2011-07-12 14:53:45

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ኣብ ጉዕዞ ባሕርን ባሕረይናታትን ዘጓንፍ ሓደጋ ምጭዋይ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብቲ ንሓገይ ዕረፍቲ ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ እታ ዕለት ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ጉዳይ ዝምልከት መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ RealAudioMP3 ግብረ ኖልዎ ዝዝከረሉ ሰንበት ማያት ባሕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ዘኪሮም፣ በቶም ብዝተፈላለዩ ሸፋቱ ባሕሪ ዝተጨውዩ ባሕርረይናታትን ገያሾን ዘኪሮም፣ እዞም ዝተጨውዩ ዜጋታት ናጻ ተለቒቖም ምስ ሥድራ ቤቶም ክራኸቡ ተመኒዮም ናጻ ክልቐቑ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ጉዳይ እቶም ዝተጨውዩ ዜጋታትን ብዛዕባ እዚ ሓደገይና ማኅበራዊ ተርእዮ ማኅበረሰብ ዓለም ከም ልሙድ ከይርእዮን ቆላሕታ ክገብረሉን ከምዘነቓቕሔ ክንገር እንከሎ፣ በዛ ሰንበተ ማያት ባሕሪ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕብ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ተመሓደርቲ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎው ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣባ ጃኮሞ ማርቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ጻውዒት ብሓቂ እቶም ኣባላት ሥድራ ቤቶም ብሸፋቱ ባሕሪ ዝተጨወይዎም ክፍሊ ኅብረተሰብ ቀረባ ኮይኖም፣ ናይ ስቓዮም ተኻፋሊ ምዃኖም እንከረጋግጹ ምስማዕ ብሓቂ ደስ ዘብልን እቶም ዝተጨውዩ ኮነ ሥድራ ቤቶም ንበይኖም ከምዘይኮኑ ዘረጋገጸ ሓሳብ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ኣብቲ ካስተል ጋንደልፎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣደባባይ ምስቶም ኣባላት ሥድራ ቤቶም ዝተጨውይዎም ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ንምስማዕ ዝመጹን ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና ክሓብሩ ዝተረኽቡ ሓደ ብሓደ ሰላም ቢሎም ዘቕረብዎ ኣባታዊ ደገፍን ነቶም ዝተጨውዩን ቤተሰቦም ብመንፈስ ቀረባ ኮይኖም ኣብ ጸሎቶም ህልዋት ምዃኖም ከረጋገጹን ምእንቲ ምላዋጥ እቶም ጨውይቲ ክንጽሊ ሓደራ እንክብሉ ምርኣይ ብሓቂ ደስ ዘብል ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን በዞም ክፍሊ ኅበተሰብ ቀረባ ኮይና ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ተግባር ቀዳመይቲ ከምዝኾነትን ነቶም ጨወይቲ ናብ እግዚኣብሔር ክምለሱ ወንጌል ኣናስፈሔት ከምእተስተምህርን፣ ናይ ሰላም ባህሊ ክሰርጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝቕመጡ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባህረይናታትን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምሕንጻጽ ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ተዋፊራ ከምእትርከብን ገሊጾም።

ማኅበርሰብ ዓለም ሓቆፍ እቶም ብሸፋቱ ባሕሪ ዝተጨውዮ ባህረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ባህረይናታት ናጻ ክልቀቑ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድኹም ምዃኑ ዝርኣይ ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ጉዳይ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ብቑዕ ቆላሕታ ክግበረሉን እቶም ዝተጨውዩ ናጻ ክልቐቑ ብተገዳስነት ከይተሓለለ ክንቀሳቐስ ዘተባብዕን ዘተሓሳስብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.