2011-07-29 13:30:47

ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኦስሎን ደሴት ኡቶያ


ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኖርወይ ርእሰ ከተማ ኦስሎን ኣብ ደሴት ኡቶያ ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎምን ነቶም ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ዘጓነፎፍ ድማ እግዚኣብሔር ፈውሲ ክኾኖም ካብ መላእ ዓለም ክርስትያን ማኅበረሰብ ናብ ኖርወይ እርከብ ካቶሊክ ቤተ ክስታይን ናይ ደገፍን ምትሕብባርን መጸናንዕን መልእኽቲ ይተሓላለፍ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ ንናይ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳስን ናይ ስካንዲናቭያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንደርስ ኣርቦረሊዩስን ንናይ ኦስሎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በርንት ኢቫር ኣይደስቪግ ንሕዝቢ ኖርወይ ቅርበት ዝገለጽ ናይ ደገፍን መጸናንዕን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። መንፈስ ክፍኣት ዘበለ ኵሉ ብሰናይ ተግባር ክሰዓር ከምዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ዶላን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብስም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምርግጋጽ ጸረ ሰላም ዘበለ ንኅብረተሰብ ዝፈላልይ ንሓድ ሕዳዊ ምጥርጣር ዝድርኽ እከይ ተግባር ኩሉ ሰላም ብምሕናጽ ዝውገድ ከምዝኾነን ኣብ ስካንዲናቭያን ሰላም ንምሕናጽ ኣብ ዝሳለጥ ተግባር ኩሉ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሳታፊት ከምእትኸውን ከምዘረጋገጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ መልእኽትታት ካብ ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ናይዚ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፔር ሞሪሰተ ፊርማ ዝተነበረሉ፣ ካብ ፖርቱጋልን ፈረሳን ኢጣልያን ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ይመሓላለፍ ከምዘሎ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.