2011-08-02 13:57:04

መልእኽቲ ቤተ ክርስትያን ንምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ


ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ምጅማር እቲ በቢ ዓመቱ ብግልን ብቤተሰብን ብማኅበራውን ኣድማስ መሠረት ዝፍጽምዎ ናይ ሓደ ወርሒ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሠናይን ምኽንያት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰናይ ወርሒ ጾም ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት እንክንግር፣ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት RealAudioMP3 ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ልዊጂ ቸላታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ወርሒ’ዚ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ወርሒ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኩሎም ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰብዓብቲ ብጾምን ጸሎትን ግብረ ሠናይን ምስ እግዚኣብሔርን ብጻዮምን ምስ ገዛእ ርእሶምን ዘለዎም ርክብ ዘዕሙቑሉን ዘስተንትኑሉን ምሕረት እግዚኣብሔርን ንገዛእ ርእሶምን ንብጻዮምን ዝጽልይሉ ወርሒ ስለ ዝኾነ ንመላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሰናይ ምጅማር ወርሒ ጾም ንምነ ኢሎም።

ኣብ ዓረብ ሃገራት ዝነብር ማኅበረ ክርስያን ኣብዚ እዋን ምስ ኣሕዋቱ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብምትሕብባር ሃይማኖታዊ ዘተ ዘተባብዓሉን ምትሕብባር ዘነቓቕሑሉን እዋን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቸላታ ገሊጾም፣ ኣብ ምጅማር ጾምን እዋን ጾምን ጾም ኣብ ዝፍፈትሕሉ እዋን ውን ቀረባ ኮይኖም ክርስትያናዊ እምነቶም እናመስከሩ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረት ዝኾነ ናይ ሓይማኖት ነጻነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ብጠቕላላ መሠረታዊ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበር ዘነቓቕሕሉ እዋን ምዃኑ ገሊጾም።

ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ብዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢላ ኣብ ምጅማር ራማዳንን መዛዘመ ጾም ራማዳን ኢድ ኣል ፈጥር ወግዓዊ ናይ እንቛዕ ኣብጸሓኩምን ናይ ሰናይ ምንዮት ምግለጺ መልእኽቲ ከምእተመሓላልፍ ኣዘኻኺሮም፣ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዘምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ክስትንተን እተተባብዓሉ እዋን ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስታይን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሰናይ ምጅማር ራማዳን መልእኽቲ ብስም ኣብ ቅድስቲ መሬት እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ርክስታይንን ካህናትን ምእመናንን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣብ እየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ድረ ገጽ ዝዘርግሖ ዜና የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ራማዳን ኮነ ኣርብዓ ጾም ተስፈይና ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘነቓቕሕ ከምዝኾነን ምእንቲ’ዚ ውሽጣዊ ምልዋጥ ናይ ኢፍትሓውነትን ጭቆናን መቝሕ ክውገድን፣ ዘለካ ተኻፊልካ ክትነብርን ኩሉ ናይ ኵሉ ዝብል መንፈስ ዘነቓቕሕ ኢዩ ከምዝበሉ፣ ኣብ እየሩሳሌም እትርከብ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስታይን ፓትሪያርክ ድረ ገጽ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.