2011-07-12 14:51:08

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ሕይወትና እግዚኣብሔር ከነቐድም


ብግጻዌ ሥርዓተ-ላቲን ትማሊ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ናይ ኤውሮጳ ሓላዊ ቅዱስ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ናይ ምንኩስና ሕይወት መሥራቲ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፐሩጃ ወረዳ ኖርቻ ኣብ 480 ዓ.ም. ዝተወልደ ዕለት 21 መጋቢት 547 ዓ.ም. ኣብ ገዳም ሞንተካሲኖ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ኣኽቢራ RealAudioMP3 ከምዝወዓለት እንክዝከር፣ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ንሓጋይ ዕረፍቲ ካብ ዝርከቡሉ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዘሎ ሓዋርያዊ ሕንጻ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ነዚ ቅዱስ ዘኪሮም፣ ካብዚ ዓቢይ ናይ ምዕራብ ምንኩስና ሕይወት መሥራቲ ቅዱስ’ዚ ኣብ ሕይወትና ንእግዚኣብሔር ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ክንመሃር ኣተሓሳስቦም፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኽታሊ ንኽኾኑ ምስ ተሓረዩ ዕለት 27 መጋቢት 2005 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፈለማ ኣብ ዘቕረብው ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ትምህረተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ፣ ናይ ቅዱስ ጴጥሮት ተኸታሊ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ነዚ ዓቢይ ቅዱስ’ዚ ኣወኪፎም ናይቲ ተልእኾ ሓላቂ ቅዱስ ከምዝኾነን ከምቲ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ኣብ ሕይወትና ቅድሚ ክርስቶስ ማንም/ካልእ ዋላ ሓደ’ኳ ከይነቐድም ቀዳምነት ንኽርስቶስ ክንህብ ዝበሎ መፍነሳዊ ምዕዳን ከዚሮም፣ ኣብ ምጅማር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ተልእኾይ ይብሉ፣ ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብ ህላዌና ማእከላውነት ክርስቶስ ክንዕቅብ ክድግፈናን፣ ክርስቶስ ኣብ ሓሳብናን ዕለታዊ መነባብሮናን ኣብ ዝኾነ ንጥፈታትና ቀዳማይ ቦታ ክህንቦ ኣተሓሳሲቦም።

ዕለት 9 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህረተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ፣ ኣብ ራብዕይ ክፍለ ዘመን ብምኽንያት ውድቀት መግዛእቲ ሮማ፣ ወረራ ሓደስቲ ሕዝብታት ዝተበገሰሉን ኣብ ማኅበረሰብን ባህልታትን ልምድታትን ዘተኣታትዎ ዝነበረ ቅልውላው ክቡራን ዋጋታትን ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ብዘጠናቐቖ ድርሰት ብፍላይ ድማ እታ ናይ መምርሒ ሰነድ ኣብቲ ኣዋን ዘጋጥም ዝነበረ ኩለ መዳያዊ ምልውዋጣት ብቦታን ግዜን ዘይውሰን ሓቀይና መንፈሳዊ ሕይወት እተተባብዕን እተለዓዕልን ኮይና ድሕሪ እቲ ግዝኣት ሮማ ኣቑይሙዎ ዝነበረ ፖሊቲካዊ ሓድነት ኤውሮጳ እቲ መግዛእቲ ድሕሪ ምውዳቑ ዝተኣታተዎ ምብትታን ሓድነት ኤውሮጳ፣ ዶብ ሰገር ዝኾነ ሓደ ሓድሽ መንፍሳውን ባህላውን ውኅደት እዚ ድማ እቲ ናይቲ ክፍሊ ዓለም ኅብረተሰብ ዝካፈሎ ናይ ሓባር ረቛሒ እምነት ዘጉልሕ ሓሳብ ነታ ሎሚ ኤውሮጳ እንበላ ክውንነት ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዘቖመ ምዃኑ ኣረዲኦም።

በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ገና ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ኣብቲ እዋን እቶም መማህርቱ ዝኽተልዎ ዝነበረ ዘይ እርኑብ ሕይወትን ልምድን ርእዩ ንእግዚኣብሔር ደስ ዘብል ጥራሕ ኮይኑ መታን ክርከብ፣ ኣብቲ ናቶም ዘይእርኑብ ሕይወት ዓይነት ከይወድቕ ኣብ ሮማ ዝከታተሎ ዝነበረ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ ሱቢያኮ በሪኽ ቦታ ኣብ እትርከብ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ንሰለስተ ዓመት ተቐሚጡ፣ ነቶም ዓበይቲ ሰለስተ ንወዲ ሰብ ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምስናፍ ብቑዕ ክኸውን ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ጽምዋ ከምዝነበረን፣ ነቶም ሰለስተ ፈተናታት ብኃይሊ እግዚኣብሔር ኣሰኒፉ እቲ ንኻልኦት ዝጠቕምን ዘድልዮምን ቃል ክምስክር ከምዘኽኣሎ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ካብዚ ቀጺሉ ድማ “Ora et Labora-ጸሎትን ዕዮን” ብዝብል ናይ ኩሉ ተግባራቱ ማእከል ዝኾነ መንፈሳዊ ዕላማ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝርኤ ዝነበረ ምድንጋራትን ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘይቅሳነትን ዝመልኦ ሕይወት ኣብ ትሕሊ ሓልዮት እግዚኣብሔር እናነበረ ናይ ዕለታዊ ሕይወቱ ግቡእነትን ወዲ ሰብ ምስቲ መሠረታዊ ዝኾነ ዘድልዮ ኩሉ ብምልኣት ኣናነበረ፣ ንእዚኣብሔር ብምርኣይ ናይ ወዲ ሰብ ክውነነትን መደብ ተልእኾኡን ተረዲኡ፣ ከምቲ ኣብ’ቲ ዝደረሶ ሕጊ ናይ ጸሎት ቀዳማይ ደረጃ ጽንታ ምዃኑ ድማ ብምምልካት “ጎይታ ወትሩ ካባና ዝደልዮ ነቲ ቅዱሳት ትምህርቱ ዕለት ብዕለት ብግብሪ ክንምልስ ኢዩ” እንክብል ቅዱስ በነዲክቶስ ይገልጽ ቢሎም፣ ኣብ ኩሉ ብዅሉ እግዚኣብሔር ንምውዳስ ድማ ሕይወቱ ናይ ኣስተንትኖን ተግባርን ውኅደት ገይሩ።

ነቲ ገዛ ርእስኻ ንምፍላጥ ከም ቀሊል ዝሓስብን ስሱዕ ኣነነት ዘማእከለ ሕይወት ዝውድስ ባህሊ ነቲ ብክርስቶስ ዝተመልከተ ኣሰር ትሕትናን ቀዳምነት ንኽርስቶስ ምሃብ ንዝብል ፍቕሪ ተኣዛዚ ምዃን ናይ ኣግልግሎትን ናይ ሰላም ሰብ ምዃን እቲ ቀዳማይ ናይ ቅዱስ በነዲክቶስ ተኸታሊ ፈጺሙ ክዝንግዖ ዘይብሉ ሕይወት ኢዩ ኢሎም።

ቀጻልን ሓድስን ሓድነት ንምርግጋጽ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ናይ ፍትሕን ሕግን መጋበርያ ኣገደስቲ ኢያቶም፣ ኮይኑ ግን ሥነ ምግባራውን መንፈሳውን ተሓድሶ ዘነቓቕሕ ናብቲ ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ መበቆል ምምርኳዝ የድሊ፣ እንተዘይኮኑ ግን ኤውሮጳ ንምሕናፅ ዘይሕሰብ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ብዘይ እዚ ናይ ሕይወት ብርታዔ’ዚ ወዲ ሰብ ነቲ ናይ ጥንቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘዘንብይ ርእሰ ድኅነት ዝብል ክጭበጥ ዘይከኣል ቅድም ክብል ኣብቲ ከቢድ ስቓይ ዝተራእየሉ ንድሕሪት ከንቆልቁል ዝግበርን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ናይ 900 ኤውሮጳ ዝተራእየ ሓሳብ ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ነዘጓንፍ ጥንታዊ ፈተና ይንብርከኽ እንክብሉ ከምዘስተምሃሩ ናይ ቅድስቲ ምንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.