2011-07-11 11:34:38

2ይ ሰንበት ዘክረምት “ዘደመና” ሓምለ 2003 ዓ.ም. (10 ሓምለ 2011 ዓ.ም.)


መዝሙር፡ ይሰጠዎ ወይሰምዖ. . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 8፡18~23፥ 1ጴጥ 3፡8~15፥ ግ.ሓ. 14፡8~19፥ ማቴ 13፡1~31
ምስባክ፡ አርውዮ ለትለሚሃ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሓ። “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።
ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ሰንበት ዘደመና ተባሂሉ ዝፍለጥ ካልአይ ሰንበት ዘክረምት እዩ። እዋኑ እዋን ክረምቲ ስለ ዝኾነ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ስም ንህቦ። አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት እንዝምሮ መዝሙር ከምዚ ይብል፡ “ ጎይታ ሰንበት ንኹል ዝለመኖ ንጸሎቱ ይሰምዖን ይህቦን። አምላኽ ምሕረት በብዓመቱ ክረምቲ ይኸፍት እሞ ደመናታት ቃሉ ይሰምዑ” ይብል። ንኹሉ አብዚ ዓለም ዘሎ አምላኽ ዝሃበና እዩ፥ ኩሉ ፍጡር በብመልክዑን ባህርያቱን ክብርን ግርማን አምላኽ ይገልጸልና። እዋናት ክረምቲ ንሓዲስ ነገራት አብ ሕይወትና ክንሰናዶ የዘኻኽረና፥ አብ እምነትና አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ንዝበለጸ ተሓድሶ ክንወፍር ከምኡ አብ እምነት ብስለት ክነርኢ እሞ ንኻልኦት ክንሕግዝ ከም ዝግብአና ፈልጢና ንአምላኽ አብ አገልግሎቱ ክንውፍር ክንሓስብ ዝሕግዝ እዋን።
ናይ ሎሚ ወንጌል ምስ ዝሓለፈ ሰንበት ዘንበብናዮ ሓደ እዩ (ሉቃ 8፡4~15) አብ ማርቆስ እውን ንረኽቦ ኢና (ማር 4፡1~19) ብዛዕባ ዘርኢ ይዛረብ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ብምስላ ገሩ ይዛረብ ከም ዝነበረ አብ ወንጌል ብተደጋጋሚ ንረኽቦ። ብዛዕባ ዘርኢ ይዛረቦም ነሩ እዚ ምናልባት ብሰለስተ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ፩ያ ካብ ሰማዕቱ ብዙሓት ሓረስቶት ብዛዕባ ማሕረስ ብቐሊል ክርድኦም ስለ ዝኽእል። ፪ይ ብዛዕባ ዘርኢ ክንሓስብ ከሎና ዓሚቅ ትምህርቲ ስለ እንምሃር ጽቡቕ አብነት ንሕይወትና ክኾነና ስለ ዝኽእል። ፫ይ አብ እዋናት ክረምቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ክኸውን ይኽእል፥ ሽዑ ሰማዕቲ ምስቲ ዘልውዎ እዋን አወሃሂዶም ክርእይዎ ከለዉ ብዝያዳ ክርድኦም ይኽእል። አብ ሕይወትና በቲ እንፈልጦ ባህልን ዘረባን እሞ ከምቲ ዝዓበናሉን እንፈልጦን ክንገረና ከሎ ብዝያዳ ክርድአና ይኽእል። በዚ እዩ ኢየሱስ በቲ ዝፈልጥዎ ዝዛረቦም ዝነበረ።
አብ ዘርኢ ብዙሕ ምስጢር አሎ። ሓደ ካብቲ ንዘርኢ አብ ዝግብኦ ፍረ ዘብጽሖ ማይ እዩ። ማይ አብ ኩሉ ዓቢ ተራ አልኦ። እንነብረላ ዓለም ዳርጋ ¾ ማይ እያ። ማይ አብ ሕይወት ፍጡራት ዓቢ አገዳስነት አልኦ። ዓሣ ብዘይ ማይ ክነብር አይክእልን እዩ፥ እንስሳታት አታኽልቲ ሰባት ኩልና ማይ የድልየና። ብዘይ ማይ ክነብር ዝኽእል የለን። ሓካይም ከም ዝብልዎ ሰብ አብ መዓልቲ ካብ 6~8 ብርጭቆ ማይ ክሰቲ አልኦ። ማይ አብ ዘይብሉ ክንደይ ጸገም ከምዘሎ ኩልና እንርድኦ እዩ። ማይ ዘይብሉ መጻኢ ተስፋ የብሉን። ሎሚ አብ ምስራቕ አፍሪቃ ከምኡ አብ ገለታት ክፍልታት ዓለምና ደርቂ በርቲዑ ንብዙሓት አስጊኡ አሎ። ኢየሱስ አብ ምሳሌኡ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም እተነበና ማይ፥ መሬት፥ ዘርኢ ፍሉይ ትእምርቲ አብ ሕይወትና እሞ እምነትና ብዝርኢ ዓቢ ትምህርቲ ክኾኑና ከም ዝኽእሉ ንዕዘብ። ሰለስቲኦም አብ ዘርኢ አብ ፍረ ክበጽሕ ዘልኦም ግደ ብቐሊል ክንዕዘብ ንኽእል። ነዚ ምስ አብ ሕይወትና ዝዝራእ ቃል አምላኽ አተተሓሒዝና ክንርእዮ እንከሎና አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ክንርኢ ንኽእል።
ንባባትና ከምኡ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሓፈሻ እንተ ረኤና ካብቲ ብዙሕ ንፍቕሪ አምላኽ ክገልጹልና ኢሎም ብዛዕባ ማይ፥ ሓመድ ከምኡ ብዛዕባ ዘርኢ አተሓሒዞም ይዛረቡና።
    አብ መዝሙር 65፡9 ዘሎ እንተ ረአና ከምዚ ይብል “ንምድሪ ትሓልየላ ዝናም ሰዲድካ ከአ ተጽግባ ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ፥ ንርባታት ብማይ ትመልኦም፥ ንምድሪ ድማ አዝርእቲ ኸም እተብቍል ትገብራ” እዚ ከአ ነቲ አብ ኢሳያስ 55፡10~11 ዘሎ መሰረቱ እዩ፥ ቃል አምላኽ ፈቃርን አብ ሕይወትና ሳዕቤን ዘልኦን ከምዝኾነ ከረድእ ከም ዝጸሓፎ ንርኢ። “ዝናምን ውርጪን ካብ ሰማይ ይወርዱ፥ እሞ ንምድሪ የስትያ፥ ከም ትበቍልን ከም እተፍርን ከአ ይገብራ፥ ዘርኢ ንዘራኢ፥ መግቢ ንተቐላቢ ከም እትህብ ከይገበራ ንድኅሪት አይምለስን። ከምኡ ኸአ እቲ ኻብ አፈይ ዚወጽእ ቃለይ፥ ነቲ አነ ዝደልዮ ኼስልጥ አብቲ አነ ዝደልዮ ዝልእኮ ጒዳይ ኬቕንዕ እዩ እምበር ብኸንቱ ናባይ አይኪምለስን እዩ” ዝብል ነንብብ። ማይ አምሳል ሕይወት እዩ፥ ንዘርኢ ሓዲስ ሕይወት ክፈጥር ማይን መሬትን የድልይዎ። ንሕና አብ እምነትና ከም ክርስትያን ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ቃል አምላኽ ከም ዘርኢ ኩሉ ጊዜ አብ ልብና ክዝራእ አለዎ። ባይታ ክነጠጥሓሉ ግቡእና እዩ።
    አብ ወንጌል ኢየሱስ ነርድእቱን ዝሰምዕዎ ንዝነበሩ ከረድእ ኢሉ ብዙሕ ምሳሌታት ይጥቀም ከምዝነበረ ነንብብ። ክርድእዎ ኢሉ ብምሳሌ ይዛረቦም ነሩ።




    አብ ቅዳሴ ካህን “አልዕሉ አልባቢክሙ” እናበለ ልባትና ክነልዕል እሞ ምስኡ ክንከውን ይዕድመና። ካብ ዘሎናዮ ኩነት ቀይርና ናይ አምላኽ ክንከውን ዝሕግዝ ሁመት። ልብና ክነልዕል ከሎና መንበሪ አምላኽ ዝኾነ ልብና ጸርዩ ዋንኡ አምላኽ ጥራሕ ክንገብሮ ከም ዝግብአና ክንፈልጥ አሎና ምእንትኡ ኸአ ዝክአል ቃልሲ ክንገብር አሎና።
    ልብና ንፍቕሪ አምላኽ ጥራሕ ክንከፍት ከሎና ንቃል መንግስቲ አምላኽ ክንርዳእን ክንቅበልን ንኽእል። ምስ ቃል አምላኽ ክንተአሳሰር እንከሎና አብ ተፈጥሮና ተመሊስና ብጸጋ አምላኽ ነለስልሶ አሎና እዚ ኸአ ዘርኢ ፍቕሪ አምላኽ ብብዝሒ አባና ከፍሪ አፍደገ ንኸፍት። አምላኽ አባና ፍረ ክርኢ ናታትና ተሳትፎን ድለትን ክርኢ ይደሊ።
    ጸሎትና ሎሚ “እግዚአብሔር ሎሚ እንታይ ይብለኒ አሎ? ዝብል እዩ። ንነፍሲ ወከፍና በቲ ዘሎናዮ ሕይወት ክነመሓላልፎ ዝግብአና መልእኽቲ አሎና። መጀመርያ ክንገብሮ ዝግብአና ነገር እንተሎ ልብና ቀልብና አብቲ ንሱ ዝህበና ክነድህብ ይግብአና። ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕል ከአ አምላኽ ንዝህበና ጽን ክንብል ንሱ ንዝብሎ ልብና ክንከፍት ይግብአና። በዚ ዝስዕብ አገባብ ይዛረበና።

ስማዕ/ዒ!ክብለና እንከሎ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ እዩ።


    ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ አብ ሥጋናን አብ ዓለምናን ዝርከብ ነውጺ ክገልጽ እንከሎ “ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ አባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ እአምን እየ” ይብል። አብዚ ጳውሎስ ክንሓልፎ ዝግብአና ስቓይ ይገልጸልና። እቲ ዝጽበየና ክብሪ ምስቲ ዝጓነፈና ስቓይ አይወዳደርን እዩ። እንተኾነ አብ ዓወት አብ ሓጎስ ክንበጽሕ ክንሓልፎ ዝግብአና ጉዕዞ አሎና።



ኩልና ብማይ ዝተጠመቕና ኢና ሕይወት ዝህብ ማይ። አብዚ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ እንከሎን አብ ጥምቀት ዝአቶናዮ ቃል ንሕድስ። ነቲ ዝሓፈስናዮ ፍረ ኸአ ምእንቲ ክንሕደስን ክንቅየርን ምእንቲ አብዚ ታቦት አምላኽ ሒዝናዮ ንቐርብ። በብእዋኑ ዝንገረና ቃል አምላኽ አብ ልብና አሕዲርና አብ ፍረ ነብጽሓዮ።
ማርያም ንቃል አምላኽ ብምሉእ ልባ ተቐቢላቶ አብአ ኸአ ዓበይቲ ነገራት ገሩላ። ቃል አምላኽ ዝህቦ ጸጋን በረኸትን ካብ ማርያም ክንምሃሮ ንኽእል። ማርያም ንቃል አምላኽ ምስማዕ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ልባ እውን ተሕድሮ ነራ። ብአኡ ትምራሕ ነራ። ነቲ ብዓይኒ ሥጋ ክትርድኦ ዝጸገማ መልሲ ካብ አምላኽ እምበር ካብ ከምአ ሰባት አይተጸበየቶን። ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተገልጸላ ቃል አምላኽ ሐራይ ኢላ ተቐቢላቶ። ስለዚ ማርያም እታ ቀዳመይቲ መምህር ከመይ ገርካ ንቃል አምላኽ ከም እትሰምዕ እትነግረና እያ። ኦ ማርያም አደና ንሕሹኽታ አምላኽና ክንሰምዕ እሞ ከምቱ ንሱ ዝብለና ኮና አፍረይቲ አብ ግራት አምላኽ ክንከውን ሓግዝና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.