2011-07-12 14:55:07

ማድሪድ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ለብዘበ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ ስፐይን RealAudioMP3 ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይድ ምኻኑ ቅድም ክብል ክምእተገልጸ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብታ ናይ ለብዘበ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት እተእንግድ ከተማ ማድሪድ ዝካይድ ዘሎ ምስንዳዋት ኣብ ፍጻሜ ከምዝበጽሔን እነሆ ዕለት 07 ሓምሌ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ርክባትን ሓበሬታን ዘማእከለ 50 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስፐይን ልኡካነ መንግሥታት ዘሳተፈ ሳልሳይ ጉባኤ ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ መራኸቢ ቡዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት እቶም ናብ ማድሪድ ክበጽሑን ኣብቲ በዓል ክሳተፉን ንዘይክእሉ ብባህርየ ሓሳብ ክሳተፉን ነቲ ከይዲ ናይቲ በዓል ብቐጥታ ክከታተልዎ ዝኽእሎም ናይ ማኅበራዊ መርበብ ርክባትን ኣድራሻ መርበብ ሕበሬታን ከምዝተደረሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ካብ 182 ሓገራት ዝተዋጽኡ 440 ሺህ መንሰያት ንኽሳተፉ ከምእተመዝገቡን ብብዝሒ ዝተመዝገቡ ተሳተፍቲ ኢጣሊያ ስፐይን ፈረንሳ ሕቡራት መንሥታት ኣሜሪካ ጀርመን ብራዚል ፖርቱጋል መክሲኮ ፖላንድን ኣርጄንትናን በቐዳምነት ዝጠቐሳ ምዃነን ክንገር እንከሎ፣ ናይዚ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ወግዓዊ ኣድራሻ መርበብ ሓበሬት ብ13 ቋንቋታት ዝምራሕ ምዃኑን እዚ ድማ ናይቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መልክዑ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.