2011-07-09 14:24:20

ርእሰ አንቀጽ ቅድስቲ መንበር፦ “ካብ ካርቱም ናብ ጁባ”


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳታ ሰሙን ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል ካብ ካርቱም ናብ ጁባ ብዝብል ኣርእስቲ ትማሊ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሱዳን ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ RealAudioMP3 ዝዝክር ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ እዋን ዝሃብዎ ምዕዶን ዘስምዕዎን ዘቅረብዎ ጸዋዕታን፣ ሱዳናውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ናይ ምስዓብን ነጻነቶም ክኽበርን ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምስሕሓብ ብምኽባር መለለዪ ማኅበረሰብ ሃገረ ሱዳን ክፍታሕ ናብ ዘኽእል ብቅዋም ሃገር ዝተደገፈ መምርሒ የድልዮ ዝበልዎ ቃል ብፍላይ ጠቒሶም፣ ምእንቲ እቲ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካይድ ዝነበረ ግጭት ደው ክብልን ናይታ ሃገር ሕዝቢ ስቓይ ክውገድ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዘይጸለየ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ምርግጋእ መሥዋዕትነት ዝኸፈሉ በቲ ዝነበረ ውግእ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዓበይቲ ሃገርን መንእሰያትን ሕፃናትን ድኻታትን ንእግዚኣብሔር ኣማሕጺኖም፣ ፍትሕን ውሕስነት ናይቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክረጋገጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እቲ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣፍርቃ ዝርኤ ዘሎ ሓደስቲ ለውጥታት ብሕገ መንግሥትን ትሕቲ ቅርጽታትን ብፖሊቲካን ብፖሊቲካ ኤኮኖምን ተደጊፉ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ኣለዎ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 10 ለካቲት 1993 ዓ.ም. ኣብ ካርቱም ኣብ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ቅድሚ መንግሥትን ናይ ፖለቲካ ኣካላት መብዛሕቲኦም በቲ ናይቲ ከባቢ ውግእ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ካቶሊክ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ፍትሕን ነጻነትን ክኽብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ርእሰ ዓንቀጽ ዘኪሮም፣ እነሆ ሎሚ ደቡብ ሱዳን ከም ሃገር ቆይማ እያ ምስ በሉ ኣብዚ ወግዓዊ በዓል ናጽነትን ሃገረ ደቡብ ሱዳን ናይ ቅዱስ ኣቦና ልእኻትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ሃገራት መራሕትን ከምእተሳተፉ ጠቒሶም፣ ድሕሪ እዚ በዓል ናጽነት ደቡብ ሱዳን ውሽጣዊ ሓድነት ምርግጋጽ ቀዳማይ ዕላማ ክኸውንን ማኅበረሰብ ዓለም ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ክይርስዕ ሓደራ ቢሎም ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.