2011-07-29 13:29:01

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2011 ዓ.ም.


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምዃኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ እንክፍለጥ፣ ኣብቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ካብ 182 ሓገራት ዝተዋጽኡ 440 ሺሕ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ከምተረጋገጸን፣ ነቶም ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ማዓልቲ መንሰያት ዝሳተፉ 4 ሽሕ ኣካለ ስንኩላን መንእሰያት ብዘይ ሓደ ሽግር ነቲ በዓል ክከታተልዎ ዘብቕዖም መደብ ደገፍ ከምተሓንጸጸን ኣብዚ መደብ ዝዓዩ 600 ወለንተያናታት እውን ከምእተሰናደዉ ናይዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነዞም ኣርባዕተ ሽሕ ኣካለ ስንኩላን ዝግበር ደገፍ ዘበለ ኵሉ ዘሳልጥ ኡኒታልሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ንህሙማንን ኣካለ ስንኩላንን ናብ ሉርድ ቅዱስ ማርያማዊ ሥፍራን ናብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ቅዱሳት ሥፍራ ዘጓዕዝ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ምዃኑ ናይዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ፓሊዩካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።

ኵሎም ናይዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ መንእሰያት ብሓባር ጸሎት ናይ ሕይወት ሱርን ብርታዔ ሕይወት ምዃኑ ከስተማቕሩን፣ ብሓባር ክነብርዎ ዝድግፎም ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም ጸሎት ቅዱስ ሥነ ጥበብ እውን ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ኣብ ጅማሬ ሓድሽ ሚለኒዩም ኣብ እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብዛዕባ ጸሎት ዘስመርሉ ሓሳብ እውን ዘኪሮም፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰይ፣ መንእሰይ ምስ እግዚኣብሔር ቃል ንቓል ንምልውዋጥ ዝመሃረሉ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝተገልጸ ድላይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ር.ሊ.ጳ. በፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፍሉይ ኣሰልጣኒ መንእሰይ ቢሎም ሰይሞም፣ መንእሰይ ተጎታቲ ከይከውን ብርታዔ ተሓንጊጡ ኣብ መደብ ኣምላኽ ክተግህ ዘበራትዖ መደብ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እውን እምነት ዘለዎ ከምዘይመውትን ሰዓሪ ከምዝኾነን እምነት ዘለዎ ኣብ ተስፋ ቀቢጽነት ናይ ተስፋ ቃል ኮይኑ ዝርከብ ከምዝኾነ ኣብ እምነት ዘሎ ተስፋን ፍቕርን ከምዘነቓቕሑ እኣምን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.