2011-07-30 13:29:35

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንቁሕ ንጥፈት ንቓል ኣምላኽ ቦታ ዝህብ ክኸውን


ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ቅድስቲ ማርታ ኣብዒላ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ ቅድስቲ ማርታ ብታሪኽ ክርስትና መጽናዕቲ ሥነ ጥንታዊ መሠረትን ብዓቢዩ ድማ ወንጌል ሓፍቲ ኣልኣዛርን ማርያምን ተባሂላ እትግለጽ፣ ኣብ ሞት ሓዋ ዓቢይን ዓሚይቕን እምነት ዝመስከረትን ናይ ንቑሕ ንጥፈት ምሥሊ ተባሂላ እትግለጽ ቅድስቲ ምዃና ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እዛ ቅድስቲ’ዚኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ RealAudioMP3 ንምእንጋድ ላዕልን ታሕትን ክትብልን ንመድኅኃኔ ዓለም ንምእንጋድ ክፍጸምን ክሳለጥ ዘለዎ ተግባር እተነጽር እያ። እዚ ግን እቲ ንቁሕ ንጥፈት ነቓል ኣምላኽ ጽን ምባል ዘወግድ ክኸውን ከምዘይብሉን፣ ብብዙሕ ንምግልጋል ምጽዓርን በዚ እተቕርቦ ኣገልግሎት ዘይምዕጋብ ነቲ እተገልግሎ ሰብ ዘሎካ ዓቢይ ኣኽብሮት ዝምስክር ኢዩ። እንተኾነ ግን እዚ ሸበድበድ’ዚ ንበይኑ እኹልን ዝበለጸን ጌራካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑን፣ ኣቲ ዘድልን ካባኻ ዘይውሰድ ምኅራይ ዝዓበየ ኢዩ እንክብል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርታ ይምዕዳ። ስለዚህ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽን ምባል ነቲ እነቕርቦ ኣግለልጎ ዘሰንይን ዘበርትዕን ከምዝኾነን። ዕለታዊ ሕይወትና ትርጉም ዝህቦ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንቁሕ ንፍጠት ኣየድልን ዘይኮነስ፣ ኣብ ቓል ኣምላኽ ምስዝቐውም ጥራሕ ኢዩ ፍጻሜ ዝህልዎ ኢዩ ዝመሃርን፣ ኩሉ ሓፍላፊ ኢዩ፣ እቲ ዘይሓልፍ ግን ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዝገለጸ፣ እንክብሉ ዕለት 18 ሓምሌ 2010 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ጸሎት መልኣከ እዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘስተምሃሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ወዲ ሰብ ክሰርሕ ኣለዎ። ቅድሚ ኹሉ ግን እቲ ውሽጣዊ ብርሃን ፍቕርን ሓቅን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኢዩ ዘድልውዮ። ብዘይ ፍቕሪ እቲ ኣዚዩ ልዑልን ብሉጽን ዝኾነ ኣገልግሎት እውን ፈጺሙ ትርጉም ኣይክህልዎን ኢዩ። ምኽንያት ሓጎስ እውን ኣይክኸውንን ኢዩ። ብዘይ እዚ ዓሚዩቕ ኣገዳሲ ትርጉም’ዚ ኣገልግሎትናን ንጥፈትና ዕጋበት ዘይብሉ ባዶ ኢዩ ዝኸውን። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ መን ኢዩ ፍቕርን ሓቅን ዝጽገወና? ስለዚህ ንሓድ ሕድና ምድግጋፍ ንመሃር፣ ቅድሚ ኹሉ ግን ደለይትን ጽን ባህልትን እቲ ዘይበርስ ቃል ኣምላኽ ንዅን እንክብሉ ዕለት 18 ሓምሌ 2010 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.