ ፈርናንዶ ኺመነዝ ባሪዮኮናል ምስ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ስፐይን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅድም ቀዳድም እዚ በዓል ብናይ ስፐይን ሕዝባዊ ምምሕዳር ዝስላዕ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ዝሳለጥ ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ ካብ ዜጋ ስፐይን ብዝኽፈል ግብሪ ዝካየድ ከምዘይኮነ ክረጋገጽ እፈቱ ቢሎም፣ በንጻሩ ኣዚ ዓለም ሓቆፍ በዓል ንናይ ስፐይን ኤኮኖሚ ዓቢ ደገፍ ኢዩ። ስለዚህ ካብ ናይ መስህቦ ገያሾ ዝርከብ እቶት ዘተባብዕ ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ በዓል ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ስፐይን ኤኮኖሚ ዓቢ ድጋፍ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም። ቃልን ኣስተምህሮን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦናን ብቅዱስነቶም ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፍ ካብ መላእ ዓለም ናብ ስፐይን ዝውሕዙ ገያሾ ዓለማውያን ምእመናን ኣብዚ እዋን እቲ ቅልውላው ዘጋጥሞ ዘሎ ናይታ ሃገር ኤኮኖሚ ዓቢ ድጋፍ ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መሳለጢ ተባሂሉ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ኣብምታይ ከምዝውዕል ብግልጽን ንጹርን ኣገባብ ሓበሬታ ከምዝወሃብን ድማ ጠቒሶም ሓደ ሓደ ምእመናን ናይ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምልክት ዘበለ ኩሉ ኣብ ዝተረከሉ እዋን ብድላዮም ዝሃብዎ ናይ ገንዘብ ድጋፍ እንተዘይኮይኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ንምርኣይን ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስታፍ ዝኽፈል ናይ ገንዘብ ዋጋ የለን። በንጻሩ ብዙሓት መንሰያት ብኤኮኖሚ ሕጽረት ምኽንያት ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሱታፍኤም ከይኩለፍ መታን ድጋፍን ምትሕብባራትን ዘነቓቕሕ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.