2011-07-07 15:37:16

ሲኖዶ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን


ካብ ዕለት 8 ሓምሌ ክሳብ ዕለት 12 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ምክፋል ወንጌል ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘተኮረ ናይ መላእ እንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ሲኖዶስ ኣብ ኒው ዮርክ መንበረ ጥበብ ክካይድ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ብመንግሥቲ ዝሕገዛ ብናይ ቤተ ክርስትትያን ኣባላት ዝመሓድርዎ ኣባይቲ ትምህርቲ ጉዳይ፣ ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይምኖታትን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን እንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተካይዶ ናይ ሓባር ዘተ፣ ብፍላይ ድማ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ 2003 ዓ.ም. ምስ ሜቶዲስት ቤተ ክርስትያን ዘቖመቶ ናይ ሓባር ስምምዕ እቲ ክልትኤን ቤተ ክርስትያን መጋብያን ኣብ ናይ ሓባር ኣገልግሎት ክሳተፉን ክለዋወጣን ዝብል ናይ ስምምዕ ውሳኔ ዓንቀጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝብሉ ዝርዝር ነጥብታት ምይይጥ ካክይድ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ እቲ ሲኖዶስ ኣብ እንግሊጣር ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ሮዋን ዊሊያምስ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዝጅመር ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.