2011-07-12 16:14:24

ንግደት ናብ ገዳም ካዛማሪ


ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 10 ሐምለ 2011 ዓም ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኤውሮጳ ዝተአከቡ ደቂ ዓዲ ናብቲ ዓፅሚ አገልጋሊ እግዚአብሔር አባ ፍሥሐ ገብረአምላኽ ዝርከቦ ገዳም ሲታውያን ከባቢ ሶራ ትበሃል ንእሽቶ ከተማ ትርከብ ገዳም ካዛማሪ መንፈሳዊ ንግደት አካዪዶም፣
እዚ ሎም ዘመን ን9ይ ግዜኡ ዝተገብረ ንግደት። ዓመት ዓመት ብሕልፊ ካብ ዓዲ ጀርመን አብ ከተማ ስቱትጋርድ ዝርከብ ቊምስና ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ዘሥርዓተ ግዕዝ ተጠርኒፎም ካብ ካስል ፍራንክፈርት ቱዪቢንገን ሮተንቡርግ ተአኻኺቦም ልዕሊ 16 ሰዓት ብአውተቡስ ተጓዒዞም ዝሳተፍዎ ብምዃኑ መንፈስካ ዘንቀሳቅስ ኢዩ፣ ነቶም ነጋድያን መሪሖም ንዝመጹ አባ ዮሴፍ በየድ። እናተጓዕዙ ብዛዕባ ዝገብርዎ ጸሎትን አስተንትኖን ምህለላን ምስ ተወከስናዮም። ክንከይድን ክንምለስን ዳርጋ ኩሉ ብቤተክርስትያንን ባህልናን ዝግበር ምህለላ ጸሎት መቊጸርያ አስተንትኖ ንባባት ንደግሞ፣ አድካሚ እኳ እንተኾነ ንጻማን ንንግደትን ስለዝኾነ ዳርጋ ትኽስ ዝብል ወይ ምልክት ድኻም ዘርኢ እኳ የሎን፣ ክይድ ሓዲርና ኣብቲ ገዳም ምስ በጻሕና ቅዳሴ ቀዲስና ተመጊብና ምስቶም መነኮሳን ነዊሕ ድሕሪ ምዕላል። ንጽባሒቱ ንግሆ ተንሲእና ምህለላን መቊጸርያን ኣስተንትኖን ምስ ገበርና ቈሪስና፣ ካብ ሮማን ክባብን ክሳብ ዝመጹና ተጸቢና ሐቢርና አብ ቅዳሴን ካልእ ናይ ዕለቱ መደባትን ተሳቲፍና ብማለት ገሊጾሞ፣
ካብ ሮማ እውን ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ብአውተቡሳትን ናይ ግሊ መኻይንን ብአባ መሐሪ ሃብታይ ተመሪሖም ተሳቲፎም፣ ካብ ከባቢ እቲ ገዳም ተደኲንሉ ዘሎ ሶራን ፍሮዚኖነን ካልእን ዝመጹ እውን ነሮም፣
አጋጣሚ ኮይኑ ደቂ አቡነ ብሩኽ ናይ መላእ ዓለም መነኮሳት ሲታውያን ጉባኤ ዘካይዱሉ ስለዝነበረ ከኣ ካብ ሃገርና ዝመጹ ብዙሓት መነኮሳት ብምንባሮም ነቲ ንግደት ዓቢ ድምቀት ሂብዎ፣
ካብ ሮማ ብአውቶቡሳት ዝተጓዕዙ ነጋድያን እውን መደብ መቊጸርያን ምህለላን አስተምህሮ ቅዱስ መጽሐፍን ካልእ መንፈሳዊ መዝሙራትን እናዘመሩ ካዛማሪ ምስ በጽሑ። ምስ ነጋድያን ዓዲ ጀርመን ከማኡ እውን ካብ ኖርወይን ካልእን ዝመጹ ነጋድያን ተራኺቦም። ብሐባር ብማኅሌትን መዝሙርን ካብ አፋፈት እቲ ገዳም ክሳብ-ቲ ዓቢ ቤተ ክርስትያን ብከበሮን ብጸናጽልን እናወደሱን እናተማህለሉን አብ ውሽጢ ቤተ ክርትያን አትዮም መቃብር መገልገሊ እግዚአብሔር አባ ፍሥሐ ድሕሪ ምስላም መሥዋዕተ ቅዳሴ ተጀመረ፣
ናይ ኤርትራ ማኅበር ሲታውያን ርእሰ አካልነት ኣባ ሥዩም ክፍለጊዮርጊስ ብ12 ካህናት ተሰንዮም አብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ናይ ዕለቱ ወንጌል መሠረት ብምግባር ዓሚቊ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምቅራብ። ታሪኽ አገልጋሊ እግዚአብሔር አባ ፍሥሐ ገብረአምላኽ ምናዳ ኸኣ አብቲ ግዜ ዕረፍቶም አብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕዝቢ እቲ ጻድቅ ሐበሻ ዓሪፎም እንክብሉ ካብ ቤት ሕክምና ሶራ ክሳብ ገዳም ካዛማሪ ንጉሣዊ አሰናንያ ከምዝገበሩሎም። ሱቢቶ ሳንቶ ሕጂ ሕጂ ቅዱስ ይበሃሉ ኣንክብሉ እውን ከምዘመልከቱ ዘኪሮም። ኩሉ ከምዝምስክሮ ብሕልፊ ከኣ ብኦኦም ዝተዀስኰሱ መነኰሳት ከምዘዘተውልና ብሓቂ ቅዱስ ኢዮም፣ እግዚአብሔር ንብፅዕናኦም መግለጺ ዝኸውን ምልክት ክህበና ንልመን፣ አብዚ እናክንመጽእ ጥራሕ ዘይኮነ ወግሔ ጸብሔ ክንጽሊ አሎና ብማለት ጸሎት ጻድቅ ከምዝስማዕን ከምዘስልጥን ብምዝኽኻር አብ ፍጻሜ ቅዳሴ ነታ ጸሎት አማልድነት በሓባር ምስ ሕዝቢ አብጺሖም፣
ድሕሪ ቅዳሴ አባ አቡነ መምህርነ አባ ፍሥሐ። እምአእላፍ ኅሩይ። ክብሉ ካብ ጀርመን ዝመጹ አባ ክብርአብ ብጥዑም ዜማ ዝጀመርዎ ማኅሌትን ዑደትን ዳርጋ ከም ውድድር ስዒቦም መንኮሳን ሲታውያን ወረደ ሰላም ወኮነ ሰላም በጸሎቱ ለአባ ፍሥሐ መንእሰይ ጀርመን እውን ብወገኖም ካባኹም አይንሐምቅን ዝዓይነቱ በከመ ባረኮ አብርሃም ለይስሐቅ ወልዱ ባርከነ አባ ኃይለማርያም ክብሉ ክሳብ ሲሳይ ተቀሪብሉ ዝነበረ ዓቢ ዑደት ተገብሩ፣ ብድሕሪ ምሳሕ ተቀሪቡ ብሓቂ ሕወነትን ፍቅርን ናፍቆትን ዝዓሰሎ መአዲ ተገሩ፣ ብድሕሪኡ ዝተፈላለየ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ብዛዕባ ቤተ ክርስትያንን ትምህርትን ብዛዕባ ሕይወት መገልገሊ እግዚአብሔር አባ ፍሥሐ ቀሪቡ ዝተፈላለይ ሽልማት ተዓዲሉ፣ አማስያኡ ኩሎም ነናብ ቦታኦም ንዓመታ ክምዚአ እዋን ብደሓነ ሰላም ክብሉ ብዓቢ ምድፍናቅ ተፋነው፣ ናይ ሮማን ከባብን ነጋድያን ሽዑ ምሸት እንክአትው ናይ ዓዲ ጀርመን ግን ሽዑ ምሸት ሰዓት 8።00 ዝነቀሉ ትማል ፍርቂ መዓልቲ ብሰላም ከምዝአተው አባ ዮሴፍ በየድ ካብ ስቱትጋርድ ብስልኪ ሐቢሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.